ማህበር ስላሴ ቤተ-ክርስያን ኦርተዶክስ ተዋህዶ ኤረትራውያን አብ በልጁ

ዜማ ውዳሴ

ነማዕቑባ
በታ ቐጣን መንገዲ ንኺድ እንዶ
ብጎይታ ዝፈቕዶ ዋላ ኣይንክኣሎ ንፈትን ንላመዶ 
ኣይንፍራሕ ከይኣተና ኮለገና ማዶ

ወልደኣብ ወልደማርያም ኣምላከ እድህኖናይ
 ማርያም ድንግል ልማኖ
ጸሎት ቅዱሳንዩ ኩሉ ዘካውኖ
ከንወድቕ ከይንስልኪ
ፍረ ከይሰኣኖ 
ናይ ጉዕዞና ሃልኪ
እብቲ ዘመን ፍርዲ ከይንሓፍር ከይንበኪ

ንለምን ፈታሪ ከምብረና ብጽድቂ

ሂቡና ኮሎ መንፈስ ሓቂ
ምስኡ ይሕሸና ብኡነት ናይ ብሓቂ


ጥምት እሞ ነብላ

ክሳብ መኣስ አና ከነመኽንየላ
እዛ ሂወት ምሳና ዘላ
ፈረ ኣልቦ ጻጸ ዘይኸድን ጽላላ
ማዕበላት ሓትያት ነው ነጀው ከብላ
ወረ ኪሳብ መዓስያ ክትነብር ኮብሊላ
ጸሓይ ብድምቅታ ብርሃን ዝኽወላ
ይኣክለኪ ሕጂ ጎይታ ብዝፈቀዶ ንኪድ ንበላ
ሰራውር የብላን ኣብ መሬት ዝሸኽላ
ግዜ ከየርከባ ዋንኣ ከይጠቕለላ

ስብሓት እግዛብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ነቕርብ ኣሜን!!!!

No comments:

Post a Comment