ማህበር ስላሴ ቤተ-ክርስያን ኦርተዶክስ ተዋህዶ ኤረትራውያን አብ በልጁ

Saturday, November 29, 2014

ቅድስት ድንግል ማርያም ሕዳር ጽዮን



በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ
፩ዱ አምለክ አሜን
ርሑስ አውድአመት ደቂ እዛ ቅድስት እምነት ንኹልኹምእንቋዕ ናብዚ ክቡርን ዓብን በዓል ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሕዳር ጽዮን ብሰላም ኣብጽሓናይብል ሰብእ እምነ ጽዮን ሰብ ፣ ኵሉ ኣዴና ጽዮን ክብል እዩ፡ ሰብ ካብኣ ተወለደ መዝ 87፡5


ጽዮን ማለት እንታይ ማለት እዩ
ጽዮን ዝብል ቃል ”ፀወነ” ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝወጸ ኮይኑ፡ ትርጉሙ ድማ እምባ መጸግዒ መኸወሊ ማለት እዩ። እዚ ቃል እዚ ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ ሚእትን ሓምሳን ጊዜ ተጠቒሱ ከም ዘሎ ናይ ቤተ ክርስቲያንና መምህራን ይምህሩና። ብሓፈሻ ጽዮን ዝብል ቃል ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣርባዕተ ነገራት ወኪሉ ተጻሒፉ ይርከብ።
ሓደ ሓደ ሰባት ግን ነዚ ብዘይ ምርዳእ ቤተ ክርስቲንና ንድንግል ማርያም ‘ጽዮን’ እንዳበለት ብዛዕባኣ ስለ ትሰብኽን ሰለ ትዝምርን ‘ጽዮን’ ዝብል ቃል ንድንግል ማርያም ኣይግባእን እዩ፡ ኵሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ዘሎ ‘ጽዮን ‘ ዝብል ቃል ንድንግል ማርያም ብምሃብ ትትርጉምዎ እንተ ኾንኩም ድማ ብዙሕ እንሓተኩም ሕቶ ኣለና ብምባል፡ ቤተ ክርስቲያንና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጻሕፈ ‘ጽዮን’ ዝብል ቃል ኵሉ ንድንግል ማርያም ሂባ ብዛዕባኡ ከም ትምህርን ከም ትዝምርን ጌሮም ዘቕርቡን ድንግል ማርያም ድማ ፈጺማ ‘ጸዮን’ ተባሂላ ክትጽዋዕ ኣይግባእን ብምባል ዝቃወሙን መናፍቓን ኣለዉ።
ስለዚ ካብዚ ብምቕጻል እምበኣር፡ ቤተ ክርስቲያንና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዘሎ ‘ጽዮን’ ዝብል ቃል ኵሉ ንድንግል ማርያም ሂባ ከም ዘይትምህርን ከም ዘይትዝምርን ብምብራህ፡ ድንግል ማርያም ግን ጽዮን ተባሂላ ኣብ ብዙሕ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝተጠቐሰት፡ መንፈስ ቅዱስ ደገፍ ብምግባር ንጹር ዝኾነ መብርህን ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምሀርትን ክንህብ ኢና። ነዚ መብርሂ ምእንቲ ክጥዕመና ድማ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ፡ ‘ጸዮን’ ዝብል ቃል ወኪልዎም ዘሎ ኣርባዕተ ትርጉማት ካብዚ ቀጺልና ክንርኢ ከገድሰና እዩ።
ናይ ዳዊት ከተማ
ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ ሰብዓን ሽዱሽተን ጊዜ ብተደጋጋሚ ጽዮን ተባሂላ ዝተጸውዐት ናይ ዳዊት ከተማ እያ። እዛ ከተማ እዚኣ ቅዱስ ዳዊት ብነቢ ሳሙኤል ንንግሥና ድሕሪ ምቕብኡ፡ ሠራዊቱ ዘስፍረላ ዝነበረ ከተማ ከም ዝነበረት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸምዚ ዝስዕብ የረድኣና “ዳዊት ግና ነታ ድኃር ከተማ ዳዊት ዝተሰመየት እምባ ጽዮን ሓዛ” 2ይ ሳሙ 5፡7። ብምባል ነዛ ካብ ጸላኢ ንምክልኻል ምችእቲ ዝኾነት እምባ “ጽዮን” እንዳበለ ይጽውዓ።
ብተወሳኺ ውን ኣብ 2ይ ዜና 5፡2 ከምዚ ብምባል ጠቒስዋ ኣሎ “ሽዑ ሰሎሞን ንዓበይቲ እስራኤልን ንዅሎም ሓላቑ ነገዳትን እቶም ሹማምንቲ ማይ ቤት ኣቦታትን ደቂ እስራኤል፡ ንታቦት እግዚኣብሔር ካብ ከተማ ዳዊት፡ ማለት ‘ጽዮን’ ከደይብዎ፡ ናብ ኢየሩሳሌም ኣከቦም። ኣብዚ ውን እዛ “ጽዮን” ተባሂላ ተጸዊዓ ዘላ ናይ ዳዊት ከተማ ምዃና ብንጹር ተጻሒፍልና ኣሎ።
ጽርሐ ኣርያም {ሻውዓይቲ ሰማይ}
እቲ ብካልኣይ ደረጃ “ጽዮን” ንዝብል ቃል ወኪሉ ዝርከብ ክፈሊ ድማ ጽርሐ ኣርያም ወይ ድማ ሻውዓይ ሰማይ እዩ። ብቤተ ክርስቲያንና ትምህርቲ መሠረት እግዚኣብሔር በታ መጀመርያ መዓልቲ ሰንበት ካብ ዝፈጠሮም ሸሞንተ ሥነ ፍጥረታት፡ እዞም ዝስዕቡ ሸውዓተ ሰማያት እዮም ። ኢዮር፡ ራማ፡ ኤረር፡ሰማያዊት ኢዮርሳሌም፡ ሰማይ ውዱድ፡ መንበረ መንግሥት፡ ጽርሐ ኣርያም ተባሂሎም ድማ ይጽውዑ።
ካብዞም ሸውዓተ ሰማያት እቲ ልዕሊ ኵሎም ዝርከብ ሻውዓይ ሰማይ እዩ እምበኣር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ጽዮን’ ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ። ነዚ ብዝምልከት ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ “ካብ ጽዮን ካብታ ብጽባቔኣ እተንጸባርቕ ከተማ፡ እግዚኣብሔር በሪሁ ይግለጽ ኣሎ” መዝ 50፡2። ኣብዚ ናይ ቅዱስ ዳዊት ቃል እግዚኣብሔር ብሥጋ ማርያም ናብዚ ምድሪ ከም ዝግለጽን ካብ ጽዮን ማለት “ጽርሐ ኣርያም” ንናይ መወዳእታ ፍርዲ ክመጽእ ምዃኑን እዩ ዘረድኣና።
ቅዱስ ዮሐንስ ውን ኣብ ራእይ “ ብድሕሪ እዚ እቲ ገንሸል ኣብቲ ጽዮን ተባሂሉ ዚጽዋዕ እምባ ደው ኢሉ ረኣኹ፡ ስሙን ስም ኣቡኡን ኣብ ግምባሮም ዝተጻሕፎም ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ከኣ ምስኡ ነበሩ” ራእ 14፡1 ብምባል ስለ ክርስቶስ ኣብ ጽዮን ዝተባህለ ሻዉዓይ ሰማይ፡ዝረኣዮ ራእይ ይነግረና።
ቤተ እስራኤል
ብሳልሳይ ደረጃ ጽዮን ተባሂሎም ዝጽውዑ ድማ፡ እቶም ብሥጋ ዘርኢ ኣብርሃም ዝኾኑ ኣይሁድ ወይ እስራኤላውያን እዮም። ኦ ኢዮርሳሌም ንእግዚኣብሔር ኣመስግኒ፡ ኦ ጽዮን ንኣምላኽኪ እልል በሊ” መዝ 147፡1። ኣብዚ ድማ “ኦ ጽዮን” ኦ ኣብ ጽዮን ዝተባህለ ቦታ እትነብሩ ማለቱ እዩ። እንደገና ውን “ንስኻ ክትንስእ ኢኻ ንጽዮን ውን ክትርህርኃላ ኢኻ ምሕረት እትገብረሉ ግዜ በጺሑ እዩ። ሽሕ እኳ ጽዮን እንተ ፈረሰት የፍቅርዋ እዮም፡ ሽሕ እኳ ዑና እንተኾነት ይድንግጹላ እዮም” መዝ 102፡13። ኣብዚ ድማ ደጊሙ “ንጽዮን ክትርህርሃላ ኢኻ” ማለቱ ንደቂ ጽዮን ክትርህርሃሎም ኢኻ ማለቱ እዩ።
ነቢይ ኢሳይያስ ውን “እግዚኣብሔር ንናላ ኣዋልድ ጽዮን ከንኵዖ፡ እግዚኣብሔር ድማ ንሓፍረተን ኪቐልዖ እዩ። ክሳውደን ገቲረን በዒንትን ቅምጽ እንዳበላ ብግንትእ ዝብል ኣራግጻአን፡ ብሽውሕዋሕ ዝብል ስልማት እግረን ይኸዳ ኣለዋ እሞ..” ኢሳ 4፡16 ይብል። ኣብዚ ውን ብዘየማትእ መረዳእታ ኣዋልድ “ጽዮን” ተባሂለን ዘለዋ ኣብ ጽዮን ዝቕመጣ ኣከዳድናአንን ኣራግጸአንን፡ ካብ ፍቓድ እግዚኣብሔር ወጻኢ ዝኾነ ዝሙታዊ ምንቅስቓስ ዘርእያ ዝነበራ እስራኤላውያን እየን።
ድንግል ማርያም
ኣብ መወዳእታ ድማ ጸዮን ዝተባህለት አመ ብርሃን ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። መድኃኒት ካብ ጽዮን ክወጽእ እዩ፡ ኃጢኣት ድማ ካብ ያዕቆብ ከርሕቕ እዩ” ኢሳ 59፡20 ሮሜ 11፡26 “ ይብል ሰብእ እምነ ጽዮን፡ ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ” ሰብ ኵሉ ኣዴና ጽዮን ክብል እዩ፡ ሰብ ካብኣ ተወለደ መዝ 87፡5
“ኣነ ውን ንስፍራ መርገጺ እግረይ ከኽብሮ እየ፡ ደቂ ጠቓዕትኺ እናደነኑ ናባኺ ክመጽኡ እዮም፡ ዝነዓቑኺ ኵሎም ድማ ናብ ትሕቲ ኣእጋርኪ ፍግም ክብሉ እዮም እሞ ከተማ እግዚኣብሔር “ጽዮን” ክሰምዩኺ እዮም። ኢሳ 60፡14 ኣብዚ ውን ኢሳይያስ ጽዮን አንዳበለ ዝጽውዓ ንድንግል ማርያም እዩ።
“ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ክኸውን እዩ ናይ እግዚኣብሔር ቤት ኣብ ርእሲ ኣኽራን ክቐውም ኣብ ልዕሊ ኮራቢት ድማ ልዕል ክብል ኵሎም ህዝቢ ውን ናብኡ ክእከቡ እዮም። ሕጊ ካብ ጽዮን ቃል እግዚኣብሔር ከኣ ካብ ኢዮርሳሌም ክወጽእ እዩ” ኢሳ 2፡2-3።
ዳሕረዎት መዓልታት ዝተባህለ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዝነበረ ናይ ሲኦል መከራ ዘብቅዓሉ ዘመን እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ “ወአመ በጽሐ ዕድሜሁ ፈነወ እግዚኣብሔር ወልደ ወተወልደ እምብእሲት” ማለት “ናይ ዘመኑ ፍጻሜ ምስ በጽሐ እግዚኣብሔር ንወዱ ሰደደ ካብ ሰበይቲ “ድንግል ማርያም” ውን ተወልደ። ገላ 4፡4 “ናይ እግዚኣብሔር ቤት ከረን ኣብ ርእሲ ኣኽራናት ጸኒዑ ክቐውም እዩ” ማለት ናይ መለኮት ቤት መሕደሪ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ኵሉ ፍጥረታት ንላዕሊ ብንጽሓ ሥጋ ንጽሓ ነፍስ ንጽሓ ልቦናን ንዘልዓለም ጸኒዓ ምንባራ ዘርኢ እዩ። ኵሎም ህዝቢ ድማ ናብ ፍትው ወድኺ ለምንልና ኣማልድልና እናበሉ ናብኣ ክመጽኡ እዮም። ካብ ጽዮን ሕጊ ካብ ኢዮርሳሌም ድማ ቃል እግዚኣብሔር ክወጽእ እዩ ዝተባህለ ድማ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሕጊ ዝሰርዐ ዋና ሕጊ ንሱ ስለ ዝኾነ ሕጊ ይብሎ። ከምኡ ውን ናይ ኣብን ናይ መንፈስ ቅዱስን ናይ ባዕሉን ቃል ስለ ዝኾነ ቃል ይብሎ። ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሐንስ ውን ወንጌሉ ክጅምር ከሎ “ብመጀመርያ ቃል ነበረ እቲ ቃል ውን ኣብ እግዚኣብሔር ነበረ እቲ ቃል ድማ እግዚኣብሔር ነበረ” ብምባል እቲ ብመጀመርያ ዝነበረን ሕጊ ዝሰርዐን ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ መስኪሩ ኣሎ ዮሐ 1፡1።
“መሠረታቲሃ ውስተ አድባር ቅዱሳት” መሠረታ ካብቶም ቅዱሳን ኣኽራንእዩ፡ እግዚኣብሔር ካብ ኵሎም ማሕደራት ያዕቆብ’ሲ ንደጌታት ጽዮን የፍቅር እዩ። ኣቲ ከተማ እግዚኣብሔር ብኣኺ ክቡር ነገር ክበሃል እዩ መዝ 87፡1
“እግዚኣብሔር ንጽዮን ኃርይዋ እዩ.ሞ መሕደሪኡ ክትከውን በሃጋ እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ ኣብዚኣ ክነብር እየ” መዝ 132፡13
11. “ዘምሩ ለእግዚኣብሔር ዘየኀድር ውስተ ጽዮን” ኣብ ጽዮን ሰማያዊት ኣብ ጽዮን ምድራዊት ንዝሓድር እግዚኣብሔር ኣመስግኑ። ኣንደም
ንትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልትን ኣብ ማህጸን ማርያም ዝሓደረ እግዚኣብሔር ኣመስግኑ።
ስለምንታይ ኢዩ 21 ሕዳር ማርያም ጽዮን እንዳተባህለ ዝኽበር?
በዚ ዕለት ታቦተ ጽዮን ኣብ ምርኮ ኣብ ኢድ እቶም ኣምላኽ ዘይፈልጡ ፍሊስጤማውያን ኣብ ዝነበረትሉ፡ ንዳጎን ዝተባህለ ጣኦት ናይ ፍሊስጤማውያን ሰባቢራ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣረማውያን ሰባት ብርቱዕ ሕበጥን መቕዘፍን ብምውራድ ተኣምር ከም ዝገበረትን ካብ ኢድ ፍሊስጤማውያን ናብ ሃገራ ብሰላምን ብዓቢ ክብርን ከም ዝተመለሰት ንዝክር። 1ይ ሳሙ 5፡1-12 6፡1-21 እዛ ታቦት እዚኣ ድማ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምሳሌ እያ። ታቦት ማለት “ቤተ ኀደረ” ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝወጽአ ኮይኑ መሕደሪ ማለት እዩ። እተን ብኣጻብዕቲ እግዚአብሔር ዝተጻሕፋ ቃላት ኣብ ታቦት ስለ ዝሓደራ ታቦት ናይ ቃለ እግዚኣብሔር መሕደሪ እዩ። ዘጸ 25፡10-16 ቃል ዝተባህለ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ወንጌሉ ብመጀመርያ ቃል ነበረ እቲ ቃል ኣብ እግዚኣብሔር ነበረ እቲ ቃል ድማ እግዚኣብሔር ነበረ”ዮሐ 1፡1 ድሕሪ ምባል “ቃል ሥጋ ኮነ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ድማ ኣባና ሓደረ” ዮሐ 1፡14 ብምባል ዝሓደረሉን ዝተወሃሃደሉን ሥጋ ናይ ኣዴና ቅድሰት ድንግል ማርያም ምዃኑ ዘየጠራጥር እዩ። በዚ ድማ ኢና ድንግል ማርያም ታቦት (መሕደሪ) እግዚአብሔር ንብላ። ዘማራይ ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት ውን “ቀደሰ ማህደረ ልዑል” ልዑል መሕደሪኡ ቀደሰ ክብል ገሊጽዋ ኣሎ። ቀጺሉ ውን ኣብ መዝ 132፡13 “እግዚአብሔር ንጽዮን ሓረያ መሕደሪኡ ክትከውን ድማ በሃጋ” ብምባል ድንግል ማርያም ታቦት (መሕደሪት) ኣምላኽ ከም ዝኾነት የነጽረልና። ብዛዕባ ትንሳኤ ጎይታን መሕደሪኡ ዝዀነት ኣዲኡን ኣብ ዝተነበየሉ ድማ ቅዱስ ዳዊት “ተንስእ እግዚኦ ኣንተ ወታቦተ መቅደስከ” ኦ ጎይታ ንስኻን ታቦት መቕደስካን ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ተንስእ ብምባል ድንግል ማርያም ታቦት ተባሂላ ከም እትጽዋዕ ደጊሙ ኣነጺርዎ ኣሎ። ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ውን ኣብ ውዳሴ ማርያም ናይ ሰንበት “ካብ ዘይነቅዝ ዕንጨይቲ ዝተቐርጸ ብውሽጥን ብደገን ብወርቂ ዝተለበጠ “ታቦት” ብዘይ ምፍላይን ምልዋጥን ሰብ ዝኾነ ናይ እግዚአብሔር ቃል ይምሰለልና እዚ ውን ምልዋጥ ዘይብሉ ንጹሕ መለኮት እዩ….” ክብል ጽሒፍልና እዩ። በዚ ድማ ታቦተ ጽዮን ኣሕዛብ ንዘምልኽዎ ሰይጣን ዝሓደሮ (ዳጎን)ጣኦት ሰባቢራ ከም ዘጥፍኣቶ እዛ ኣማናዊት ታቦት ዝዀነት ድንግል ማርያም ድማ ከምቲ ነቢይ ኢሳይያስ “መድኃኒት ካብ ጽዮን ክወጽእ እዩ፡ ኃጢኣት ድማ ካብ ያዕቆብ ከርሕቕ እዩ” ኢሳ 59፡20 ሮሜ 11፡26 ዝበሎ ንጎይታ ብምውላድ ኣምልዀተ ጣኦት ካብ ልቢ ደቂ ሰባት ከም ዝንቀል ጌራ እያ‘ሞ ምስ ቅዱስ ዳዊት ኮይንና “ይብል ሰብእ እምነ ጽዮን፡ ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ” ሰብ ኵሉ ኣዴና ጽዮን ክብል እዩ፡ ሰብ ካብኣ ተወለደ መዝ 87፡5 እናበልና ዓመት መጸ በዚ ዕለት’ዚ ንዝክራ።
ናይ ታቦትን ድንግል ማርያምን ንጽጽራዊ ትምህርቲ
1. ታቦት ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምሳሌ ኢያ። ነታ ምሳልያዊት ታቦት ሓላዊ ኔርዋ ኢዩ፡ ነዛ ታቦት እዚ ንምሕላውን ንምግልጋልን ዝተሓጸየ “ኣሮን” ዝበሃል ካህን ነበረ።(ዘሁ 17፡1-10) ንድንግል ማርያም ነታ ኣማናዊት ታቦት ንምግልጋል ውን ውን ዮሴፍ ዝበሃል ሕጹይ ነበራ (ማቴ 1፡18) ቅዱስ ኤፍሬም ነዚ ክገልጽ እንከሎ “ንሱ ርእሳ ስለ ዝኾነ ሰበይቲ ንሰብኣይ ተገልግል፡ ዮሴፍ ግን ኣምላኽ ኣብ ማሕጸና ስለ ዝተሽከመት ንድንግል ማርያም ንኸገልግላ ተንሥአ፡ ካህን ዘካርያስ ውን ቅድስናኣ ተመልኪቱ ኣብ ቅድሚ ኣማናዊት ታቦት ኣገልገለ። ሙሴ እግዚአብሔር ብኣጻብዕቱ ዝጸሓፈሎም ጽላት ተሰከመ፡ ዮሴፍ ግን ፈጣሪ ኣብ ማሕጸና ዝተስከመት ንጽሕቲ ጽላት ሓዘ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ(ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ 306-373 ዓ.ም)
2. ነታ ምሳልያዊት ታቦት ንምግልጋል ዝተመርጸ ካህን ኣሮን በትሩ ካብተን ናይ 12 ነገደ እስራኤል ኣባትር ጠጢዓን ዓምቢባን ፈርያን ምስ ተረኽበት እዩ። (ዘሁ 17፡1-12) ነታ ኣማናዊት ታቦት ዝኾነት ድንግል ማርያም ንምግልጋል ውን ካብቶም ኣንስቶም ዝሞትኦም 12 ሰባት ናይ 12 ነገድ ናይ ዮሴፍ በትሪ ጠጢዓ ምስ ተረኽበት ነበረ።
3. ቅዱስ ደዊት ናይ እግዚአብሔር ታቦት ናባይ ክመጽእ ከመይ ኢሉ ይኾነለይ በለ (2ይ ሳሙ 6፡9) ኤልሳቤጥ ድማ እታ ኣማናዊት ታቦት ዝኾነት ድንግል ማርአም ናብ ቤታ ምስ መጸት “ኣደ ጐይታይ ንስኺ ናባይ ክትመጽኢ እዚ ካበይ ኮነለይ” በለት (ሉቃ 1፡43)
4. እታ ምሳልያዊት ታቦት ናብ ከተማ ዳዊት ምስ መጸት ዳዊት “ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚአብሔር ብታሕጓስ ዘለለ ዘመረ ድማ” (2ይ ሳሙ 6 1-14) እታ ኣማናዊት ታቦት ድንግል ማርያም ናብ ኤልሳቤጥ ምስ ከደት ድማ “ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ዝነበረ ዮሐንስ ብደስታ ዘለለ” (ሉቃ 1፡41)
ቅዱስ ኣምብሮስ ነዚ ናይ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ታቦት ምዝላል ብኸምዚ ዝስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ “ነቢይ እግዚአብሔር ቅዱስ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ታቦተ ጽዮን ዘለለ፡ እዛ ታቦት እዚኣ ቅድስት ድንግል ማርያም እንተዘይኮይና መን ክንብላ ንኽእል? ታቦተ ጽዮን ኣብ ውሽጣ ናይ ጽላት ኪዳን ሓዘት። ቅድስት ድንግል ማርያም ግን ነቲ ናይ’ቲ ኪዳን ሠራሒ ዝኾነ እግዚአብሔር ባዕሉ ኣብ ማህጸና ተሰከመቶ። ዝቐደመት ታቦት ኣብ ውሽጣ ሕገ ኦሪት ሓዘት፡ እታ ዳሕረወይቲ ግና ሕገ ወንጌል ተሰከመት፡ እታ ሓንቲ ናይ እግዚኣብሔር ድምጺ ሓዘት፡ እታ ካልኣይቲ ግና ንኣካላዊ ቃል ባዕሉ ተሸከመቶ።(ዮሐ 1፡14) እታ ቀዳመይቲ ታቦት ብውሽጥን ብደገን ብዝተለበጠ ታቦት ዘጌጸት ነበረት(ዘፀ 25፡11) ቅድስት ድንግል ማርአም ግን ብድንጋሌ ሥጋን ብድንጋሌ ነፍሥን ኣጌጸት። እታ ቀዳመይቲ ምድራዊ ብዝኾነ ወርቂ ዘብረቕረቐት ነበረት፡ ድንግል ማርያም ግን ብሰማያዊ ንጽሕና ዘጌጸት ነበረት። (ቅዱስ ኣምብሮስ)
5. ኣብ ቅድሚ ታቦት ንዝዘመረ ዳዊት ዝነዓቐቶ ሜልኮል እግዚአብሔር ማህጸና ዓጸዋ (2ይ ሳሙ 6፡23) ንታቦት ተደፋፊሩ ዝተንከፈ ዖዛ እግዚአብሔር ቀዘፎ (2ይ ሳሙ 6፡6-7) ነታ ኣማናዊት ታቦት ንድንግል ማርያም ሬሳኣ ከቃጽሉ ንዝፈተኑ ኣይሁድ ንሬሳኣ ብድፍረት ንዝሓዘ ተውፋንያ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ቅዱስ ገብርኤል መጺኡ ክልተ ኣእዳዉ ቆረጾ። ሎሚ ውን እንተ ኾነ ንድንግል ማርያም ዝጸርፍ ንኽብራ ዘቃልልን ዝንዕቕን አብ ርእሲኣ ናይ ትዕቢት ቃላት ዝዛረብን ከቢድ መቕጻእቲ ከም ዘለዎ ክግንዘብ ይግባእ። “እተን ንጻድቕ ብትዕቢትን ንዕቀትን ደፊረን ዝዛረባ ሓሰውቲ ከናፍር ይተዓበሳ ድኣ” (መዝ 31፡18) ዝብል ናይ ቅዱስ ዳዊት ቃል ከነዘኻኽሮ ድማ ግድን እዩ።
ኢትዮጵያዊ ቄርሎስ ዝተሰመየ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ውን “ዘየኽብረኪ ንልዕልናኺ ዘይሰግድን ንዘለዓለም ርጉም ኢዩ። ብፍጹም ልቦናኡ ዘይፈትወኪ ብዓቢ ሓሳቡ ዘየኽብረኪ ርጉም ኢዩ። ኣር.ዘሠሉ ገጽ 122፡11 ብከናፍሩ ዘየመስግነኪ ብልሳኑ ውን ዘይምርቐኪ ርጉም ኢዩ። ንክብርኺ ዘይሰግድ ንገናንነትኪ ዘይግዛእ ዕድል ፈንታኡ ጽዋእ ተርታኡ ገሃንመ እሳት ኢዩ። ኣር.ዘሠሉ ገጽ 122፡12
ኣቐዲሙ እዚ ቃል እዚ ብኣብርሃምን ካልኦት ቅዱሳንን ኣቢሉ እግዚአብሔር ገሊጽልና እዩ። ንኣቦና ኣብርሃም “ዝባርኹኻ ክባርኾም ዝረግሙኻ ድማ ክረግሞም እዩ” ( )ክብል እግዚአብሔር ተዛሪብዎ ኔሩ። ስለ’ዚ ንኣብርሃም ዝባረኸ ዝባረኽ ካብ ኮነ ንድንግል ማርያም ዝባረኸ ማዕረ ክንደይ ኣዝዩ ይባረኽ ይኸውን? ንኣብርሃም ዝረገመ ዝርገም ካብ ኮነስ ንድንግል ማርያም ዝረግም ማዕረ ክንደይ ይርገም ይኸውን? እቲ ኣቢ ሊቅ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ውን “ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ቅድሚ ሰብን እግዚኣብሔርን ብሓቂ ክብርቲ ኢያ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ክስከምዎ ዘይካሉ ንዓኡ ዝተሸከመት ናታ ዕቤታ ስለ ምንታይ ዘይንእውጅ?,,,,,ንጎይታ ዘኽብር ኩሉ ንጎየታ ዝተቐደሰ መሕደሪኡ የኽብር። መሕደሪኡ ዘየኽብር (ዝቃልል) ጎይታኡ የቃልል (ኣየኽብርን) ንሳ ድንግል ዝተቐደሰ መሕደሪኡ ኢያ። ክብል ገሊጽዎ ኣሎ (ቅዱሰ ጼጲፋንዮስ 310-403)
6. እታ ምሳልያዊት ታቦት ነቲ ናይ ዲያብሎስ ምሳሌ ዝኾነ ዳጎን ሰባቢራ ኣጥፍኣቶ (1ይ ሳሙ 5፡1-12) እዛ ኣማናዊት ታቦት ድንግል ማርያም ግና ነቲ ኃያል ጐይታ ብምውላድ ንዲያብሎስ ኣብ መስቀል ተሳዒሩ ከም ዝእሰር ገበረት።
ቅዱስያዕቆብ ዘሥሩግ ዝተባህሊ ሊቅ ውን ብምሥጢር ብምርቓቕ ዮሐንን ክብራ ኣብ ሰማይ ዝተመልከተላ ዳዊት ዕርገታ ዝመስከረላ ኣማናዊት ታቦት ቅድስት ድንግል ማርያም “ብምሥጢር ዝተመልአት ታቦት፡ ኣማናዊት ታቦት፡ እሳት ዝተመልአት ታቦት፡ ናይ ቅዱስ ቃል ታቦት” ብምባል እንዳኣብርሀ ተዛሪቡ ኢዩ።
እዚ ቅዱስ ኣቦ ንድንግል ምሥጢር ዝተመልአት ታቦት ክብል ዝኸኣለሉ ምኽንያት፡ ብናይዛ ታቦት ምሳሌነት ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ምሥጢር ብሓቂ ዝተፈልጠላ ስለ ዝኾነት ኢዩ። ብድግሜ ብምሥጢር ዝተመልአት ማለቱ ኣደነት ምስ ድንግልና ድንግልና ምስ ኣደነት ኣዛሚዳ ዝሓዘት፡ ዘርኢ ሰብኣይ ዘይወደቓ፡ ኢድ ሰብ ዘይዳህሰሳ፡ ብግብረ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ሰማይን ምድርን ዘይውስንዎ ጐይታ ብዘይምርመር ድንግልና ኣብ ማሕጸና ዝከኣለት ፍሉይ ምሥጢር ዝተረድአትን ብምሥጢር ዝተኸበበት ምሥጢረ ዕርገታ ዝንገረላ ናይ ምሥጢር ታቦት ስለ ዝኾነት ውን ኢዩ። ቅዱስ ያዕቆብ ነዚ ክገልጽ እንከሎ “....” (ድንግል ብምሥጢር ዝተመልአ ታቦት ኮይና ትነብር ኣላ፡ ናይ ካህናት ወገን ደስ ይብሎም የኽብርዋ ድማ” ብምባል ምሥጢራዊ ታቦትነታ ኣጕሊሑ ተዛሪቡ ኢዩ)
ደጊሙ ውን እዚ ሊቅ ነቲ እሳተ መለኮት ዝኾነ ጐይታ ፱ ወርሕን ፭ መዓልትን ኣብ ማህፀና ዝተሸከመት ብምዃና “እሳት ዝተመልአት ታቦት ብምባል ገሊጽዋ ኢዩ። እዚ ውን ኪሩቤልን ሱራፌልን ንዕኡ ካብ ምፍራህ ዝተላዕለ ብኽልተ ኣኽናፎም ገጾም ሸፊኖም ብኽልተ ኣኽናፎም ኣእጋሮም ሸፊኖም ኣብ ቅድሚኡ ዝቖምሉ እሳተ መለኮት ዝኾነ ጐይታ ፱ ወርሕን ፭ መዓልትን ኣብ ማህፀና ዝጸረት ናይታ ኣማናዊት ታቦት ዝኾነት ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ነገር ንብዙሓት ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቃውንት ኣደኒቑ እዩ። ኣባ ሕርያቆስ ውን ኣብ ቅዳሴኡ ኣብ ቊ 74-75 “ሸውዓተ መጋረጃ ሓዊ ኣብ ከርስኺ ኣበይ ተዘርግሐ ኣበይ ከ ተዳለዉ? ኣብ የማናይ ጐንኺ ድዩ ወይስ ኣብ ጸጋማይ? ብሠለስተ እመትን ሥድርን ቊመት ዝተወሰንኪ ክነስኺ፡ ጓል 15 ዓመት ቆንጆ ክነስኺ ነደ እሳት ዝኸበቦ ንዓይኒ ዘንጸባርቕ ኪሩቤል ዝስከምዎ መብረቕ ኣብ ከርስኺ ኣበይ ተዘርግሐ? ኣበይ ከ ተተኽለ? ብምባል እሳተ መለኮት ናይ ዝተሰከመት ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ነገር ኣድኒቑ እዩ።
ዘሎ ንህቢ ገጽ309 “
ቅዱስያእቆብ ዘሥሩግ ውን ብሥልጣን ናይ ወዳ ካብ ሞት ተንሢኣ ናይ ዝዓረገት ታቦት ኣምላኽ ናይ ዝኾነት ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ነገር ክገልጽ እንከሎ “They looked on her...” (ናይ እግዚአብሔር መንበሪ ኢሎም ይምልከትዋ፡ ኣባታቶም እሳት ዝተሰከመት ታቦት ጌሮም የኽብርዋ) ብምባል ምሂሩ እዩ። ብሣላሳይ ደረጃ እዚ ሊቅ ብምሥጢር ብምርቓቕ ናይ ቅዱስ ቃል ታቦት ክብል ዘመስገነሉ ምኽንያት፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብኣጻብዕቲ እግዚአብሔር ዝተጻሕፉ ዓሠርተ ቃላት ዘለዎም ጽላት ኣብታ ታቦት ይቕመጡ ነበሩ። (ዕብ 9፡3-5) ኣብ ዘመነ ሓድሽ ውን እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣካላዊ ቃል ኣብ ማሕፀና ዝተሰከመት ማህደረ ቃለ ኣብ ኣማናዊት ታቦት ብምዃና እዚ ስያሜ እዚ ክህባ ክኢሉ። ፍቊረ እግዚእ ቅዱስ ዮሐንስ ውን ኣብ ወንጌሉ ናይ ክርስቶስ ነገረ ተዋህዶ ክገልጽ እንከሎ “ቃል ሥጋ ኮነ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ድማ ኣባና ሓደረ” (ዮሐ 1፡14) ኢሉ ከም ዝመስከረ ኣካላዊ ቃል ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ሰብ ብምዃኑ ናይ እግዚአብሔር ቃል ኣብ ልዕሊኣ ካብ ዝተቐመጣ ታቦት ንላዕሊ ናይቲ ኣካላዊ ቃል ጐይታ ኣዲኡ ዝኾነት ናይ ኣማናዊት ታቦት ድንግል ማርያም ክብሪ ኣዝዩ ከም ዝዓቢ ክገልጽ እንከሎ “she was carried as an ark full of scriptur...” (ናይ ቅዱስ ቃል ታቦት (መሕደሪት) ኮነት፡ ናይ ምሥጢራት ትርጉም ነብያት ዝተዛረብሉ ኣብኣ ስለ ዝሓደረ በዚ ድማ ክብራ ካብቲ ናይ ጠረጴዛ ክብሪ ንላዕሊ እዩ። ብዘደንቕ ክብሪ ኣኽቢርዋ እዩ” ብምባል ዮሐንስ ኣብ ሰማይ ዝረኣያ ናይ ኣማናዊት ታቦት ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ክብሪ ተዛሪቡ እዩ።
ብዛዕባ ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ኣምላኽ ታቦትነት ናይ ጥንቲ ኣቦታት ምስክርነት
ንኣምላኽ 9 ወርሕን 5 መዓልትን ኣብ ከርሳ ዝጸረት ብነሐሰ 16 ብናይ ወዳ ሥልጣን ካብ ሞት ተንሢኣ ናብ ሰማይ ዝዓረገት ዮሐንስ ዝረኣያ ኣብ ሰማይ እትርከብ ናይ ኣማናዊት መቕደስ ናይ ቅድስት ድንግል ታቦትነት ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ዝነበሩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታት ዕሙቕ ብዝበለ ብሰፊሑ ምሂሮም እዮም። ካብቲ ብዙሕ ንምስክርነት ዝኸውን ወሑድ ናኢ ኣቦታት ሊቃውንት ትምህርቲ ነቕርብ።
“በቲ ጊዜ ሓቅነቱ (ምሥጢሩ) ንኽፍለጥ ካብታ ድንግል መድኃኒ ኣካላዊ ቃል፡ ብውሽጥን ብደገን ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ዘጌጸት ታቦት ብሥጋ ተገሊጹ ናብዚ ዓለም መጸ። እታ ታቦት ተገልጸት... ንሞት ዝስዕረሉ ታቦት ተወሃሂዱ ውን (እቲ ዘድኅን) መድኃኒት ናብዚ ዓለም መጸ። እዚ ውን ክቡር ሰብነቱ እዩ። (ቅዱስ ሂፖሊተስ 170-236 ዓ.ም)
“ብውሽጥን ብደገን ኣጊጻ አትርአ ዓለም ብምልእታ እትቕደሰሉ መዝገብ ዝተሸከመት ኣማናዊት ታቦት ቅድስት ድንግል እያ። ኦ ጐይታ ካብቲ ቀዳማይ ኣቦና (ኣዳም) ዝተላዕለ ዝወደቐ ነገድና ንኸተተንስእ ካብ ሕቚፊ ኣቦኻ ተንሥእ!... ኣብሣሪ መልኣኽ ሒዝዎ ዝመጸ መልእኽቲ ከምዚ ዝብል ነበረ፡ ነቲ ዝጠፍአ ኣዳም ንኽደሊ ፍቕሪ ገደደኒ ስለ’ዚ ክወርድ እየ፡ ኣቐዲሙ ብመልክዐይ ዝተፈጥረ ኣዳም ብኃጢኣት ነቲ ሥራህ ኣእዳወይ ኣበላሽይዎ እዩ’ሞ፡ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ሓቀኛ መልክዐይ ውን ኣደብዚዝዎ እዩ እሞ ክወርድ እየ። ስለ’ዚ ነዚ መልእኽቲ ሒዝካ ናብ ድንግል ማርያም ኪድ። እቲ ነቢይ “ኣንቲ ናይ እግዚአብሔር ከተማ ብዛዕባኺ ዝተነግረ ነገር ድንቂ እዩ ኢሉ ናብ ዝተነበየላ ናብታ እትዛረብ ከተማ (መዝ 87፡3) ናብታ ለባዊት ገነት፡ ናብታ ምብራቓዊት ኣፍ ደገ (ሕዝ 44፡2) ናይ ምቕባል ዝግበኣ ናብ ዝኾነት ናብታ ኣብ ምድሪ ዘላ ሰማይ ናብታ ብርህቲ ደመና ኪድ፡ ኬድካ ውን ከም ዝመጽእ ንገራ፡ ብኵነት ንኽሓድራ ኢለ ናብ ዘዳለኽዋ መቕደስ፡ ናብ ናይ ተዋሕዶ ኣዳራሽ፡ ብሠረጋ ንኽውለደላ ናብ ዝመረጽክዋ ንጽሕቲ ድንኳን ነዚ መልእኽቲ ሒዝካ ኪድ። ንዓይ ንምቕባል ንኽትዳሎ ናብታ ለባዊት ታቦት ኬድካ ኣብ እዝና ደስ ይበልኪ በላ። ንኸይተሰንብዳን ንኸይተቖጥዓን ግና ተጠንቀቕ። ኣቐዲምካ ደስ ብዘብል ሰላምታ ሰላም ንዓኺ ይኹን በላ፡ ቀጺልካ ድማ መንነትካ ግለጸላ” (ቅዱስ ጎርጎሬዎስ 213-270 ዓ.ም)
ኦ ጐይታ ድሕሪ ምውላድኪ ውን ዘለዓለማዊት ድንግል ዝኾንኪ ድንግል! ኦ ጸጋ ዝተመላእኪ ስምዕኒ! ተዝቆ (ተቐዲሑ) ካብ ዘይውዳእ ጸጋኺ መታን ክንባረኽ ነዞም ዘይጠቕሙ ቃላትና ከም ቁምነገር ቈጺርኪ ተቐበልልና። ካብ ውሽጢ ልቦናና ከም ዝወጽኡን ክብርኺ ንምምስጋን ዝበቕዑ ከም ዝኾኑ ጌርኪ ተቐበልልና። ኦ ጸጋ ዝተመላእኪ እመቤትና ንግሥትና ኣዴናን ወላዲት ኣምላኽናን፡ ዓለም ብምልኡ ዝቕደሰሉ መዝገብ ዝተሸከምኪ ሓቀኛ ኣማናዊት ታቦት፡ ካብ ዘረባና ሓንቲ ጽብቕቲ ነገር እንተረኸብኪ ብምባል ኵልና ፍጥረታት ኣምኃ ዝማሬና ነቕርበልኪ ኣለና.... “ኦ ድንግል! ብሓንቂ ንስኺ ካብቶም ዓበይቲ ዝበሃሉ ዝለዓልኪ ኢኺ፡ ኦ ማኅደረ ቃለ አብ! ምሳኺ ክመዓራረ ዝኽእል መን እዩ? ኦ ድንግል ምሰየናይ ፍጥረት’ሞ ከወዳድረኪ እየ? ንስኺ ካብቲ ኣቐዲሙ ብወርቂ ዘጋየጸ ናይ ወርቂ ታቦት ንላዕሊ ብንጽሕና ዘጋየጽኪ ክብርቲ ኢኺ። ሓቀኛ መና ዝተሸከምኪ ናይ ወርቂ ሞሰብ ንስኺ ኢኺ። መና ዝተባህለ ውን መለኮት ዝተዋሓዶ ሥጋኡ እዩ” (ቅዱስ ኣትናቴዎስ 295-375 ዓ.ም)
ብርግጽ ውን እታ ታቦት ድንግል ወላዲተ ኣምላክ እያ። ኣቤቱ (ኣየ) ንዓካ ዕንቊ እንተመሰልናካ ንድንግል ድማ ነባቢት ታቦት ንብላ። ኣማናዊ ፀሓይ ንስኻ ኢኻ’ሞ ድንግል ድማ ሰማይ ንብላ፡ ዘይትጽምሉ ጽጌ ንስኻ ኢኻ፤ሞ ብዘይ ጥርጥር ድንግል ምብስባስ ዘይብላ ጨንፈር ብድጋሜ ውን ሞት ዘይሥልጥነላ ገነት ንብላ፡ ኢሳይያስ ውን ብመንፈስ ቅዱስ ተቓንዩ ካብ ርሑቕ ምስ ረኣያ፡ እነሆ ድንግል ብድንግልና ክትወልድ እያ ስሙ ውን ኣማኑኤል ክትብሎ እያ” (ኢሳ 7፡14) እዛ ድንግል እዚኣስ መን ኮን ትኸውን? ካብ ኵለን ኣንስቲ ዝተፈልየት ካብ ኵለን ደናግል ዝተመርጸት ናይ ባህሪና መመክሒ ናይ ክብርና ውን ኣኽሊል ዝኾነት፡ ኣምላኽ ብምውላድ ሔዋን ካብ ሕፍረት ንክትድሕን፡ መርገም ካብ ኣዳም ንኽርሕቕ፡ ናይ ድራጎን ክፉእ ስራሕ ከም ዝቆራረጽ ዝገበረት፡ ናይ ምንዮት ፍላጻ ዘይተንከፋ፡ ናይ ፍቓድ ፈቲው ፈጺሙ ዘይጎድኣ ወላዲተ ኣምላክ ቅድሰት ድንግል ማርያም እያ... ኦ ጐይታ ንስኻን ታቦት መቕደስካን ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ተንሥእ! እዚኣ ውን ወላዲተ ኣምላክ ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። (መዝ 132፡8) ንዓካ ብዕቊ እንተመሲልናካ ብዘይጥርጥር ንድንግል ድማ ነባቢት ታቦት ንብላ። (ሄስክዩስ 300 ዓ.ም)
ካብ ጐኒ ኣዳም ብዝወጸት ዓጽሚ ክፉእ ሰይጣን ናይ ኣዳም ልቢ ኣውጽኦ (ኣስሓቶ) ሓይሊ ዝተመልአት ከም ንዳጎን ንሰይጣን ዝቖርረጸት ካልእ ዓጽሚ ድማ ካብ ጐኒ ኣዳም ወጸት። ኣብ ውሽጠ ታቦተ ጽዮን ንሰይጣን ዘግዓረት ሓንቲ ዝተሰወረት ጽሕፈት (እዛ ዓጽሚ) ድንግል ማርያም ነበረት። እታ ጽሕፈት ምስ ተገልጸት ዳጎን ተቖራሪጹ ዝወደቐ ድማ በዚ እዩ። ኣቐዲሙ ምሳሌ ቀጺሉ ድማ ኣማናዊ ክመጽእ ግድን ስለ ዝኾነ። ስለ’ዚ እቲ ክፉእ ተደርበየ ምሥጢሩ ድማ ተፈጸመ እዛ ምሥጢር እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። ብኣማናዊ በጊዕነቱ ዝተበጀወና ነቲ ዘጥፍኣና ዳጎን ዘጥፍኣልና ንሱ ብሓቂ ብሩኽ እዩ። ኦ ናይ ጳጳሳት መአከቢኦም ናይ ጻድቃንን ደናግልን ኣኽሊሎም፡ ንጽሕናኺ ካብ ማንም ንላዕሊ ክብ ክብ ዝበለ ናይ እግዚአብሔር መዓጠንቲ ዝኾንኪ፡ ኣዝያ ዝደመቐት ፋና ሰማያዊ መና ዝተመልአት ኣዝያ ዝወቀበት ሞሶብ ንደቂ ሰብ ዝተጻሕፈ ሕጊ ዝሓዘት ጠረጴዛ፡ ኣማናዊት ታቦት መለኮት ባዕሉ ዝጽሕፈላ ብራና ካብ ኵሎም ጠቢባን ንላዕሊ ብልሂ ዝኾነት ንግሥቲ፡ ኵሉ ግዜ ብርሃን እትህብ ድንግል፡ ኣዝያ እተጸናንዕ እትመርሕ ቅድስተ ቅዱሳን ኣገልጋሊ..... ንሱ ርእሳ ስለ ዝኾነ ሰበይቲ ንሰብኣይ ተገልግል፡ ዮሴፍ ግን ኣምላኽ ኣብ ማሕጸና ስለ ዝተሽከመት ንድንግል ማርያም ንኸገልግላ ተንሥአ፡ ካህን ዘካርያስ ውን ቅድስናኣ ተመልኪቱ ኣብ ቅድሚ ኣማናዊት ታቦት ኣገልገለ። ሙሴ እግዚአብሔር ብኣጻብዕቱ ዝጸሓፈሎም ጽላት ተሰከመ፡ ዮሴፍ ግን ፈጣሪ ኣብ ማሕጸና ዝተስከመት ንጽሕቲ ጽላት ሓዘ” (ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ 306-373 ዓ.ም)
ናይ ክርስቶስ መልክዕን ምሳሌን ዝግለጻላ ዝነበረ ታቦት ነበረት፡ እዚ ውን ተቓዳምን ተኸታልን ዘይብሉ ናይ ወልድ ዋሕድ ሰብ ናይ ምዃን ምሥጢር ምልስ ኢልና ክንምልከት እንከለና፡ ልክዕ እታ ታቦት ከም ዝኾነ ኣካላዊ ቃል ባዕሉ ኣብ ድንግል ማሕጸን መቕደስ ክሓድር እንከሎ ንርኢ” (ቅዱስ ቄርሎስ)
እንሆ ድንግል ማርያም ኣደን ኣገልጋሊትን ደመናን ድንኳንን ከምኡ ውን ናይ ጐይታ ታቦት ኮይና ኣላ። ስለ’ዚ ንዑ ንስኺ ካብ ኵለን ኣንስቲ ዝተፈለኺ ዝተባረኽኪ ኢኺ፡ ናይ ሔዋን ናይ ምድኀና ምኽንያት ንስኺ ጥራይ ኢኺ። ዓለም ብደሙ ዝገዝአ ጐይታ ዝተረኸበልኪ ንስኺ ጥራይ ኢኺ እንዳበልና ንወድሳ።(ቅዱስ ፕራክልዮስ)
“እዛ ታቦት እዚኣ እያ ካብ ቤተ ልሔም ተበጊሳ ኣብ እምባታት ጽዮን ዝዓረፈት። እዛ ታቦት እዚኣ እያ ነቲ ናይ ኵሉ ንገሥ ዝኾነ ወልድ ኣብ ንጹሕ ማህጸና ዙፋን ዝኾነቶ፡ እዛ ታቦት እዚኣ እያ ነቲ ምስ ኣቡኡ ማዕረ ዝኾነ (ብልዕልና ዝመዓራረዮ) ንወልደ እግዚአብሔር ዙፋኑ ዝኾነቶ እዚኣ ታቦት እዚኣ እያ። ካብ ባህሪ ኣቡኡ ምንም ከይተፈልየ ኣካላዊ ቃል ንጹሕ ዝኾነ ሥጋኣን ነፍሳን ወሲዱ ዝተወሃሃደ .... መንፈሳዊት ዙፋን፡ ኦ ልዕል ልዕል ዝበልኪ እግዚአብሔር ባዕሉ መሪጹ ዘዳለወኪ ድንግልን ኣደን! ብዛዕባኺ ዝንገር ምሥጢር ብሓቂ ዓቢ እዩ............... እዛ ናይ ቃል ኪዳኑ ታቦት እታጋርድ ናይ’ቲ መቕደስ መጋረጃ ናትኪ ምሳሌ እያ። ስለ’ዚ ናትኪ ምሳሌ ካብ ዝኾነት ታቦት ክንድዚ ዝኣክል ዓቢ ክብሪ ካብ እግዚአብሄር ዝተጎናጸፈት ካብ ኮነት፡ ሥልጣነ ክህነት ዘለዎም እንተዘይኮይኑ ንዓኣ ክርእዩን ኣትዮም ክትንክፍዋን ንማንም ዘይከኣል ካብ ነበረ፡ ንዓኣ ዝጋርድ መጋረጃ ከም ንግሥቲ ይሕልዋ ካብ ነበረ፡ ኣማናዊት ንግሥቲ፡ ሕጊ ዝሃበ ሕያዊት ናይ እግዚአብሔር ሓቀኛ ታቦት፡ ነቲ ማንም ክስከሞ ዘይክእል እግዚአብሔር ኣብ ማሕጸንኪ ክትስከሚ ዝኸአልኪ ንዓኺ እሞ ካብቶም ትሕቲ ኵሉ ዝኾንና ዘይንጠቅም ምናምን ካብ ዝኾንና ካባና ከመይ ዝበለ ልዕልናን ክብርን ይግበኣኪ ይኸውን።(ቅዱስ ሜቶድየስ 815-885 ዓም)

በረከትን ኣማላድነትን ተራዳእነት ኣደና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣይፈለየና ኣመን !!!

ምንጪ ፣ ፋይስቡክ ናይ ወልደኣብ ገብረመስቀል ሃውና ዝተረክበ 

No comments:

Post a Comment