ማህበር ስላሴ ቤተ-ክርስያን ኦርተዶክስ ተዋህዶ ኤረትራውያን አብ በልጁ

Saturday, November 8, 2014

ትዕግስቲ

ትዕግስቲ 
ትዕግስቲ ማለት ብናይ ሎሚ ጽንኩር ኩነታት ከየማረርካ ንናይ እግዚኣብሔር ረድኤትን ብህድኣትን ብዓቕልን ምጽባይ እዩ።ከምኡ’ውን ንዝኮነ ስራሕ ከይተሃከኻን ከየማረርካን ምስራሕ ፡ንዝሓሰብካዮን ዝጀመርካዮን ከይረብረብካን ተስፋ ከይቆረጽካን ፍጹም እዩ።እግዚኣብሔር ሕጉስን ትሑትን’ዩ። ናይ እግዚኣብሔር ትዕግስቲ ካብ ምሕረቱን ርህራሄኡን ምሉእ’ዩ። ናብይ ዳዊት ኣብ (መዝ 103፡8)እግዚኣብሔር ርህርሁን መሓርን እዩ። ንኹራ ደንጓዪ ንምሕረት ድማ ምሉእ እዩ ብምባል ገሊጽዎ ንረኽቦ።
ከምኡ’ውን ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ እቲ ጎይታና ንከድሕነኩም ኢሉ ዝርእዮ ዘሎ ትዕግስቲ ሕሰቡ ይብል። እግዚኣብሔር ሓጠተኛታት ክሳብ ናብኡ ዝምለሱ ኣዝዩ ከም ዝዕገሶም ካብ ታሪኽ ሰብኣ ነነዌ እንማሃሮ ሓቂ እዩ ።እግዚኣብሔር ሰብኣ ነነዌ ብጾም ጸሎት ናብኡ ክሳብ ዝምለሱ ተዓጊሶም። ናብ እግዚኣብሔር ትዕግስቲ ንሓጠትኛ ናብ ንስሓ የምርሕ ነገር ግን ንስሓ እንተዘይኣተወ ናብ እግዚኣብሔር መቕጻዕቲ እዩ ዝረኽቦ። እግዚኣብሔር ንመዓት ደንጓዪ ንምሕረት ከኣ ቅልጡፍ ስለዝኾነ ናብኡ ንኽንምለስ ትዕግስቲ ንዕዑ ክንመስል ይጽበየና። ስለዚ ብኣርኣይኡን ብኣምሳሉን ዝተፈጠርና ክሳብ ዝኾና ብትዕግስቲ ንዕኡ ክንመስል ይጽበየና። ከምቲ ያዕቆብ ኣብ (1፡19) ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ ንምዝራብ ድማ ደንጓዪ ከምኡ’ውን ንኹራ ደንጓዪ ይኹን ዝበሎ፡ንሕና’ውን ኣብ ኩሉ ሸነኻት ሂወትና ትዕግስቲ ምስ ዝህልወና ካብ ብዙሕ ሓጢኣትን ስሕተትን ንሕሎ። ትዕግስተኛ ዝኾነ ሰብ ይጽበ እሞ ብዛዕባ ዝወሃቦ ናይ እግዚኣብሔር መልሲ ኣይጭነቕን። ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ጸሎቱ ከም ዝሰምዖ ርግጸኛ እዩ። ኩሉ ነገር ብናይ እግዚኣብሔር ጥበብን ፍቓድን ከም ዝፍጸምን ኣብ ግዚኡ በቲ ዝድለ መንገዲ መልሲ ከም ዝወሃቦ ብምእማን ንእግዚኣብሔር ይገድፎ። ሓደ ሓደ ሰባት ከምዚ ዝኣመሰሉ ትዕግስቲ የብሎምን።ንእግዚኣብሔር ምውቃስ እምበር ብትዕግስቲ ምጽባይ ኣይክእሉን እዮም። ንሶም ክውንጅልዎ (ይኸስዎ) ንሱ ግን ይዕገሶም ንወቐሰኦም’ውን ይሽከሞ። ንሱ ክድንጉይ ይኽእል እዚ ግን ትዕግስትን እምነትን ንኽህልወና ንዓና ንምልምማድ ከም ዝኾነ ንሕሰብ። ነዚ ከኣ እዩ ዘማራይ ዳዊት ብትዕግስቲ ኣመልኪቱ ነብሰይ ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ሃዲኣ ትጽበ ምድሓነይ ካብኡ ይመጽእ ኣሎ ዝበለ። ስለዚ ሃዲእና ብትዕግስቲ ለቢስና ረድኤት ኣምላኽ ምጽባይ ክንለማመድ የድልየና። ብትዕግስቲ ምጽባይ ማለት ግና እናተጨነቕካን እናተናወጽካን እናኣማረርካን ምጽባይ ዘይኮነ እናተጻወርካን እናተጸመምካን ኣብ እግዚኣብሔር ተኣማሚንካን ምጽባይ እዩ። ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ ኣብ (2ይ መልእኽቲ 1:6) ኣብታ ፍልጠት ከኣ ምግታኣ ርእስኻ ኣብታ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ ኣብታ ዓቕሊ ውን ፍርሃት እግዚኣብሔር ክንገብር ከም ዘለና ይነግረና። ስለዚ ካብ ደገ ብዝመጽእ ዝኾነ ነገር መታን ከይንድፋእ እሞ ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ወጻኢ ከይንገብር ንርእስና ትዕግስቲ ከነላምድ ናይ ግድን እዩ ዘድልየና። ምኽንያቱ ነቲ ብዘይ ትዕግስቲ ኣምላኽ ነዓና ዘዳለዎ ጽቡቕ ነገር ክንረኽቦ ስለዘይንኽእል ኣብዛ ዓለም እዚኣ ከኣ ንነብረሉ ግዜ ዝተፈላለየ ፈተነ ከጋጥሙና ይኽእሉ እዮም። ብዘጋጥሙና ፈተና ግን ከይተረበሽናን እምነትና ከየጥፋእናን ነቲ ናብ ሰማያት ናብ ቤቱ ክወስደና ክመጽእ ሙዃኑ ዝተስፈወና ተስፋ ምጽኣት ኢየሱስ ክርስቶስ እና ሓሰብናን ንኣምላኽ ከነገልግልን ይግባኣና። ትዕግስቲ ዘይብሉ ሰብ ኣብ ጭንቀትን ምርባሽን እዩ ዝወድቕ። ስለዚ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ክሳብ መወዳእታ ዝዕገስ ንሱ ክድሕን እዩ ዝበለና ብትዕግስት ክንጸንዕ ይግባእ። ከምኡ’ውን ዕጉሳት ክንከውን ኣዎንታዊ ኣተሓሳስባ ክህልወና ኣብ ዝኾነ ነገራት ትዕግስቲ ብምግባር ክንነግሮ ኣሎና።
ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን !!!!
source)- facebook

No comments:

Post a Comment