ማህበር ስላሴ ቤተ-ክርስያን ኦርተዶክስ ተዋህዶ ኤረትራውያን አብ በልጁ

ትምህርተ ሃይማኖት

                                                    ኣማላድነት
1.     ኣማላድነት ማለት እንታይ ማለት እዩ? ኣማላዲ ማለት ብዝቐለለ መገዲ ኣታዓራቒ ክኸውን ከሎ ፣ በዚ ድማ ንምትዕራቕ ብጸሎት ምልማን ፣ በጃኻ በጃኺ ምባል የድሊ፣፣ ኣብ ሥርዓት ናይ ኣማላድነት ሠለስተ (3) ነገራት የድልዩና ፣ ዝልመነሉ ፣ ዝልምን ፣ ዝልመን ካብዚኦም ሠለስተ ሓደ እንተጎደለ ግና ናይ ኣማላድነት ሥርዓት ክፍጸም ኣይክእልን እዩ፣፣

 2.     ኣማላድነት የድሊዶ? ንመን? ኣብ ደረጃ እምነት ብዝተፈላለዩ ተኸታተልቲ እምነታት ኣብዛ ሕቶ እዚኣ ዝተፈላለዩ መልስታት እዩ ዝወሃቦ፣፣ ሓደ ሓደ ወገናት “ ኣማላዲና ክርስቶስ ጥራይዩ፣ ካልእ ኣማላዲ የብልናን “ ዝብል ቅዋም ኣለዎም ፣ እንተኾነ ግና ዝበዝኅ ጊዜ ኣብ ሕቶ ኣማላድነት ሓደ ፍሉጥ መገዲ የብሎምን ፣፣ ኣማላዲና ክርስቶስ ጥራይ ክብሉ ጸኒሖም ጥውይ ኢሎም ከኣ ቅዱሳነ እግዚኣብሔር’ውን ብሕይወት ክሳብ ዘለዉ የማልዱ እዮም ይብሉ ፣፣ ብዝኾነ ግና እዘን ክልተ ምሉእ ሓሳባት ዝጋጨዋ ዘረባ እየን፣፣
      ንሕና ድማ ክርስቶስ ተማላዲ እምበር ኣማላዲ ኣይኮነን ዘማልዱና እቶም ብሥጋዊ ሕይወት ዘለውን ዘየለውን ቅዱሳን እዮም ኢና ንብል፣፣

  3. መጽሓፍ ቅዱስከ እንታይ ይብል?  ብሉይ ኪዳን፦ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብዙኅ ናይ ኣማላድነት ሥራሕ ከም እተፈጸሙ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና እዩ፣፣ ንኣብነት ኣብ ዘፍ 20፦1-7 እንተንበብና ኣቤሜሌክ ፣ ሣራ ሓብቲ ኣብርሃም ስለ ዝመሰለቶ ኃጢኣት ክሰርሕ ሓሲቡ ከም ዝነበረ እግዚኣብሔር ግና ብመንፈስ ከም ዝኸልከሎ ተጻሒፉ ይርከብ ፣፣
ኣብ ቁጽሪ 7 ድማ እግዚኣብሔር ንኣቤሜሌክ ክግሥጾ ከሎ ከምዚ ኢልዎ ነበረ “ ሕጂ ከኣ ነታ ሰበይቲ ናብ ሰብኣያ ምለሳ ንሱ ነቢይ እዩ እሞ ምእንቲ ክትድኅን ክጽልየልካ እዩ ፣ እንተዘይመለስካያ ግና ንስኻን ናትካ ዘበለ ኩሉን ብርግጽ ከም እትሞቱ ፍለጥ በሎ” ፣፣ ጌጋ ዝገበረ ኣቤሜሌክ ኮይኑ ከሎ ናባይ ጸሊ ከድኅነካ እየ’ውን ኣይበሎን ፣ ብዝበልጸ ነቢይ ዝኾነ ኣብረሃም ምእንታኻ ክልምነኒ እዩ እሞ ኣነ’ውን ክምሕረካ እየ በሎ ፣፣ ኣብ ቁጽሪ 17 ድማ ኣብረሃም ናብ እግዚኣብሔር ጸለየ ፣፣
‘’ ንኣቤሜሌክን ሰበይቱን ባሮቱን ኣድኅነ ‘’ ክብል ከሎ ብናይ ኣብረሃም ኣማላድነት በዓል ኣቤሜሌክ ካብ ኃጢኣቶም ከም ዝድኅኑ የረጋግጸልና ፣፣
      ኣብ ዘፀ 32፦33 እስራኤል ብዝገበርዎ ኃጢኣት እግዚኣብሔር ብቁጥዓ ከጥፍኦም እየ ድኅሪ ምባሉ ሙሴ ‘’ንዝሠርሕዎ ኃጢኣት ይቕረ በለሎም እንተዘይኮይኑ ግና ንዓይ ካብ መጽሓፍ ሕይወት ደምሰሰኒ (ሕኸኸኒ) ‘’ እናበለ ከም ዝለመነ እግዚኣብሔር ድማ ምሕረት ከም ዘውረደ ተጻሒፉ ይርከብ ፣፣

      ኣብ ዘኍ 11፦2 ‘’ እግዚኣብሔር ተቖጥዐ ሓዊ ውን ኣብ ማእከሎም ነደደ እቶም ሕዝቢ ውን ናብ ሙሴ ኣእወዩ ሙሴ ድማ ናብ እግዚኣብሔር ጸለየ እቲ እሳት ውን ጠፍአ ‘’ ዝብል ቃል ንረክብ ፣፣ ብናይ ሙሴ ኣማላድነት እስራኤል ካብ ብዙሕ ትፍኣት ከም ዝደሓኑ ኣብ ብዙሕ ቦታ ተጻሒፉ ኣሎ (ተወሳኺ ዘኍ 14፦ 19-20) ፣፣
      ካብ ብሉይ ኪዳን ብዝበለጸን ዝሓሸን መገዲ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ውን ብዙሕ ናይ ኣማላድነት ሥራሕ ከም ዝተፈጸመ ኣማላድነት ኣድላይ ከም ዝኾነን ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ብግልጺ ይምስክር ፣


4. ነዞም ዝስዕቡ ጥቕስታት ንመልከት

1ይቆሮ 4፦13, 2ይቆሮ 9፦13-14, 1ይቆሮ 5፦18-21፣, ፊሊ 4፦5, 1ይጢሞ 2፦1-3፣ ብተወሳኺውን ማቴ 8 ብምልኡ ፣ ማቴ 15፦23-28 ፣ ማቴ 10፦41-42 እንተንበብናዮውን ይጠቅመና እዩ፣፣
ነዚ ኩሉ ቃል መጽሓፍ ቅዱስ እንዳመስከረ ከሎ ሓደ ሓደ ሰባት ግና “ ቅዱሳን ኣየማልዱን እዮም “ ንዝብል ሓሳቦም ብምቕያር “ እዚ እሞ ብሕይወት ከለዉ እዩ ድሕሪ ሞቶም ግን ኣየማልዱን እዮም ንምምላድ ዕድል’ውን የብሎምን “ ይብሉ ፣፣
እንታይ መረዳእታ ኣለኩም እንተበልካዮም ግና ኣብ መክብብ 9፦4 ንዘሎ ቃል ይጠቕሱ እቲ ቃል “ ዘይሞተ ከልቢ ካብ ዝሞተ ኣንበሳ ይሓይሽ ሙታን ግና ሓንቲኳ ኣይፈልጡን ዝኽሮም ንዘለዓለም ተረሲዑ እዩ’’ ይብል፣፣
ነገር ግን እዚ ጥቕሲ ኣብ ውሽጢ ኃጢኣት ኮይኖም ካብ ዝሞቱ ኃጢኣተኛታት ኮይኖም ብሕይወት ዝጸንሑ ይበልጹ ምኽንያቱ ንምንሳሕ ዝሓሸ ዕድል ስለዘለዎም ንምባል እምበር ዝኽሪ ቅዱሳን ንምጥፋእ ኣይኮነን ፣ ቅዱሳን ካብዛ ዓለም ድሕሪ ምስንባቶም ዝኽሮም ከም ዘይጠፍእ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ “ መዘከርታ ጻድቕ ንዘለዓለም ይነብር እዩ’’ ኢሉ እዩ( መዝ 112፦6) ቅዱሳን ኣብ ምምላድ ቃል-ኪዳን ተዋሂብዎም እዩ፤ ( ማቴ 19፦28,1ቆሮ6፦1) ፣፣

   5. ኣማላድነት ድኅሪ ሞት

      ቅዱሳን ብሥጋ ድኅሪ ሙማቶም ከም ዘማልዱ መጽሓፍ ቅዱስ ይምስክር ፣፣ ንኣብነት ኣብ  ዘፀ 32፦13 ሙሴ “ ዘርእኩም ንዘለዓለም ክወርስዋ እዮም ኢልካ ብርእስኻ ዝመሓልካሎም ባሮትካ ኣብረሃም’ ይስሓቅ ፣ ያዕቆብ ዘክር “ እናበለ ስጋዊ ናብራ ኣሕሊፎም ብዝተፈልዩ ወይ ከኣ ዝሞቱ ቅዱሳን ስሞም እናጸውዐ ከምዚ ሎሚ ንሕና እንገብሮ ንእግዚኣብሔር ይልምን ነበረ ፣ እግዚኣብሔር ድማ ልማኖኡ ሰምዖ ነበረ፣ (ተወሳኪ ዘፀ 32፦2-15 )
      ኣብ 2ይ  ነገ 19፦ 34 ፦ “ ምእንቲ ባርያይ ዳዊት ነዛ ከተማ መታን ከድኅና ክኽልላ እየ’’ ክብል እግዚኣብሔር ተዛሪቡ እዩ በቲ ጊዜ እቲ ግና ዳዊት ካብ ዝመውት 100 ዓመት ሓሊፍዎ ነበረ፣፣ ኣብ 1ይ ነገ 11፦12 እውን ተመሳሳሊ ሓሳብ ዘለዎ ቃል ንረክብ፣፣ ቅዱሳን ካብዛ ዓለም እንተተፈልዩ እኳ ብመንፈስ ሕያዋን ምዃኖም እግዚኣብሔር ባዕሉ ከምዚ ኢሉ ገሊጽልና እዩ፣ ‘’ ኣነ ኣምላኽ ኣብረሃም ፣ ይስሓቅ፣ ያዕቆብ ፣ እየ ናይ ሕያዋን እምበር ናይ ምውታን ኣምላኽ ኣይኮንኩን” ማር 12፦26 ፣፣ ስለዚ ቅዱሳን ካብዛ ዓለም ብሥጋ እንተተፈልዩ እኳ ሙታን ኣይበሃሉን እዮም ብእግዚኣብሔር ሕያዋን ስለ ዝኾኑ ፣ ብተወሳኺ 1ይቆሮ 13፦12,ሉቃ 20፦37-40 ንወከስ ፣፣ ቅዱሳን ካብዛ ዓለም ብሞት ምስ ተፈልዩ ኣብ ምድሪ ንዝግበር ነገር ሓንቲኳ ኣይፈልጡን እዮም ንዝብሉ ወገናት ዮሓንስ ብራእይ ዝረኣዮ ኣጸቢቑ መሊስዎ እዩ፣፣
(ራእ 6፦10) እናበሉ ንእግዚኣብሔር ይልምኑ ነበሩ ፣፣ እዚ ዘርእየና ከኣ ኣብ ምድሪ ንዝግበር ነገር ከም ዝፈልጥዎ እዩ፣፣ እምበኣር ኣብ ምድሪ ኣብ ልዕሊ ኃጥኣን ጾምና ተቐበል እናበሉ ካብ ለመኑ ንካልኦት ድማ ምሕረት ሃብ እናበሉ ምልማን ኣይሰኣኖምን እዩ፣፣ ብሕይወት ንዘየለዉ ቅዱሳን ካባና ስለ ዝረሓቁ ንእንልምኖ ኣይሰምዑን እዮም ዝብሉ ወገናት ናይ ምስማዕ ኮነ ናይ ምርኣይ ጸጋ ብኢድ እግዚኣብሔር ምዃኑ እናገለጽና ፍጹም ብሥጋዊ ዓይንን እዝንን ብዘይኮነ ብመንፈሳዊ ዓይንን እዝንን ምሳና ምዃኖም ንምግላጽ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ምስክርነት ነቕርብ  (ቆላ 2፦5) ጳውሎስ ብሥጋ ምስኦም እኳ እንተዘይነበረ ንዝገብርዎ ኩሉ ነገር ግን ይርኢ ይፈልጥውን ነበረ ፣፣ ብተወሳኺ ( 2ይ ዜና 21፦ 8-20 ) ፣ 2ይ ዜና 2፦11 ፣ ማቴ 17፦3)
          6. መላእኽትን ኣማላድነትን

እወ ቅድሚዚ ክምለስ ዘለዎ ሕቶ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣማላዲዶ ተማላዲ ዝብል ኮይኑ ብዛዕባዚ ግና ኣብታ ናይ ሣልሳይ ዓመት መጽሔትና መሊስናዮ ስለ ዝኾንና ናብ ናይ ቅዱሳን ኣማላድነት ክንሰግር እሞ ብመላእኽቲ ክንጅምር ፣ናይ መላእኽቲ ስራሕ ካብ እግዚኣብሔር መልእኽቲ ተቐቢልካ ናብ ሰባት ምብጻሕ ጥራይ እዩ እምበር ኣየማልዱን እዮም ዝብሉ ተቓወምቲ ወገናት ኣለዉ ፣፣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ለላዕላዩ እምንበር ብዕምቆት ተረዲእካ ዘይምፍላጥ ንዓቢይ ጌጋ ከም ዘቃልዕ ክንርዳእ ኣልና፣፣ ብዛዕባዚ ቅዱስ ጳውሎስ ከረጋግጸልና ከሎ “ ኦ ጢሞቴዎስ ! ነቲ ብኅድሪ ዝተዋህበካ ሓልዎ፣፣ ካብቲ ብሓሶት “ፍልጠት “ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዓለማዊ ከንቱ ክትዕን ዚጋጮ ሓሳባትን ረሓቕ” 1ጢሞ 6፣20 ኢሉ ኣሎ፣፣
ቅዱሳን ከም ዘማልዱ ኣብ ላዕሊ ርኢና ኢና ፣ ቅዱሳን ክንብል ከሎና ድማ ፣ ጻድቃን ፣ ሰማዕታት ፣ መላእኽቲ ከምኡ ውን እቶም ብእግዚኣብሔር ዝተኅርዩ ኩሎም ማለትዩ፣፣ እግዚኣብሔር ዝቀደሶ ማንም ከርክሶ ኣይክእልን እዩ መጽሓፍ ቅዱስ እምበኣር መላእኽቲ ከማልዱ ዝኽእሉ ምኻኖም ብግልጺ መስኪሩልና እዩ፣፣ ንኣብነትኣብ ብሉይ ኪዳን ኣብ ትንቢት ዘካርያስ ከም ዘሎ ብናይቲ መልኣኽ ኣማላድነት እግዚኣብሔር ንብዙኅ ዓመታት ዝተቖጦዖም ሕዝብታት ብምሕረት ገጹ ከምዝመለሰሎም ንርዳእ ፣፣ ዘካ 1፦ 12-16 ‘’ ተወሳኺ ዘፀ 23፦ 20-23,መዝ 33፦7 ‘’፣፣
ናብ ሓዲሽ ኪዳን ምስ እንምለስ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ኣብ ወንጌል ሉቃስ 1፦17 “ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዝቐውም ገብርኤል መልኣኽ እየ ‘’ ብምባል በዓል ሥልጣን ( ኣማላዲ ) ኣማላዲ ምኻኑ ገሊጹ ይርከብ ፣፣ ሓደ ሓደ ወገናት ነዚ ከም ዝደለይዎ ገይሮም ክትርጉምዎ እንተመረጹ እኳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ምቛም ማለት ምምላድ ማለት ከም ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና ፣፣ ነዚ መረዳእታ ዝኾነና’ውን ዘፀ 32፦32 ሙሴ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ምሕረት ከም ዘውረደ የረድኣና ፣፣ ስለዚ ቅዱስ ገብርኤል ኮነ ካልኦት መላእኽቲ የማልዱና እዮም ማለት’ዩ ፣፣ ክብርን ምስጋናን ንዕኡ ይኹኖ ፣ እምበር ነዚ ዝቃወሙ ወገናት፣ ቅዱሳን ድሕሪ ሞቶም ኣየማልዱን እዮም ክብሉ ከለዉ ንመላእኽቲ እንታይ ክብልዎም እዮም ! ምኽንያቱ መላእክቲ ኣይሞቱን እዮም፣፣
ብተወሳኺ’ውን መላእኽቲ
  • ናይ ሰባት ጸሎት ፣ ምጽዋትን መሥዋዕትን ናብ እግዚኣብሔር የቅርቡ ፣ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረትን ለውሃትን ናብ ሰባት የብጽሑ ( ዳን 9፣20-22 ሉቃ 1፦13 , ግ.ሓ.10፦3-5 )፣፣
  • ንነፍሲ ወከፍ ፍጥረት ወትሩ ይሕልውዎም ( ማቴ 18፦10 ,ዳን 4፦13)
  • ብሥራት ምንጋር ፣ ምጽንናዕ ፣ ካብ እግዚኣብሔር ዝተዋህቦም ስራሕ እዩ፣፣ ( ዘፍ 48፦16,ዳን 10፣10-12 ,ሉቃ 1፦13 .ሉቃ 1፦28,ይሁዳ 1፦9)፣፣
  • ንስሓ ንዝኣትዉ ሰባት ክዕዘቡ ከለዉ ይሕጎሱ ( ሉቃ 15፦10)
እስከ ነዞም ዝስዕቡ ጥቕስታት ብልቢ ንመልከቶም “ ዘፍ 48፦16 “ , “ መዝ 33፦7” , “ዳን 12፦1 “ እምበኣር ቅዱሳን ኣብ ብሉይ ኪዳን ኮነ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ብሥጋ ድሕሪ ምማቶም ከም ዘማልዱ ፦ ቅዱሳን ዋላኳ ብሥጋ እንተሞቱ ፍጹም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሕያዋን ከም ዝኾኑን ኣማላድነቶም ውን ዝበለጸ ከም ዝኾነ ጎይታና ምሂሩና እዩ ( ማር 12፦16፣ ሉቃ 20፣37- 40)
ጎይታናን መድኅኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሥጋዊ ዘመኑ ኣብ ልዕሊ መስቀል ብዝፈሰሰ ደሙ ንዓና እግዚኣብሔር ከምዘተዓረቐና እቲ ሓደ ጊዜ ዝተፈጸመ ናይ ምትዕራቕ ( ምምላድ ) ተግባር ውን ንዘለዓለም ከም ዝጥቕመናን እምበር ሕጂ ውን ክርስቶስ ብባህሪኡ ኣማላዲ ከምዘይኮነ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና፣፣


          7. መደምደምታ

      ኩሉ ጊዜ ንኽርክር ኢሎም ዝመሰሎም ጥቕሲ እናምጽኡ ብኃይሊ ተቐበሉና ዝብሉ ሰባት ኣይተሳእኑን ፣፣ ጥበቦም እውን ኩሉ ጊዜ ይለዋወጦም ፣፣ ብዛዕባ ኣማልድነት ክለዓል ከሎ ፣ መጀመርታ ኣማላዲና ክርስቶስ እዩ ይብሉ ፣ ክርስቶስ ኣማላዲ ከምዘይኮነ ቅዱሳን ከኣ ከም ዘማልዱና ካብ ብሉይ ኪዳን ብጥቕሲ ክቐርበሎም ከሎ ሓሳቦም ብምቕያር “እዚ ደኣ ብሉይ ኪዳን እንድዩ “ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ዘማልደና ግን ክርስቶስ እዩ ይብሉ ፣፣ ከም ብሓድሽ ውን ካብ ሓዲሽ ኪዳን ምስክር ክቐርበሎም ከሎ ብጥበብ ሓሳቦም ብምቕያር፣ ቅዱሳን እሞ ብሕይወቶም ከለዉ ከማልዱ ይኽእሉ እዮም ንሕና ውን እኮ ከነማልድ ንኽእል ኢና ፣ ድሕሪ ምማቶም ግን ኣየማልዱን እዮም ብምባል ይዛረቡ ፣፣ ንዕኦም  ግን፣ ቅዱሳን ዝሞቱ እንተመሲሎም እኳ ንእግዚኣብሔር ሕያዋን እዮም ፣፣ ስለዚ እቲ ኣብ መጀመርታ ዝተዛረብዎን፣ እቲ ዳሕራይ ዝብልዎን ሓሳባት ብፍጹም ኣይራኸብን እዩ ፣፣ ኩሉ ጊዜ ግና ንክርስትያን ንምግጋይ ይጽዕሩ ፣፣ እወ ንምድንጋር ገለ ገለ ሕቶታት ያኢ ረኺብና ኢሎም ዝሓትዎ ንኣብነት ዝኣክል “ ሕራይ እስከ ድንግል ማርያም ተማልድ እያ ዝብል ቃል ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርእየና ኣበይ ኣሎ “ ኢሎም ይሓቱ ፣ እንተኾነ ግን ከምዚ ዓይነት ሕቶ ክቐርቡልና ከለዉ ንሕናውን “ ኣይተማልድን እያ ዝብልከ ኣበይ ኣሎ ‘’ ምባል ንኽእል ኢና ፣፣ ነገር ግን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኮነት መላእኽቲ ፣ ጻድቃን ኮኑ ሰማዕታት ኩሎም ቅዱሳን እዮም ፣፣ ካብዚ ዝተበገሰ ድማ ንዓና ኢሎም ከማልዱ ከለዉ ካብ ጸጋ እግዚኣብሔር ዝተበገሰ ንናፍቖም (2ይ ቆሮ 9፦13-14 ) ፣፣ ዝመሃረናን ዝገሰፀናን ጐይታ ይኽበር ይመስገን፣፣
 
ናይ እግዚኣብሔር ረድኤት ናይ ቅዱሳን ኣማልድነት ኣይፈለየና ኣሜን፣፣

***********************************************************************************
 

                                        ምሥጢረ ሥላሴ 

 ኣብ ሓቅነት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣብ ልዕሊ መሰረተ እምነት ጥንታዊት ቤተክርስቲያን ብዙሓት ሰባት በብጊዜኡ ተንሲኦም ናይ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣባሃህላ ብምጥቃስ ክትዕ የልዕሉ ከም ዝነበሩን ሕጂ`ውን ከም ዘለውን ዝፍለጥ`ዩ። ስለዚ ንዝቐርቡልና ሕቶታት ኲሎም ዝግባእ ምላሽ ምሃብ ግቡእና`ዩ Õጴጥ ፫፣፲፭። ነዚ ንኽንገብር ከኣ ነቲ መሰረታዊ ዝኾነ ናይ ቤተክርስቲያንና ትምህርትን እምነትን ክንፈልጥ ኣሎና። ናይ ቤተ ክርስቲያንና መሰረታዊ ትምህርቲ ወይ ከኣ ዓንዲ ናይ ሃይማኖትና እዘን ሓሙሽተ ኣዕማደ ምሥጢር`የን። እዚኣተን ከኣ፣-

ምሥጢረ ሥላሴ፣ ምሥጢረ ሥጋዌ፣ ምሥጢረ ጥምቀት፣ ምሥጢረ ቁርባንን ምሥጢረ ትንሳኤ ሙታንን እየን።

  • ምሥጢረ ሥላሴ

ምሥጢረ ሥላሴ ማለት ናይ እግዚኣብሔር ሓድነትን ሠለስትነትን ዝገልጽ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ`ዩ።
ሥላሴ ቃሉ ናይ ግእዝ ክኸውን ከሎ ሠለሰ ካብ ዝብል ግሲ ዝወጸ`ዩ። እግዚብሔር ኣምላኽ ሓደ ክኸውን ከሎ ሠለስተ`ዩ ሠለስተ ክኸውን ከሎ ድማ ሓደ`ዩ (እንዘ ኣሐዱ ሠለስቱ ወእንዘ ሠለስቱ አሐዱ ይሤለሱ በኣካላት ወይትወሐዱ በመለኮት ከምዝበሉ ሠለስቱ ምእት)። እዚ ማለት ድማ ሠለስትነቱ ብስም፣ ብኣካል፣ ብግብሪ ክኸውን ከሎ ሓድነቱ ከኣ ብባህርይ፣ ብህልውና፣ ብፍቓድ፣ ብስልጣን፣ ብመለኮት፣ ብምፍጣር ወዘተ እዩ፣ ነዚ ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝስዕብ የረድኣና። ዘፍ Õ፣ß፮ <ኣምላኽ ድማ ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንግበር በለ> ኢሉ ናይ እግዚኣብሔር ሓድነት ክገልጽ ከሎ ብመልክዕናን ከም ምስልናን ሰብ ንፍጠር ብምባል ሠለስትነቱ የረድኣና። ምኽንያቱ ብመልክዐይ ብምስለይ እንተዝብል ኔሩ ሓደ ኣካል ጥራይ`ዩ ምበልና። ሓደ ሓደ ኣንጻር ሥላሴ ዘለዉ ሰባት ነዚ ኣባሃህላ ብኻልእ ዝትርጉምዎ ኣለው ነዚ ቃል ኣባሃህልኡ ብዝሒ ዘመልክት ዘይኮነስ እግዚኣብሔር ከም ናይ ነገስታት ልምዲ ንባዕሉ ከኽብር ኢሉ ብብዙሕ ዓንቀጽ ገሊጽዎ እምበር ሠለስትነት ኣየመልክትን`ዩ ይብሉ። እዚ ግና ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣበሃህላ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና፣ ከመይሲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጠቕሱ ነገሥትት ንነብሶም ንሕና እንዳበሉ ወይ ከኣ ብብዝሒ ኣንቀጽ ሰዪምም ኣይዛርቡን`ዮም። ንኣብነት።-
ፈርኦን ንዮሴፍ<<ኣብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ሸይመካ ኣለኹ>>በሎ እምበር ሾይምናካ ኣይበሎን ዘፍ ፵፳፥፵፳።
ናቡከደንጾር <<ስለዚ ንኹላቶም ጠቢባን ባቢሎን ትርጓሜ ናቲ ሕልሚ ከፍልጡኒ ኣብ ቅድመይ ከምጽኦም ኣዘዝኩ>> በለ እምበር ከፍሉጡና ኣብ ቅድሜና ኣይበለን ዳን ፬፥፮። ዘፍ፫፥፭፪ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ <<እንሆ ኣዳም ከም ሓደ ካባና ጽቡቕን ክፉእን ዝፈልጥ ኮይኑ ኣሎ>> በለ ከምኡ’ውን ዘፍ ፲፥፯ <<ንዑ ንውረድ ኣብኡ ከኣ ዘረባኦም ንደባልቕ በለ ይብል። እዚ ቃል እዚ ሓደ ኣካል ተዛራቢ ክልተ ሰማዕቲ ከምዘለው የርድኣና ነዚ ኣበሃህላ’ውን ጸረ ስላሴ ዝኾኑ ወገናት ብኻልእ መዳይ ክትርጉምዎ ይረኣዩ’ዮም። ብናቶም ኣበሃህላ ዝዛረብ ዘሎ እግዚኣብሔር ክኸውን ከሎ እቶም ሰማዕቲ ኸኣ መላእቲ’ዮም ይብሉ እዚ ኣበሃህላ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ጌጋ ምዃኑ የረደኣና’ዩ ከመይሲ እግዚኣብሔር ብባህርይኡ ድኹም ስለ ዘይኮነን (ድኻም ስለዘይብሉን) ብመሰረቱ ከኣ ሓገዝ ዝደሊ ፍጡር እምበር ፈጣሪ ስለዘይኮነ’ዩ።ንከሃሊነቱ ደረት ዘይብሉ እግዚኣብሄር ንቅዱሳን መላእኽቱ ኪዱ ከምዚ ግበሩ ኢሉ ይእዝዝ እምበር ንዑናይ ከምዚ ንግበር ኣይብልን’ዩ ከምኡ’ውን ንእግዚኣብሔር መማኽርቲ ከምዘይብሉ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነግረና ኢሳ ፵፥፲፪-፲፬ ሮም ፲፳፥፴፫-፴፮።
እግዚኣብሔር ንኣብርሃም ብሠለስተ ኣካል ከምዝተገልጸሉ ኣብርሃም ኣብ ኣፍደገ ድንኳኑ ተቐሚጡ ከሉ እግዚኣብሔር ኣብ ድዋታት መምሬ ተገሊጹ ኣዕይንቱ ቋሓ ኣበለ እሞ እንሆ ሠለሰተ ሰብኣይ ኣበ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ረኣየ።ምስ ረኣዮም ድማ ካብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ክቕበሎም ጎየየ ናብ ምድሪ ኸኣ ሰገደ በለ ድማ << ጎይታይ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተዳኣ ረኺበስ በጃኻ ንባርያካኻ ኣይትሕለፈኒ ኣእጋርኩም ክትሕጸቡ ሒደት ማይ ይምጽኣልኩ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ድማ ዕረፉ ብባርያኹም ኣቢልኩም ካብ እትሓልፉስ ልብኹም ክትድግፉስ ቁራስ እንጌራ ከምጽኣልኩም ድሕሪ’ቲ ትሓልፉ በለ።ንሳቶም ከኣ ከምቲ ዝበልካዮ ከምኡ ግበር በልዎ>> ዘፍ ፲፰፣፲፭
እግዚኣብሔር ንኣብርሃም ክግለጸሉ ከሎ ሠለስተ ሰብኣይ መሲሉ ከም ዝተራእዮ መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጹዎ ኣሎ ኣብርሃም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክዛረብ ከሎ እግዚኣብሔር ብሓድነቱን ሠለስትነቱን ከም ዝተገልጸሉ ካብ ኣዘራርብኡ ክንርዳእ ንኽእል።
ኢሳ ፮፥፫ << ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚኣብሔር >>እዚ ሠለስተ ሳዕ ዝተጠቅሰ <<ቅዱስ>> ዝብል ቃል ቅድስና ናይ ባህርይኦም ዝኾነ ሥላሴ ኣብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ካብ መላእኽቲ ዝቐረበ ምዃኑ ነስተብህል ኣብ ሓደ ዓንቀጽ ሓደ ቃል ሠለስተ ሳዕ እምበር ኣርባዕተ ሳዕ ዘይምዃኑ’ውን ነስተብህለሉ) እዚ’ውን ራዕ ፬፥፰ የብርሃልና’ዩ።
ናይ እግዚኣብሔር ሓድነት
እግዚኣብሔር ብባህርይ፤ ብህልውና፤ ብኣገዛዝኣ፤ ብስልጣን፤ ብመለኮት፤ ነዛ ዓለም ብምፍጣርን ብምሕላፍን ነዚኦም ዝኣመሰሉ ነገራት ኩሉ ሓደ’ዩ።
ብምፍጣር፦ ዘፍÕ።Õ<እግዚኣብሔር ብመጀመሪያ ሰማይን ምድርን ፈጠረ> እምበር ፈጢሮም ኣይበለን (ኢሳ ã፮፣፪)
ብሥልጣን፣ ብፍቓድ፣- <ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና> ዮሐ ፲፣à።
ብህልውና፣- <ኣነ ኣብ ኣቦ ከምዘለኹ ኣቦ`ውን ኣባይ ከምዘሎ እመኑ> ዮሐ ፲፬፣፲፣ ዮሐ ፲፣à፯-à፰። <ቃል ብመጀመርታ ነበረ እቲ ቃል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ እቲ ቃል`ውን ኣምላኽ ነበረ እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ።>ዮሐ Õ፣Õ-፪።
ብመለኮት፣- <ኦ እስራኤል ስማዕ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሔር`ዩ።> ዘዳ ፮፣፬፣ ኢሳ áÕ፣፮፣ ማር ፲፪፣ ß፱።
ናይ እግዚኣብሔር ሠለስትነት
እግዚኣብሔር ብስም፣ ብኣካል፣ ብግብሪ ሠለስተ`ዩ።
ናይ ስም ሠለስትነት፣- ብስም ሠለስትነቱ ኣብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ይብሃሉ (ማቴ 28፣19)። <ኣብ> ናይ እግዚኣብሔር ኣብ ካብ ዘለዓለም ክሳብ ዘለዓለም ናይ ህላዌ ወይ ናይ ምንባር ስሙ`ዩ፣ ስለዚ ኣብ እምበር ወልድ ወይ`ውን መንፈስ ቅዱስ በዚ ስም`ዚ ኣይጽውዑን`ዩም። <ወልድ> ከኣ ናይ እግዚኣብሔር ወልድ ካብ ዘለዓለም ክሳብ ዘለዓለም ናይ ህላዌ ወይ ምንባር ስሙ`ዩ ስለዝኾነ`ውን በዝ ስም`ዚ ወልድ እምበር ኣብ ወይ መንፈስ ቅዱስ ኣይጽውዑሉን`ዮም። <መንፈስ ቅዱስ> ናይ እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ ካብ ዘለዓለም ክሳብ ዘለዓለም ናይ ህላዌ ወይ ከኣ ናይ ምንባር ስሙ`ዩ ስልዚ`ውን በዚ ስም`ዚ ባዕሉ መንፍስ ቅዱስ እምበር ወልድ ወይ`ውን ኣብ ኣይጽውዑሉን`ዮም።
ናይ ግብሪ ሠለስትነት፣- እዚ ግብሪ`ዚ ከኣ ኣብ ወላዲ ወልድ ተወላዲ መንፈስ ቅዱስ ሰራጺ ማለት`ዩ። ናይ ኣብ ግብሩ ንወልድ ይወልድ ንመንፈስ ቅዱስ የስርጽ እምበር ኣይውለድን ኣይሠርፅን። ናይ ወልድ ግብሩ ከኣ ካብ ኣብ ይውለድ እምበር ኣይወልድን፣ ናይ መንፈስ ቅዱስ ግብሩ ከኣ ካብ ኣብ ይሰርጽ እምበር ኣይውለድን፣ ኣይወልድን፣ ኣየሥርፅን። መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣብ ሰሪጹ ክበሃል ከሎ ንኣብ ኣኺሉ መሲሉ ካብ ኣብ ብዘይ ምቅድዳም ተረኺቡ ማለት`ዩ። <እቲ ኣነ ካብ ኣቦ ዝሰደልኩም መጸናንዒ ካብ ኣቦ ዝወጽእ መንፍስ ሓቂ ምስ መጸ ግና ንሱ ክምስክረለይ`ዩ> ዮሐ ፲፭፣ß፮።
ናይ ኣካል ሠለስትነት፣- እዚ ማለት ንኣብ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ፍጹም ገጽ ፍጹም ኣካል ፍጹም መልክዕ ኣልዎ፣ ንወልድ`ውን ፍጹም ገጽ ፍጹም ኣካል ፍጹም መልክዕ ኣለዎ ንመንፈስ ቅዱስ`ውን ፍጹም ገጽ ፍጹም ኣካል ፍጹም መልክዕ ኣለዎ። <ነኣምን ከመ ቦሙ ለሥላሴ መልክዓት ጽዱቃት ዘውእቶን ኣዕይንት ወኣእዛን ኣእዳው ወኣእጋር ወኲሎንኬ እለተርፋ ኣባለት> ሠለስቱ ምእት <እስመ ኣዕይንቲሁ ለእግዚብሔር ኅበ ጻድቃኑ ወዕዝኑሂ ኅበ ስእለቶሙ> <ኣዒንቲ እግዚብሔር ናብ ጻድቃን ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም`የን> መዝ 34፣15። ኣካል ማለት ካብ ጸጉሪ ርእሲ ክሳብ ጽፍሪ እግሪ ዘሎ ማለት`ዩ። ገጽ ማለት ከኣ ዓይኒ ኣፍንጫ ወዘተ ዝሓዘ ክፋል ኣካል`ዩ፣ መልክዕ ማለት ድማ ንገጽ ሓዊሱ ናይ ሰውነትና ቅርጺ(ኩነት) ዘጠቓልል`ዩ። ናይ ሥላሴ ኣካሎም ግና ከም ኣካል ሰብ ውሱን ግዙፍ ጸቢብ ኣይኮነን። ናይ ሥላሴ ኣካሎም ምሉእ፣ ሰፊሕ፣ ረቂቅ`ዩ። እዚ ናይ ኣካል ሠለስትነት ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ፍጹም ብሩህ ኮይኑ ንረኽቦ። እዚ ድማ ሰማያዊ ምሥጢር ኣብ ፈልግ ዮርዳኖስ ምስተጋህደ (ምስተገልጸ`ዩ) ኢየሱስ ምስ ተጠምቀ ብኡ ብኡ ካብ ማይ ወጸ እንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፍቱ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብ ርእሱ ክዓልብ ተራኣየ እንሆ ድማ ብኡኡ ዝሠመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ`ዩ ዝብል ድምጺ ካብ ሰማይ መጸ> ማቴ 3።16-17። እዚ ማለት ከኣ ወልድ ብዝተፈለየ ኣካሉ ብኢድ ዮሓንስ ተጠምቀ፣ መንፈስ ቅዱስ ድማ ብዝተፈላለየ (ፍሉይ) ኣካሉ ብኣምሳል ርግቢ ተራኣየ፣ ከምኡ`ውን ኣብ ብፍሉይ ኣካሉ ኣብ ውሽጢ ደመና ኮይኑ ወደይ ኢሉ ምስክርነት ብምሃብ ሠለስቲኦም ኣካላት ብሓንሳብ(ኣብ ሓደ እዋን) ተራእዮም። ካብዚ ብምብጋስ`ውን <ሓደ ገጽ> በሃልቲ ሰባልዮሳውያን(መናፍቃን) ትምህርቶም መጽሓፍ ቅዱሳዊ ከምዘይኮነ ንርዳእ።
ናይ ሠለስትነት ኣብነት
ናይ ሥላሴ ሓድነትን ሠለስትነትን ብሓዊ፣ ብፀሓይ፣ ብማይ፣ ብባሕሪ፣ ብነፍሲ ሰብ ይምሰል። እዚ ማለት ግን ሰብ ብዝርድኦ መጠን ንምግላጽ ደኣ እምበር ካብ ዝኾነ ፍጥረት ንሥላሴ ዝኸውን እኹል(ብቑዕ) ምሳሌ ኣይርከብን፣ ኩሉ ምሳሌ ህፁፅ ምዃኑ ምግንዛብ ይግበኣና። <ወኣልቦ ዘይከውን ከማነ እስመ መልዕልተ ኲሉ ንሕነ…………..ወኣልቦ ዘይትማሰለነ እስመ መልዕልተ ኣምሳል ንሕነ>ይብል (ቀሌምንጦስ)
1. ሓዊ፣- ናይ ሓዊ ሠለስትነት ኣካሉ፣ ዋዕዩ፣ ብርሃኑ`ዮም። እዚ ከኣ ብኣካሉ ኣብ ብብርሃኑ ወልድ ብዋዕዩ ድማ መንፈስ ቅዱስ ይምሰሉ። <ኣቡየ እሳት ወኣነ ብርሃን ወመንፈስ ቅዱስ ዋዕይ>ይብል (ቀሌምንጦስ) ከምኡ`ውን ኣብ እሳት(ሓዊ) ወልድ እሳት(ሓዊ) ወመንፈስ ቅዱስ እሳት(ሓዊ) Õዱ ውእቱ እሳተ ሕይወት ዘእምኣርያም (ኣባ ሕርያቆስ ቅዳ.ማር.) ሓዊ ሠለስተ ነገራት ይሃልዎ እምበር ሓደ እዩ ዝበሃል እምበር ሠለስተ ሓዊ(እሳት) ከምዘይበሃል ከነስተውዕል ይግበኣና።
2. ፀሓይ፣- ናይ ፀሓይ ሠለስትነት ክበቡ ብርሃኑ ሙቀቱ(ዋዕዩ) እዩ። በዚ መሠረት ከኣ ብክበቡ ኣብ ብብርሃኑ ወልድ ብሙቀቱ(ዋዕዩ) መንፈስ ቅዱስ ይምሰሉ። <ኣቡየ ፀሓይ ወኣነ ብርሃኑ ወመንፈስ ቅዱስ ዋዕዩ>……….<ወውስተ ፀሓይ ሤመ ጽላሎቶ (መዝ18) <ኣብ ፀሓይ ወልድ ፀሐይ መንፈስ ቅዱስ ፀሐይ 1ዱ ውእቱ ጸሐየ ጽድቅ ዘላዕለ ኩሉ> (ይብል ቀሌምንጦስ) (ሕርያ.ቅዳ.ማር.)።
ኣብዚ`ውን ፀሓይ ብሠለስተ ነገራት ትግለጽ እንተኾነ ግና ሓደ ጸሓይ እምበር ሠለስተ ጸሓይ ከምዘይንብል ከነስተውዕል ይግበኣና። በዚ ኣብነት`ውን ዋላ`ኳ ኣብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ብስም ብኣካል ብግብሪ ሠለስተ እንተኾኑ ሓደ ኣምላኽ እምበር ሠለስተ ኣማልክት ከምዘይንብል ክንግንዘብ ንኽእል።
3. ነፍሲ ሰብ፣- ሰብ ብነፍሲ ናይ ባህርይ ሠለስትነት ኣለዎ። እዚአን ሠለስተ ባህርያት (ጠባያት) ከኣ ልብነት (ለባዊ) ቃልነት(ነባቢ) እስትንፋስ ወይ ሕያውነት(ሕያው) እየን። ከምኡ`ውን ኣብ ብልቢ ወልድ ብቓል መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብእስትንፋስ ይምሰሉ። ካብዚ ከነስተብህሎ ዝግባእ ነገር ሰብ ብነፍሱ ሠለስተ ባህርያት ይሃልዎ እምበር 1 ነፍስ እምበር 3 ነፍስ ኣለዎ ተባሂሉ ከምዘይንገር ኣብ ቅድስት ሥላሴ`ውን ብኣካል ብግብሪ ብስም ሠለስተ እንተኾነ`ውን ሓደ ኣምላኽ ኢልና ኢና እንኣምን። <ሣህሉ ለእግዚኣብሔር መልኣ ምድረ ወበቃለ እግዚብሔር ጸንዓ ሰማያት ወእምእስትንፋስ ኣፉሁ ኲሉ ኃይሎሙ> መዝ 33፣6።
ደጊምና ክንርድኦ ዝግበኣና ነገር ኣብ ልብ ወልድ ቃል መንፈስ ቅዱስ እስትንፋስ እንተተባህሉ`ውን ንኣብ ዝተፈልየ ቃልን እስትንፋስን ንወልድ ከኣ ዝተፈልየ ልብን እስትንፋስን ንመንፈስ ቅዱስ ድማ ዝተፈልየ ልብን ቃልን ኣለዎም ማለት ኣይኮነን። ኣብ ነሓድሕዶም ህልዋን`ዮም። ኣብ ብልቦናነት ኣብ ወልድን ኣብ መንፈስ ቅዱስን ህልው`ዩ። ወልድ ብቃልነት ኣብ ኣብን ኣብ መንፈስ ቅዱስን ህልው`ዩ። ከምኡ`ውን መንፈስ ቅዱስ ብህይወትነቱ(ብእስትንፋስነቱ) ኣብ ኣብን ኣብ ወልድን ህልው`ዩ።
ስለዚ ኣብ ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን ልቦም`ዩ። ወልድ ድማ ንኣብን ንመንፈስ ቅዱስን ቃሎም`ዩ ከምኡ`ውን መንፈስ ቅዱስ ንኣብን ንወልድን ሕይወቶም (እስትንፋሶም`ዩ) እዩ። በዚ መሠረት ብኣብ ለባውያን ብወልድ ነባብያን ብመንፈስ ቅዱስ ሕያዋን ይበሃሉ።
<ኣብኒ ልቦናሆሙ ለወልድ ወለመንፈስ ቅዱስኒ ሕይወቶሙ ለኣብ ወለወልድ>ይብል )ኣቡሊዲስ ዘሮሜ) ብምዃኖም`ውን ከም ሓደ ልቢ ሓሳቢ ከም ሓደ ቃል ተዛራቢ ከም ሓደ እስትንፋስ ህያዋን ኮይኖም ይሓስቡን ይናገሩን ይነብሩን ይፍጽሙን ደኣ እምበር ኣብ ማእከሎም ምፍልላይ የብሎምን።
ሠለስትነቱን ሓድነቱን ዘብርሁ ተወሰኽቲ ጥቕስታት
v ሥሉስ ቃል ምስጋን፣- <ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ኲላ ምድሪ ብክብሩ መሊኣ ኣላ> ኢሳ 6፣3 ራዕ 4፣8
v ብስም ሥሉስ ቅዱስ ዝወሃብ በረኸት፣- <እግዚኣብሔር ይባርኽኻን ይሓሉኻን እግዚኣብሔር ገጹ የብርሃልካ ጸጋ ኸኣ ይሃብካ እግዚብሔር ገጹ ይመልሰልካ ሰላም ድማ ይሃብካ> ዘኁ 6፣23-24 <ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ኅብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኲላትኩም ይኹን ኣሜን> 2ቆሮ 13፣13።
ሓይልን ምድሓንን እግዚኣብሔር፣- <የማነይቲ ኢድ እግዚኣብሔር ሓይሊ ትገብር የማነይቲ ኢድ እግዚብሔር ልዕል ትበል የማነይቲ ኢድ እግዚኣብሔር ሓይሊ ትገብር ኣላ> መዝ 118፣16። ጐይታ ንሓዋርያቱ ዝሃቦም ትእዛዝ <ስለዚ ኪዱ ንዂሎም ኣሕዛብ ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጥመቕኩም ዝኣዘዝኩኹም ኲሉ ክሕልው ኸኣ እናመሃርኩም ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም> ማቴ 28፣19።
መጠቓለሊ
1. ኣብ ንወልድ ስለ ዝወለደን ንመንፈስ ቅዱስ ስለ ዘስረፀን ኣይበልጾምን ኣይቅድሞምን`ዩ። ኣብ ሥላሴ ምቅድዳም ምብልላጽ ዝበሃል ነገር የልቦን።
2. ሥላሴ ብስም፣ ብኣካል፣ ብግብሪ ሠለስተ ክኾኑ ከለው ብሥልጣን፣ ብመለኮት፣ ብህልውና፣ ብኣገዛዝኣ፣ ብፍቓድ፣ ብባህርይ ግን ሓደ`ዮም።
3. መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣብ እምበር ካብ ወልድ ኣይሰርፅን`ዩ።

4. ኣብ ኣምላኽ፣ ወልድ ኣምላኽ፣ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ እንተተባሃለ`ውን ሓደ ኣምላኽ እምበር ሠለስተ ኣማልክት ኣይበሃሉን`ዮም። 

************************************************************************************

                                           ምሥጥረ ሥጋዌ
ምሥጢረ ሥጋዌ ማለት ካብ ሠለስተ ኣካላት(ሥላሴ) ወልደ እግዚኣብሔር ብፍሉይ ኣካሉ ሥጋ ዝለበሰሉን ሰብ ዝኾነሉን ምሥጢር`ዩ።
እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንኣዳምን ንሔዋንን ካብ ኣርባዕተ ባሕርያት ሥጋ ሓሙሻይ ባሕርየ ነፍስ ኣዋሃሂዱ ንኣዳም ናይ ፴(30) ዓመት ጎበዝ ንሔዋን ከኣ ናይ ፲፭(15) ዓመት ጎርዞ ጌሩ ኣኽቢሩ ፈጠሮም። ብጀካ ዕፀ በለስ ኩሉ ብልዑ ግዝኡ ኢሉ ክብሩ ክወርሱ ንስሙ ክቕድሱ ፈቐደሎም ዘፍ.2፣16። እዚ ኸኣ ናቱ ኣምላኽነት ናታቶም ፍጡርነት ናቱ ገዛኢነት ናታቶም ተገዛኢነት ንኽፈልጡን ሥርዓት ንምግባርን ትእዛዝ ንኸቐውምን እምበር ዕፀ በለስ ዝኸልኦም በቒቑሎም ኣይኮነን። ብኡኡ`ውን ኣቢሉ ሥርዓተ ጾም ንምምሃር ነበረ። ንሳቶም ግና ነዚ ትእዛዝ ኣፍሪሶም ሞተ ሥጋ ሞተ ነፍስ ተፈርዶም ሮሜ.5፣11። ናብዛ ዘለናያ መሬት`ውን (ምድረ-ፋይድ) ተሰዱ ዘፍ.3፣1-23። እግዚኣብሔር ርህሩህ፣ መፍቀሪ ሰብ፣ መሓሪ ብምዃኑ ኣዳምን ሔዋንን ብዝገበርዎ ኣዝዮም ስለ ዝተጣዕሱ ንስሓኦም ተቐቢሉ ብኽያቶም ሰሚዑ “ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲን ፈረቓን ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድሕነካ`ዬ” ዝብል ቃል ተስፋ ሃቦ (መጽሓፈ ቀሌምንጦስ ገጽ 13)፣ መዝ.89፣1,1ጴጥ.3፣8, ገላ.4፣5። ነቶም ወረስቲ ተስፍኡ`ውን ብመሓላ ኣጽንዓሎም ዕብ.6፣17።
እቲ ዝተጠቕሰ 5 ሺሕን 500 ዘመን ምስ ተፈጸመ ዝተዛረቦ ዘይርስዕ ዝሃቦ ተስፋ ዘይጠልም(ዘይከልእ) ጐይታ ከምቲ ሱባኤ ዝተቖጽረሉ ትንቢት ዝተነግረሉ ካብ ኣዴና እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ተዋሒዱ ብዘመነ ዮሓንስ መጋቢት 29 ብሳልሳይ ሰዓት ብዕለተ ሰንበት(እሁድ) ብኅቱም ድንግልና ተፀኒሱ። ድሕሪ 9 ወርሒን ሓሙሽተ መዓልትን ብዘመነ ማቴዎስ ታኅሣሥ 29 ብዕለተ ሠሉስ ፍርቂ ለይቲ ብኅቱም ድንግልና ተወልደ።
ኣምላኽ ንምንታይ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ሕማምን ሞትን ተቐበለ?
ልዑለ ባሕርይ እግዚኣብሔር ኩሉ ዝከኣሎ ኣምላኽ እንከሎ ንምንታይ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ብዘይካ ኃጢኣት ሰብ ዝፍጽሞ ዘበለ እንዳፈጸመ ንሕማምን ሞትን ተቐቢሉ ንሰብ ከድሕን መሪጹ እንተበልና እዚኦም ዝስዕቡ መረድኢታት ካብ ብዙሕ ብውሕዱ ክንረክብ ንኽእል።
  1. ብኣርኣያኡን መልክዑን ዝፈጠሮ ሰብ ምስ ተጋገየን ምስ ተጠዓሰን ናይ ኃጢኣት ግዙእ ኮይኑ ክነብር ኣይሓደጎን እንታይ ደኣ ካብ ኃጢኣትን መርገምን ኩነኔን ዝድሕነሉ ተስፋ ሂብዎ ስለ ዝነበረ ንኽፍጽሞ`ዩ ዘፍ.3፣15, ዘፍ.3፣22, ቀሌ.ገጽ 13።
  2. እግዚኣብሔር ዝሰርሖ ኩሉ ብመደብን ብሥነ ሥርዓትን ስለ ዝኾነ`ዩ 1ቆሮ.14፣33-40።
  3. ዝበደለ ሰብ በጃ ኮይኑ ከንጽህ ስለ ዘይክእል ንሱ ባዕሉ ነዚ መደብ ብንጽህናን ብቅድስናን ካብ ዝተሓለወት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ፍጹም ሰብ ኮይኑ ንኽውለድ ምእንታና ክሒሱ ንኸዓርቀናን ንኽዕረቐናን ግድን ኮነ። “ሕጊ ብሥጋ ስለ ዝደኸመ ኪገብሮ ዘይከአለ አምላኽ ንወዱ ብምስሊ ሓጢአተኛ ሥጋን ከም መሥዋእቲ ኃጢአትን ልኢኹ ነቲ ኃጢአት ብሥጋ ኾነኖ ፣፣ ” ከም ዝበለ ሮሜ.8፣3።
  4. ብምኽንያት ሰብ (ኣዳም) ኃጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ ብምኽንያት ኃጢኣት`ውን ሞት፣ ብሓደ ክርስቶስ ድማ ሕይወት መጸ ሮሜ.5፣12-18።

ቀዳሚሁ ቃል ውእቱ (ብመጀመሪያ ቃል ነበረ)
ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሓንስ በዚ ኣገላልጽኡ ቃል ቅድሚ ኩሉ ከም ዝነበረ ቅድምንኡን ህላዌኡን የረድኣና። ንቅድምንኡ ግና ጥንቲ ወይ መበገሲ የብሉን። ፍጥረት ዘበለ ክሉ መበገሲን መፈጸምታን መጀመሪያን መወዳእትን ኣለዎ ናይ ኩሉ መበገሲ ወይ መምጽኢ (ኣምጻኢ ዓለማት) ፈጣሪ እግዚኣብሔር ግን ቀዳማዊ`ዩ ንሱ ድማ መበገሲ ወይ መጀመሪ ዘይብሉ ኣልፋ (ቀዳማዊ) ኢዩ ከምኡ`ውን ፍጻሜ ዘይብሉ ዘልዓለማዊ`ዩ መዝ.102፣25-27።
ስለዚ`ዩ ድማ ወንጌላዊ ዮሓንስ ንደቂ ሰባት ከድሕን ኣምላካዊ ጉዕዞ ንዝገበረ ጐይታ መንነት ንኸረድእ ቅድመ ሥጋዌኡ ንዝነበረሉ ህላዌን ኩነታትን ክገልጽ ከሎ ቃል ቀዳማዊ ኢሉ ቅድምንኡ ዘረጋገጸ እዚ ቃል ድማ ከም ፍጡራን ቃል ዝርው (ኣካል ዘይብሉ) ዘይኮነስ ኣነ ብሃላይ ገባሬ ኩሉ ኣካላዊ ቃል ምዃኑ ንኸረድእ “እቲ ቃል” ኢሉ ጸወዖ (ገለጾ)። በዚ ድማ ቃል ዝተባህለ ወልደ እግዚኣብሔር ክርስቶስ ምዃኑ ክሕብር “እቲ ቃል`ውን ኣምላኽ ነበረ” ኢሉ ጸሓፈ ብዳሕራዋይ ዘመን ድማ ብፍሉይ ኣካሉ ሥጋ ከም ዝለበሰን ከም ዝተወሃሃደን ከረድኣና ከሎ “እቲ ቃል ሥጋ ኮነ” በለ። መዝ.32።6, ዮሓ.1፣1-14, ዕብ.1፣2-3, ቆሎ.1፣12-17።
ነኣምን በክልኤ ልደታቲሁ (ብክልተ ልደታቱ ንኣምን)
ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ኣብ ናይ ባህርይ ወዱ`ዩ። ቅድመ ዓለም ካብ ኣብ ብዘይ ኣደ ድኅሪ ዓለም ከኣ ብዘይ ኣቦ ብግብረ መንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ዝተወልደ በዚአን ክልተ ልደታቱ ነኣምን ሕዝ.40፣1-3, ማቴ.1፣18, ምሳ.8፣23-25።
ተዋህዶ
ተዋህዶ ማለት ቃልን (መለኮትን) ሥጋን (ትስብእትን፣ ሰብእነትን) ካብ ክልተ ኣካልን ክልተ ባህርይን ብተዋሕዶ ሓደ ኣካልን ሓደ ባህርይን ከም ዝኾነ ዘረድእ ምሥጢር`ዩ።
ተዋሕዶ ከመይ?
ቅዱስ ቄርሎስ ብዛዕባ ተዋሕዶ ቃልን ሥጋን ከምዚ ይብል “ቃል ሥጋ ኮነ ክበሃል ከሎ፣ ቃል ተለዊጡ ሥጋ ኮይኑ ማለት ኣይኮነን ሥጋውን ናብ ኣምላኽነት ተለዊጡ ማለት ኣይኮነን” ብዘይምርመር ምሥጢረ ተዋሕዶ ሃብቲ ቃል ንሥጋ፣ ሃብቲ ሥጋ ንቃል ኮነ እምበር እዚ ማለት`ውን ገንዘብ መለኮት ብትዋሕዶ ገንዘብ ሥጋ፣ ገንዘብ ሥጋ ብተዋሕዶ ገንዘብ ቃል ኮነ ማለት`ዮ። ብካልእ ኣገላልጻ ንቃል ዝንገር ዝነበረ ንሥጋ ይንገረሉ ንሥጋ ዝንገር ዝነበረ ንቃል ይንገረሉ። እዚ ማለት ቀዳማይን መወዳእታን ክበሃል ዝግብኦ ቃል ክኸውን ከሎ ሥጋ ግና ንገንዘብ ቃል ብተዋሕዶ ናይ ባዕሉ ጌሩ`ሎ እሞ ቀዳማይን መወዳእታን ኣነ`ዬ ክብል በቒዑ እቲ ዘመን ዘይቁጸረሉ ዝነበረ ቃል`ውን ናይ ሥጋ ገንዘብ ገንዘቡ ስለ ዝገበረ ዘመን ተቖጽረሉ። ወዲ 12 ዓመት ወዲ 30 ዓመት ተባህለ።
ቅድሚ ተዋህዶ ክልተ ኣካል ክልተ ባህርይ ዝተባህሉ መን`ዮም?
መለኮታዊ ኣካል፣- ረቂቕ፣ ዘይጭበጥ፣ ዘይድህሰስ፣ እሳታዊ፣ ምሉእ፣ ስፉሕ።
ሥጋዌ ኣካል፣- ግዙፍ፣ ውሱን፣ ጸቢብ፣ ዝድህሰስ፣ ዝጭበጥ።
መለኮታዊ ባህርይ፣-- ቀዳማይን ዳሕራዋይን፣ መጀመሪያን መወዳእታን፣ ፈጣሪነት፣ ኩሉ
ክገብር ዝኽእል፣ ዘለዓለማዊነት፣ ዘይመውት፣ ዘይሓምም፣ ዘይጠሚ፣ ዘይጸምእ።
ሥጋዌ ባህርይ፣- ምጽማእ፣ ምጥማይ፣ ምድካም፣ ምሟት፣ ዝሰማምዖ ባህርይ እዩ።
እምበኣር ወልድ ንደቂ ኣዳም ካብ ዝወደቑሉ መንጸፈ ደይን ካብ ዝተገዝኡሉ ናይ ሰይጣን ባርነት ናጻ ንኽገብሮም ምስ መጸ ቃል ምስ ሥጋ ተዋሃሃደ፣ እዚ ማለት ከኣ መለኮታዊ ኣካልን ሥጋዊ ኣካልን ከምኡ`ውን መለኮታዊ ባህርይን ሥጋዊ ባህርይን ተዋሓሒዱ። እቲ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልደ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል ብዘይምልዋጥ ብተዋሕዶ መለኮት ንመለኮትነቱ ከይለቐቐ ሥጋ ንሥጋነቱ ከይለቐቐ ብተኣቅቦ ካብ ክልተ ባሕርይ ሓደ ባሕርይ ኮነ። በዚ ድማ (ምንታዌ) ክልተኣዊነት ጠፍአ፣ በዚ ኽኣ`ዩ ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ዝበሃል። ትንታነ ቅዱስ ቄርሎስ ብምሳሌ ሓጺንን ሓዊን
ንተዋሕዶ ሥጋን መለኮትን ቅዱስ ቄርሎስ ብሓጺንን ሓዊን መሲሉ ይዛረብ። ሓጺን ናብ ሓዊ ኣትዩ ምስ ሓዊ ክወሓሓድ (ክራሰን) ከሎ መጠኑ ቅርጹ ርጉዱን ቁመቱን ከይገደፈ ባሕርይ ናይቲ ሓዊ ወሪሱ ኩለንተንኡ ፍጹም ሓዊ ከም ዝኸውን እቲ ሓዊ`ውን ናይ እሳትነት (ሓዊነት) ባህርይኡ ከይገደፈ ብመጠን እቲ ሓዊን ንቅርጺ እቲ ሓዊን ከም ዝሕዝ ዳሕራይ`ውን ሓጓዳይ ብመዶሻ ከትብዖ ብመጋዝ ክቖርጾ ከሎ ኣብ መንጎ ሓጺንን ሓዊን ምንም ፍልልይ ከም ዘይረአ ሕድረት ኮነ ምልዋጥ ዘይብሉ ተዋሕዶ መለኮትን ሥጋን`ውን ከምዚ`ዩ ኢሉ ኣረዲኡና።
ስለዚ ነቲ ሓደ ክርስቶስ መቒልካ ሥጋ ናይ ሥጋ ስራሕ ይሰርሕ መለኮት ናይ መለኮት ስራሕ ይሰርሕ ምባል ግጉይ ትምህርቲ`ዩ። ወልድ ሥጋ ብምውሕሓዱ ካብ ባሕርይ ኣቡኡ ኣብ ካብ ባሕርይ ሕይወቱ መንፈስ ቅዱስ ኣይነኣሰን። ንሰብ ንኽድሕን ክብል ሰብ ዝኾነ ወልደ እግዚኣብሔር ሰብ`ውን እንተ ኾነ ካብ ኣምላኽነቱ ዝጎደሎ ነገር የልቦን። ተለዊጡ`ውን ካልእ ኣይኮነን፣ እግዚኣብሔር ድማ ብባሕርይኡ ሕልፈት ምልዋጥ ዘይብሉ ስለዝኾነ “ኣነ እግዚኣብሔር ኣይልወጥን`የ” ሚል.3፣6 ብምባል ብምልዋጥ ዘይኮነሲ ብተዋሕዶ ሰብ ከም ዝኾነ የረድኣና።ስለ ዝኾነ`ውን ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ ኣብ ወልደ ማርያም ክኸውን ከሎ ዝነበረ ዘሎን ዝነብርን እምበር ሰብ ኮይኑ ኣብ ምድሪ ብሓጺር ቁመት ብጸቢብ ደረት ተወሲኑ ስለ ዝተመላለሰ ካብ ኣብ (ዕሪና) ማዕርነት ኣይተፈለየን ተለዊጡ ፍጡር ወይ`ውን ኣማላዲ ኣይኮነን። “ኢየሱስ ክርስቶስ ትማሊን ሎሚን ክሳብ ዘለዓለም`ውን ንሱ ኢዩ” ዕብ.13፣8።
ኣብ ወንጌል ዝተጻሕፈ ኩሉ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ሓደ ባሕርይ ምዃኑ የረድኣና። ኣብ ወንጌል ዝተመዝገበ ንድኻሙን ሓይሉን ዝገለጸሉ ዝኾነ ግብሪ ናይ ባዕሉ ናይ ስግው ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ሥራሕ`ዩ። ብጀካ ኃጢኣት ነቲ ናይ ሰብ ዝኾነ ኩሉ ናይ ባዕሉ ስለ ዝገበሮ`ዩ፣ ካብ ግዜ ልደት ክሳብ ዕርገት ዘሎ ግብረ (ትስብእት) ሰብኣዊ ሥራሕ ብዘይ ኃጢኣት ፈጸመ ዮሓ.8፣46, 1ጴጥ.2፣22, ዕብ.4፣14፣15።
እቲ ብዙሕ ድንቂ ድንቂ ተኣምራት ዝገበረ ንሱ ጠመየ ጸመአ ሓዘነ በኸየ እቲ ኣብ ጌቴሰማኒ ዝጸለየ ኣብ ጎልጎታ መሪር ኣውያት ዘስመዐ ንሱ ንናይ ዕለት ሓድሽ ሬሳ ንወልደ መበለትን ወለተ ኢያኢሮስን ከምኡ`ውን ንናይ ዓርባዕተ መዓልቲ ሬሳ ኣልኣዛር ዘተንስአ ንሱ ባዕሉ እቲ ሓደ ኢየሱስ ክርስቶስ`ዩ ማቴ.9፣25, ሉቃ.7፣11-16, ዮሓ.11፣30።
ይኹን ደኣ እምበር ወልድ ብባሕርይኡ ሞት ይሰማምዖ ኔሩ ማለት ኣይኮነን እንታይ ደኣ ሞት ክርስቶስ ብሥጋ ምዃኑ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ገሊጹልና ይርከብ “ክርስቶስ ብሥጋ ምእንታና መከራ ስለ ዝተቐበለ...” 1ጴጥ.4፣1። ስለዚ`ውን ናይ ክርስቶስ መከራ ምቕባል ብመዋእለ ሥጋዌኡ ብዝተገብረ መጋቢነት ስለ ዝኾነ መለኮት ብሥጋ ሞተ ንብል ከምኡ`ውን እቲ ሞት ዝሰማምዖ ዝነበረ ሥጋ ብተዋህዶ ናይ መለኮት ሕያውነት ዘለዓለማዊነት ገንዘቡ ስለ ዝገበረ ሥጋ ብመለኮት (መንፈስ) ህያው ኮነ ንብል “ሞተ በሥጋ ወሓይወ በመንፈስ” ከም ዝበለ 1ጴጥ.3፣18።
ኣብዚ ከነስተብህሎ ዝግበኣና ትምህርቲ`ውን ኣሎ ንሥርዓተ ሥጋዌ ምስቲ ዓለም ቅድሚ ምፍጣሩ ዘሎ ኩነታት ሓዋዊሱ እግዚኣብሔር ብባሕርይኡ ሞይቱ ኢሉ ምዝራብ ኣይግባእን`ዩ። ክሕደት`ውን ኢዩ ምኽንያቱ ሠለስቲኦም ኣካላት ሥላሴ ሞይቶም ከም ምባል ስለ ዝኾነ ሞት ዘይሰማምዖ እግዚኣብሔርነት ከኣ ናይ ሠለስቲኦም ኣካላት ኣብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ገንዘብ ስለ ዝኾነ`ዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ሓደ ባሕርይ ምዃኑ ይገልጸልና`ዩ ምሥጢራዊ ቃልን ትምህርትን ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ “ብእኡ ደስ ዝብለኒ ዝፈትዎ ወደይ እዚ`ዩ” ኢሉ ማቴ.3፣16። ኣብዚ ጽሑፍ እግዚኣብሔር ኣብ ባዕሉ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ድሕሪ ዓለም ንዝተወልደ መድሓኒናን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ወደይ ኢሉዎ። ኣብዚ ከነስተብህለሉ ዝግባእ እግዚኣብሔር ኣብ ንሥጋን መለኮትን ብሓድነት ወደይ ከም ዝበለ`ዩ። ብናይ ቤተ ክርስቲያን ምስክርነት`ውን ወልደ ኣብ ብመለኮቱ ወልደ ማርያም ብትስብእቱ ብተዋሕዶ ኸበረ ዝበሃል እዚ`ዩ። እዚ ማለት ድማ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል ካብ ክልተ ባሕርይ ሓደ ባሕርይ ኮነ ማለት`ዩ፣ ስለዚ ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ሰማያት ተኸፊቶም ዝተገልጸ ምሥጢር እንታይነቱ ተረዲእና`ዶ? እዚ ኣብ ደመና ኮይኑ ዝፈትዎ ወደይ እዚ`ዩ ኢሉ እግዚኣብሔር ኣብ ዝመስከረሉስ ንሥጋዶ ኢዩ ወይስ ንመለኮት? ነቲ ሓደ ሥጋ ዝለበሰ ሥግው ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
ምሥጢራዊ ቃልን ትምህርትን ኣብ ደሴተ ፍጥሞ
“እቲ ሞይቱ ዝነበረ ሕያው ዝኾነ እቲ ቀዳማይን ደሓራይን ከምዚ ይብል” ራዕ.2፣8። ቅድመ ዓለም ዝነበረን ድሕረ ዓለም ዘሎን ዝነብርን እግዚኣብሔር ጥራይ`ዩ እምበር ንሰብ ኣይከኣሎን`ዩ። እግዚኣብሔር ከም ዘይመውት ንፈልጥ ኢና ዋንኡ ግና ሞይተ ነይረ እነሆ`ውን ህያው`የ ኢሉ እዚ ማለት ድማ መለኮት ብሥጋ ሞተ ንምባል`ዩ፣ እምበኣርከስ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ እንተ ዘይኮይኑ ቅድመ ዓለም ዝነበረን ሞይቱ ዝተንስአን ምዃኑን ኣይምገለጸን ኔሩ። እቲ ቅድመ ዓለም ዝነበረ ንሱ`ዩ ሞይተ`ውን ነይረ ዝበለ እቲ ቅድመ ዓለም ዝነበረ ድሕሪ ዓለም ንዓለም ኣሕሊፉ ዝነብር`ዩ እቲ ዝሞተ ካልእ ዘይኮነስ እቲ ሥጋ ዝኾነ ቃል ኢዩ።
ክጽንዑ ዝግብኦም ጥቕስታት
1ዮሓ.1፣1 ግብ.ሓዋ.20፣28 ማር.14፣81
ማር.15፣37 ዮሓ.3፣11 መዝ.22፣12-18
ፊል.2፣6 ዮሓ.3፣16 ሮሜ.5፣10
ዮሓ.16፣24 ራዕ.5፣12
መጽሓፍ ቅዱስ ሥጋ ብተዋህዶ ናይ ባህርይ ኣምላኽ ምዃኑ ይገልጸልና`ዩ ዳን.7፣13 “ብራእያት ለይቲ እጥምት ነበርኩ እንሆ ኸኣ ወዲ ሰብ ዝመስል ብደመና ሰማይ ይመጽእ ነበረ ናብቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ በጽሐ ናብ ቅድሚኡ`ውን ኣቕረብዎ ኩላቶም ኣሕዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ከገልግልዎስ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንኡኡ ተዋህበ ግዝኣቱ ዘይሓልፍ ዘልዓለማዊ ግዝአት`ዩ ፣፣ መንግስቱ`ውን ከቶ ኣይትጠፍእን`ያ ” ኣብዚ ጽሑፍ መንግስቱ ዝብሎ ናይ ኣምላኽነቱ`ዩ እዚ ዝተነግረ ድማ ንመለኮት ጥራይ`ዩ ከይንብል ኣቐድም ኣቢሉ ወዲ ሰብ ብምባል ገሊጹልና ይርከብ እምበኣር ሰብነት ብተዋሕዶ ኣምላኽ ከመይ ጌሩ ይኸውን ንዝብሉ ከመይ ጌሩ ደኣ ኣሕዛብን ወገናትን ኩሉ ከምልኽዎ`ዮም ኢሉ ተጻሒፉሉ ንብሎም።
መዝ.47፣5 “ ኣምላኽ ብዕልልታ እግዚኣብሔር ብደሃይ መለኸት ዓረገ ” ሓዋርያት ካብኦም ብርሕቀት ተፈልይዎም ዝዓረገ ኣምላኽ ሥግው ቃል ምዃኑ ንኸርድኣናን ሰብ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ክገልጽ ከሎ ድማ እግዚኣብሔር ኢሉ ጸውዖ። ራዕ.1፣17 “ኣይትፍራሕ እቲ ቀዳማይን ዳሕራዋይን ህያውን ኣነ እየ ሞይተ`ውን ነበርኩ እነሆ`ውን ካብ ዘለዓለም ክሳብ ዘለዓለም ህያው`የ ናይ ሞትን ሲኦልን መፍትሕ`ውን ኣለኒ” ቅድሚ ተዋሕዶ ሥጋ ቀዳማይን ዳሕራዋይን ክኸውን ኣይከኣሎን`ዩ። ቅድመ ዓለምን ድሕሪ ዓለምን ዝነበረ ኣምላኽ ጥራሕ`ዩ ሞት`ውን ናይ ሥጋ እዩ እምበር ናይ ኣምላኽ ኣይኮነን ኩሉ ዝፈልጥ ጐይታ ዓለም ግና ብተዋሕዶ (ምንታዌነት) ክልተኣዊነት ኣጥፊኡ ሓደ ኣካል ሓደ ባሕርይ ምዃኑ ንኸረድኣና እቲ ቀዳማይን ደሓራይን ዝሞትኩን`ውን ኣነ`ዬ ኢሉ ተዛረበ።
ክንበቡ ዝግብኦም ጥቕስታት
መዝ.2፣7 ዮሓ.9፣35
ዮሓ.1፣14 ኢሳ.9፣6
ዕብ.5፣7 ራዕ.1፣17
ዮሓ.6፣51
ትምህርተ መናፍቃን ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ
እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሓዋርያዊን ጥንታዊን ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቓነየ ትምህርተ ሃይማኖት ዘይተረድኦምን ብሥጋዊ ጥበብን ፍልስፍናን ዝተመርኮሱ በብዘመኑ ዝተንሥኡ ሰባት ግና ቤተ ክርስቲያን ካብ ዝተመስረተትሉ ዘመን ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ብሥጋዌ ጥበቦም እናተመርሑ ብዛዕባ ክርስቶስ ዘለዎም ኑፋቄያዊ ትምህርቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንኸእትዉ ብዙሕ ግዜ ፈቲኖም`ዮም። ካብዚኦም ብውሕዱን ሕጽር ብዝበለን ንምጥቃስ ፣-
  • ኣርዮስ ፣- ብ325 ዓ.ም. ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ብ318 ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ዝተወገዘ መናፍቅ`ዩ። ትምህርቲ ኣርዮስ ከምዚ ዝስዕብ`ዩ፣ “ወልድ ፍጡር`ዩ ግና ልዕሊ ኲሎም ፍጡራን`ዩ ንኣብ ፍጡሩን ወዱን`ዩ ዳሕራይ`ውን ብመዋዕለ ሥጋዌ ብዘርኣዮ ተኣዛዝነትን ተጋድሎን ጽንዓትን ካብ እግዚኣብሔር ቡራኬን ጸጋን ተቐቢሉ ከም ጻድቃንን ሰማዕታትን ድማ ሱታፌ ኣምላኽነት ረኸበ” ዝብል`ዩ (ሎቱ ስብሐት)። ነዚ ትምህርቲ ክሕደቱ`ውን ኣብቲ ጉባኤ ምስ ኣስመዐ ቅዱስ ኣትናቴዎስ መጽሓፍ ቅዱስ መሠረት ብምግባር፣-

1. ወልድ ናይ ኣብ ናይ ባሕርይ ወዱ እምበር ፍጡር ከም ዘይኮነን ወልድ ባዕሉ ዋና ፍጥረታት ምዃኑ።
2. ወልድ ምስ ኣቦኡ ማዕረ ስግደትን ኣምልኾትን ዝግብኦ ከም ዝኾነ።
3. ሰብ እንተኾነ`ውን ዝጎደሎ ነገር ከም ዘየለ ኣግፊሑን ኣርቂቑን ኣረድአ ሠለስቱ ምእት`ውን ናብ ሃይማኖቱ ክምለስ ንኣርዮስ ሓተትዎ ስለ ዘይተመልሰ ግና ኣውጊዞም ፈለይዎ።
· ንስጥሮስ፣- ብ431 ዓ.ም. ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን 2000 ብዝኾኑ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተወግዘ መናፍቅ`ዩ። ትምህርቲ ንስጥሮስ ሕጽር ብዝበለ “ኢየሱስ ክርስቶስ ክልተ ኣካል፣ ክልተ ባህርይ ኢዩ፣ ካብ ማርያም ዝተወልደ (ዕሩቅ ብእሲ) ሰብ እዩ” ብካልእ ኣበሃህላ ወልደ ኣብ ካልእ፣ ወልደ ማርያም ካልእ ኢዩ ዝብል እዩ ኔሩ። እዚ ማለት ከኣ ሥጋ ንቃል ማሕደሩ ተሰካሚኡ ኢዩ ወይውን ሥጋን ቃልን ከም ዳዊትን ማሕደርን ወይውን ሴፍን ማሕደርን (ሰገባ) ከም ማለት`ዩ። ንስጥሮስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተኺልዎ ዝነበረ ናይ ክሕደት(ኑፋቄ) ትምህርቲ ብናይ ቅዱስ ቄርሎስ (ትምህርተ ተዋሕዶ) ክንቀል ከኣለ ብኡ`ውን እቲ ጉባኤ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ሓደ ባሕርይ ምዃኑ እግዚእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም`ውን ወላዲተ ኣምላኽ ምዃና መስኪሩ ንንስጥሮስ ኣውገዞ።
· ፓፓ ሊዮን፣- ብ451 ዓ.ም. ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምፍልላይ ዘምጽአ ብቅዱስ ዲዮስቆሮስ ኦርቶዶክሳዊ ኣቦ ዝተወገዘ`ዩ። ናይ ፓፓ ሊዮንን ሰዓብቱን ኣተሓሳስባ ካብ ንስጥሮሳዊ ትምህርቲ ዘይርሕቕ ኮይኑ ንኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ክልተ ባሕርይ ዝብል`ዩ። እዚ ማለት ከኣ ኣብ ሓደ ኣካል ሥጋ ናይ ሥጋ ስራሕ ይሰርሕ፣ መለኮት ድማ ናይ መለኮት ስራሕ ይሰርሕ ከም ምባል`ዩ።

                       

 

1 comment:

  1. ሰላም እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን ኣሕዋተየ ክብለኩም ደልየ ዘለኹ ጸሎት ናይ 5 ኣዕማደ ምስጥር ማለት ምስጥሬ ስጋዊ፣ ምስጥሬ ቁርባን ፣ ምስጥሬ ትንሳኤ፣ ምስጥሬ ጥምቀት ክትጽሕፉልና ብትሕተና ይሓትት። ኣምላኽ ይሓግዝኩም

    ReplyDelete