ቃለ ቡራኬ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ተዋድሮስ 2ይ፡ ብምኽንያት በዓል ትንሥኤ-2016 ብትግርኛ

ለሰይጣን አግአዞ ለአዳም ሰላም እምይዜሰ ኮነ ፍስሐ ወሰላም! ፍቱዋት መንፈሳውያን ደቀይ! እንቋዕ ናብዚ ብርሃነ ትንሳኤ
ኣብጸሓኩም። ኣብዚ በዓል'ዚ ድማ ፍጹም ሓጎስ ኪኾነልኩም ይምነ።
ንምሉእ ግብጣዊት ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን፡ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ጳጳሳት፡ ካህናት፡ ድያቆናትን ሰበኻ ጉባኤን እንቋዕ ሓጎሰኩም
እብል። ከምኡ'ውን ንዂሎም ኣገልገልቲ ፡ መንእሰያት፡ ሕጻናትን ንኲሎም ክርስቲያናት ስድራቤታት ብሓፈሻ እንቋዕ
ኣብጽሓኩም እብል። ንዂሎም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ግብጣውያን ሃገረ ስብከታት እንቋዕ ኣብጽሓኩም! ርሑስ በዓል
ትንሳኤን ሎምን ኲሉ ሳዕን ብምሉእ ጥዕና ክትነብሩ ይምነ።
ብርግጽ፣ በዓለ ትንሳኤ ርእሲ ናይ ኲሎም በዓላትና፡ ኣኽሊል ናይ ኲሉ ደስታናን ንልብና ፍጹም ምልኣት ዝህብን በዓል'ዩ።
ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ መዓልታዊ እነብዕሎ በዓል እዩ። ብዛዕባ በዓለ ትንሳኤ እንተ ሓሲብና፡ ንኣብ መስቀል ዝተሰቅለ
ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝክር። ንሱ ብርግጽ ሞተ፡ ነዚ ድማ ብዙሓት ምስክራት ኣለዉ። ንሳቶም ድማ ሓለቃ
ሚእቲ፡ ሓለውቲ መቓብር፡ ንመቓብር ዝበጽሐት ሰበይቲ፡ ንሥጋ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወሰደ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያ፡ንጎይታ
ዝመርመሮ ጴንጤናዊ ጲላጦስ'ዮም። ኣብ መስቀል ከም ዝሞተ መረጋገጺታት ድማ፡ መጋረጃ ቤት መቅደስ ኣብ ክልተ
ምትርታሩ፡ መግነዚኡ ኣብ መቃብር ብምጽንሑ፡ ዓቢ እምኒ ናይ መቃብር፡ እቶም ብሮማ ግዝኣት መቃብር ዝሕልዉ ዝነበሩ
ሓለውቲ'ዮም። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ እቲ ብትእዛዝ ሮማዊ ግዝኣት ኣብ ልዕሊ እምኒ ዝተገብረ ማሕተም ተወሳኺ መረጋገጺ
እዩ። እቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቅለ ክርስቶስ፣ ከምቲ ኣብ ጸሎት ሃይማኖት እንደግሞ፡ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ተንስአ። እቲ ናይ
ትንሳኤ ምስክርነት ካብ መላእኽቲ'ዩ ዝመጸ። እቲ መልኣኽ ድማ ክርስቶስ ካብ ምውታን ከም ዝተንስአ ኣበሰረ። እቶም
ሓለውቲ ብስምባደ ናብ ምድሪ ወደቁ። ሊቃነ ካህናት ድማ ናይ ሓሶት ዜና ዘርግሑ። -ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ'ውን ብዙሕ
ግዚያት ንደቂ መዛሙርቱ ተራእዮም። ነዚ ዘብርሁልና ብዙሓት እዮም። ንኣብነት ንምውሳድ፡- ኣብ ግዜ ትንሳኤኡ ዘጋጠመ
ምንቅጥቓጥ ምድሪ፡ ካብ መቃብር ዝተንከራረወ ገዚፍ እምኒ። ኣብ ግዜ ትንሳኤ፡ ነታ ንስጋ ጎይታ ብምኡዝ ሽታ ክትቀብእ
ዝመጸት'ሞ፡ ክርስቶስ ካብ ምውታን ተንሲኡ፡ መግነዝን መኣረምያን ጥራይ ብምጽንሑ፡ እቲ መቃብር ጥርሑ ዝጸንሓ ሰበይቲ
ንዝክር።
-ኣብ ግዜ በዓል ትንሳኤ፡ "እዚ ትንሳኤ'ዚ ኣብ መጀመርያ ዓመታት ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን (33 ዓ.ም) ስለ ዘጋጠመስ፡
ትንሳኤ ንዓና ኣብዚ 21 ክፍለ ዘመን እንታይ ትርጒም ክህበና ይኽእል፧" ዝብል ሕቶ ክለዓል ይከኣል።
ረብሓ ትንሳኤ ክርስቶስ እንታይ'ዮ፧ ናይ ትንሳኤ ትርጒም ብውሑድ ነጥብታት ክገልጽ ክፍትን እየ። 1ይ- ትንሳኤ
ንሓደ/ንሓንቲ ሰማያዊ ፍጥረቱ ክግንዘብ ይድርኾ።
-ንስኻትኩም ኲላትኩም ብመልክዕን ብምስሊ ኣምላኽን ዝተፈጠርኩም ሰማያውያን ፍጥረታት ኢኹም። ንሱ ድማ፡
ብመንፈሳዊ መልክዑን ብዝተሓለነ ምስሉን'ዩ። -እቲ ናይ መጀመርያ ሰብ ነዚ ናጻ ፍቃድ'ዚ ብጌጋ ተጠቐመሉ። ከም ውጽኢት
ናጽነቱ ድማ ሕጊ ኣምላኽ ጠሓሰ፡ ልቡ'ውን ሰበረ። ወዲ ሰብ ወደቐ፡ እቲ ካብ ኣምላኹ ዝተዋህበ'ውን ምስሊ ድማ ጸልመተ።
እዚ ጸልማት'ዚ ድማ ንመንፈሳዊ ሕይወት ቀዳምነት ዘይምሃብን ነውጽን ኣስዓበ። ወዲ ሰብ ድማ ሓቂ ንኽቅበል
ኣይተኻእሎን። ንገለ እዋናት ድማ ኣምላኽ ብቃል ነብያት ድሒሩ ድማ ብስጋዊ ትስብእቱን ምስ ሕዝቡ ተዛረበ።
እቲ ዕላማ ድማ ነቲ ብሩህ መልክዕ ክጽግኖን ምስቲ ግሩም ምስሉ ክተዓረቅን ነበረ። ትንሳኤ ንወዲ ሰብ ነቲ ዝተሓደሰ
ብርሃን ክህቦ'ዩ ዝተፈጸመ። ወዲ ሰብ ድማ ብትንሳኤ ናይ ቀዳም ብርሃኑ ለበሰ። ነዚ እዩ ድማ ኢየሱስ"፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን
ዘበለ ኣብ ጸልማት ኣይክነብርን'ዩ" (ዮሓ 12፡46) ዝበለ። ምኽንያቱ፡ ብርሃን ናይ ትንሳኤ ነቲ ጸልሚቱ ዝነበረ ምስሊ ኣምላኽ
ተሓዲሱ ክንጸባረቕን ንሰብ ድማ ሰማያዊ ፍጥረቱ ክግንዘብ'ዩ። እዚ ድማ ናይ መጀመርያ ኣገዳስነት ናይ ትንሳኤ እዩ።
እቲ ካልኣይ ነጥቢ ድማ፡ ሰብ ዘቚርጽ ዘይኮነስ ብተስፋን ትጽቢትን መዓልታዊ ናብራ ክነብር የኽእሎ። ሎሚ እምበኣር ነዚ
ተስፋ'ዚ ኢና ኣመና ንደልዮ። ነታ ብጓሂ ንጎይታኣን ንመምህራን ኣብ መቓብር ክትደሊ ዝኸደት ማርያም መግደላዊት
ዘክርዋ።ምስኣ ዝተዛረበ ናይ ዝኾነ ኣካል ድምጺ ምስ ሰምዐት፡ ሓላዊ ኣታኽልቲ መሰላ። ንጎይታ ደልያ ድማ ኣምሪራ ትበኪ
ነበረት። ኣብ መወዳእታ ግን፡ "ማርያም" ምስ በላ ፈለጠቶ። እናበኸየት ድማ "ረቡኒ" ብምባል መለሰትሉ። (ዮሓ 20:16)
ትርጒሙ ድማ መምህረይን ጎይታን ማለት እዩ። ኣብ ግዜ ትንሳኤ፡ ኢየሱስ ንክልተ ብዛዕባ ትንሳኤ ጎይታ ልቦም ዝዓወረ
ተራእዮም። ንዕኦም ናብ ኤማሁስ ዝብሃል ጥቃ ኢየሩሳሌም ክኸዱ ከለዉ'ዩ ዝተራእዮም። ኣብዚ ኣጋጣሚ'ዚ ንሓድሕዶም
"እቲ ኣብ መገዲ ኪዛረበናን ነተን ጽሑፍ ኪትርጒመልናን ከሎ'ዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን" ተበሃሃሉ። (ሉቃ 24፡32)
ተስፋ ምቊራጾም ድማ ተስፋውነት ተተክአ። ኣብ ተመሳሳሊ ኲነት፡ ነቶም ኣብ ከቢድ ፍርሒ ዝነበሩ ደቂ መዛሙርቱ'ውን
ጎይታ ከም ዝተራእዮም፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ "እቶም ደቂ መዛሙርቱ'ውን ጎይታ ምስ ረኣዩ ተሓጎሱ" ዝብል ንነብብ። (ዮሓ
20፡20)
እቲ ሳልሳይ ኣገዳስነት ትንሳኤ ንናይ'ዚ ዘመንና ሰብ ድማ ፡ ምቅባል ክዕበት ጸጋ ብትንሳኤኡ እዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና
ንትንሳኤ መዓልታዊ ትሓስቦን ኣብ ጸሎት ድማ ትዝክሮን። ኣብ መፈለሚ ጸሎታት መጽሓፍ ሸውዓተ ሰዓታት፡ እቲ ኣብ
ወጋሕታ ዝተፈጸመ ትንሳኤ ንዝክሮ። ኣብ ቅዳሴ ኲለን ሰናብቲ ድማ ብሓባር ኴንና እታ መዓልቲ ትንሳኤ ከም ምዃና
ነብዕሎ። እዚ ሰሙናዊ በዓል'ዚ፡ ኣብ መበል 29(በዓለ እግዚኣብሔር) ግብጣዊ ዓውደ ኣዋርሕ ብስራት ልደት ጎይታ፡ ልደትን
ትንሳኤን ኢልና ነብዕሎ። ዓመታዊ ድማ ነቲ ን 50 መዓልቲ ዝናዋሕ ትንሳኤ "50 ቅዱሳት መዓልትታት" ብምባል ነብዕሎ።
እዚ ድንቂ ዝኾነ ምስሊ'ዚ ኣብ ግዜ ጥምቀትና 3 ግዜ ኣብ ማይ ድሕሪ ምጥላቅና እንረኽቦ ጸጋ'ዚ፡ ነቲ ጎይታ ኣብ መቓብር 3
መዓልቲ ዝገበሮ ምሳሌ እዩ። ነዚ'ዩ ካህን ንቅዱስ ቁርባን ክንወስድ ክንዳሎ ከለና ግዜ፡ ብዓብይ ድምጺ ኣብታ ናይ
መወዳእታ ጸሎተ ንስሓ፡ " እዚ ንሕድገት ሓጢኣትን ንመድሓኒትን ነቶም ካብኡ ኣሚኖም ዝወስዱ ናይ ዘልኣለማዊ
ሕይወትን ዝህብ'ዩ" ዝብል። ኣብ ኲሉ ቅዳሴ ነቲ ቅዱስ ስጋኡን ክቡር ደሙን፡ ሕይወትና መታን ክሕደስ ብብርሃነ ትንሳኤኡ
ንቅበል። ኣብ "ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙ'ውን እንተ ዘይሰቲኹምስ ሕይወት ከም ዘይብልኩም ብሓቂ ብሓቂ
ይብለኩም ኣለኹ።" (ዮሓ 6፡53) ከም ዝብል። ብተወሳኺ፡ ትንሳኤ ከይተረድኣና፡ ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ ክንርዳእ
ኣይንኽእልን። ኣቦታትና ንወንጌል ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ፡ ንብርሃነ ትንሳኤኡ ብምርኣይ ጽሒፎሙልና። ትንሳኤ ንዂሉ
ሰብ ብማዕረ ዝተዋህበ መስዋእቲ እዩ። ሓጎስ'ውን እዩ። እዚ ሓጎስ'ዚ ኣብ ሕይወትና ክንጸባረቅን መዓልታዊ ክንጽንብሎን
ይግበኣና። ትንሳኤ ዓመታዊ ሕዳሴ ሕይወትና እዩ። ብትንሳኤ ተደሰቱን ምስኡ'ውን ንበሩ። ኣብ ናይ ፍርቂ ለይቲ ማሕሌተ-
ዳዊት ጸሎትና፡ ""ኣቱም ደቂ ብርሃን፡ ኣምላኽ ሓይልታት ብድሕነት ነፍስና ከጸግወናስ፡ ምስጋና ከነቕርበሉ ንተንስእ"
ብምባል ንጽሊ። "ኣቱም ደቂ ብርሃን ተንስኡ! " መዓልታዊ ጻውዒት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ብትንሳኤ ደቂ ብርሃን ኢና
እንኸውን። ብንትሳኤ ንጎይታ ጻብኦት ነመስግኖ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝብለና፣
" ብእኡ ክንድሕን ዝግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንደቂ ሰባት ኣይተዋህበን። ስለዚ ድሕነት ብሓደ ካልእ ከቶ የልቦን"
(ግብ.ሓዋ 4፡12) ብርሃን ትንሳኤ ሓጎስ'ዩ።
እዚ ደስታ'ዚ፡ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና ክሰፍር ድማ ንጽሊ። ኲላትኩም ብትንሳኤ፡ ኣብ ሕይወትኩም፡ ገዛኹም፡ ስድራኹም፡
ስራሕኩም፡ ኣገልግሎትኩምን ቤተ ክርስቲያንን መዓልታዊ ተሓጎሱ። ትንሳኤ፡ ንግሆ ክንትንስእ ከሎና፡ ሕይወትና መታን
ወትሩ ክሕደስ፡ ደስታና ክኸውን ይግባእ።
ብድጋሜ፡ ንዂላትኩም እንቋዕ ኣብጽሓኩምን ኣብጽሓናን እናበልኩ፣ ሰላምታይ ካብ ግብጺ፡ ቤተክርስቲያንና፡ ዂሎም
ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ኣባላት ቅድስቲ ሲኖዶስ፡ ዂሎም ካህናትን ከምኡ'ውን ዂሎም መእመናን መእመናትን የብጽሕ።
ክርስቶስ ካብ ምዉታን ተንሲኡ፡ እወ! ኣማን ብኣማን ተንሲኡ።
Coptic Orthodox Patriarchate
His Holiness Pope Tawadros II
Pope of Alexandria and
Patriarch of the See of St. Mark
The Papal Center
قداسة البابا األنبا تواضروس الثاني
222 Ramses St., Abbaseya, Cairo, Egypt
Tel: 024822580 Fax: 0235365880
222 شارع رمسيس ، العباسية ، القاهرة ، مصر
email: office@popetawadros.org 0235365880 :فاكس 024822580 :تليفون
No comments:
Post a Comment