ማህበር ስላሴ ቤተ-ክርስያን ኦርተዶክስ ተዋህዶ ኤረትራውያን አብ በልጁ

Monday, May 2, 2016

' ቃለ ቡራኬ በዓለ ትንሣኤ '

          ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽን ኣሜን!! 
    
                  ' ቃለ ቡራኬ በዓለ ትንሣኤ ' 

ኣብ ቀረባ ውሽጢ ሃገርን፡ ኣብ ርሑቕ ወፃኢ ሃገራትን ዘለኹም ክቡራን ሕዝበ ክርስቲያን፣ ከምኡ’ውን ብሓፈሻ ኵልኹም ደቂ ሃገር እንቋዕ ናብ በዓለ ትንሣኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰላም ኣብጽሓና! ናብዚ ዘብጽሓና እግዚአብሔር ኣምላኽና ድማ ክብርን ምስጋና ይብጽሓዮ! 
“ትንሣኤከ ለእለ አመነ ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ” ማለት “ነቶም ትንሣኤኸ እንኣምን ብርሃንካ ስደደልና” እናበልና በብዓመቱ ነዚ በዓለ ትንሣኤ እነኽብረሉ ምኽንያት ኣምላከ ኣማልክት ጐይታ ጐይቶት መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መቓብር ክፈቱለይ መግነዝ ፍትሑለይ ከይበለ ብኃይለ መለኮቱ ንሞት ስዒሩ ዝተንሥኣሉ ዕለት ስለዝኾነ እዩ። 

ጐይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብስቕለቱን ሞቱን ትንሣኤኡን ፍጹም ድኅነትን ሰላምን ምሕረትን ሃበና።


ነቶም ብምኽንያት በደል ኣዳም ዝበደሉን ዘይበደሉን ን5500 ዓመት ኣብ ትሕቲ መርገምን ኵነኔን፡ ሞት ገዚእዎም ዝነበሩ፡ ብስቕለቱን ሞቱን ናፅነት ሰቢኹ ሓራ ኣውፅኦም። ‘እለ ውስተ ሲኦል ፃኡ ወእለ ውስተ ጽልመት ተከሠቱ” ማለት “ኣቱም ኣብ ሲኦል ዘለኹም ውፁ፡ ኣብ መግዛእቲ ጸልማት ዘለኹም ናብ ብርሃን ተገለጹ” ኢሉ ኣድኃኖም።  ኢሳ. 42፡7፣ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ 3፡17።

ከምኡ’ውን “ወገብረ ሰላመ በደመ መስቀሉ ለዘበሰማይ ወለዘበምድር” ማለት “ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብዘፍሰሶ ደሙ ሰላም ገበረ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማይ ዘሎን ዘበለ ኵሉ ምስ ገዛእ ርእሱ ዓረቖ” መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈላስይስ 1፡20 ከምዝብል፡ ንሕና ኃጥኣን ከሎና ብገዛእ ፍቓዱ ኣብ ክንዳና ሞይቱ ብምትንሣእ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” ኢሉ ነቲ ዘይውዳእ ሰላም ሃበና። ዮሓ. 20፡21 ፣ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ 5፡8 ። 

በዚ ኸኣ ካብ ሕጂ ሰላም ኮይኑ እዩ እናበልና ንእውጅ።

ሰብኣዊ ፍጡር ሞይቱ ፈሪሱን በስቢሱን ከምዘይተርፍ፡ ንሱ በዅሪ ትንሣኤ ኾይኑ ትንሣኤን ሕይወትን ሠርዓልና። ኵላትና ብኣዳም ሞይትና ከምዝነበርና ከምኡ ድማ ካብ ሕጂ ብመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕያዋን ኴንና ክንትንሥእ ኢና። ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 15፡22 ። 

ስለዚ ፍቁራን ሕዝበ ክርስቲያን! ነዚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወዓለልና ውዕለት ዘኪርና ትንሣኤ ልቦና ክንትንሥእ፡ ብብርሃን መንገዲ ጽድቂ ክንመላለስ፡ ብሃይማኖትን ፍቕርን ጸኒዕና ነንሓድሕድና እናተሓላለና በዓልና ከነብዕሎን ዝተረፈ ሕይወትና ብእኡ ክንነብርን ይግብኣና።

አምላከ ሰላም መድኃኔዓለም ክርስቶስ ርሑስ በዓል ትንሥኤ ይግበረልና!

በዚ ክቡር በዓለ ትንሣኤኡ ንቤተ ክርስቲያንና ብሃይማኖት የጽንዓልና፣

ንሃገርና ኤርትራ ብረድኤት ይባርኸልና፣

ንሰበ ሥልጣንና ጥበብን ምስትውዓልን፡ ከምኡ’ውን ነቶም ኣብ ሓለዋን ሕንፀትን ሃገር ንዘለዉ ኃይሊ ይዓድለልና፣

ንዅሎም ኣብ ሕማምን መከራን ዘለዉ ወገናትና ፍጹም ትዕግሥትን ጽንዓትን ይሃበልና፡

ንምድሪ ዝዝራእን ዝዕጸድን ፍረ ሂቡ፡ ብሓፈሻ ንሕዝብናን ንዅሉ ዓለምን ሰላሙ ከብዝኃልና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና!

             ብፁዕ አቡነ ሉቃስ
        ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

ክርስቶስ ትንሥአ እሙታን ብዐቢይ ኃይል ወሥልጣን ኣሠሮ ለሰይጣን አግአዞ ለአዳም ሰላም እምይዜሰ ኮነ ፍስሐ ወሰላም!  እንቋዕ ናብዚ ብርሃነ ትንሳኤ ኣብጸሓና።

Eritrea Orthodox Tewahdo Church Abune Lucas gave benediction Geez Easter ፋሲካ

No comments:

Post a Comment