ማህበር ስላሴ ቤተ-ክርስያን ኦርተዶክስ ተዋህዶ ኤረትራውያን አብ በልጁ

Sunday, October 25, 2015

ታሪኽ ሕይወት ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ


"ሠናየ ገድለ ተጋደልኩ በድርየኒ ፈጸምኩ ወሃይማኖትየኒ ዐቀብኩ"


ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ፡ ካብ ንእግዚአብሔር ዝፈርሁ ሥድራ፡ ኣቦኦም መልኣከ ሰላም ኢያሱ ኣብርሃምን ካብ ኣደኦም ወለተሚካኤል ንጉሠን ኣብ መበቈል ዓዶም በራኽ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ብ፳፩ ሚያዝያ ፲፱፻፳፬ ዓ.ም.ግ. (29 ሚያዝያ 1932 ዓ.ም.ፈ.) ተወሊዶም።
 ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ
ዕድመኦም ንትምህርቲ ምስ በጽሐ ኣፎም ዝኸፈቱን ልሳኖም ዘጽረዩን ብቃል እግዚአብሔር እዮም። ነዚ ምሉእ ዕድመኦም ዝተመገብዎን ኣብ ልቢ ሕዝበ ክርስቲያን ዘውሓዝዎን ምሥጢር እግዚአብሔርን፡ እምነትን ሥርዓተ ኣምልኮን ቤተ ክርስቲያን ፊደል ቈጺሮም ዝተመሃርዎ ኣብ የኔታ መለስ እዮም።ግብረ ዲቁና ኣብ ዓዶም በራኽ ካብ የኔታ መለስ ምስ ኣጻፈፉ፡ ካብ መምህር ድጓ የኔታ ብርሃነ ቃል ትምህርትን ጾመ ድጓን ኣብ ሸካኢያሞ መራጉዝ ተማህሩ። ርድእናኦምን ጥብዓቶምን ተራእዩ፡ ካብ ኣቡነ ማርቆስ ሢመተ ዲቁና ብ፲፱፻፴፪ ዓ.ም.ግ. ተቐበሉ።ንዘለዓለም ዝፍልፍል ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይ ዝኃዘ ዒላ ትምህርተ ቤተ ክርስቲያን ካብኡ ካብ ምቕዳሕ ይኣክለኒ ዘይብሉ ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ ትምህርቶም ዝቐጸሉ ቅኔን መዝገብ ቅዳሴን ካብ የኔታ በርሀ ኣብ ማይለሓም መራጉዝ እዮም።
ኣቋቋም ኣብ መቓብር ጸብላ ቈሓይን ዝነበሩ የኔታ ወልዳይ ገብረትንሣኤ ክብረ በዓል ተማህሩ። ከምኡ’ውን ክብረ በዓልን መዝሙርን ካብ የኔታ ክፍለ ብተወሳኺ ከኣ ካብ የኔታ ይትባረክ ኣብ ወኪዱባ ጸዓዘጋ ብግቡእ ተማህሩ።ዝማሬን መዋሥዕትን ካብ የኔታ ተስፋማርያም ታኪታ ዝተማህሩ ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ ካብ ዝተፈላለዩ መምህራን ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜን ቦታን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሂሮም። መንፈሳዊ ትምህርቲ ካብ ዝተፈላለዩ መምህራን ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜን ቦታን ንክቐሥሙ ልዕሊ 16 ዓመት ወሲድሎም። ምስ መንፈሳዊ ትምህርቲ ውን ጥቕሚ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ብዕምቈት ብምርዳእ ክሳዕ 9ይ ክፍሊ ተማሂሮም እዮም።

ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ ብ፲፱፻፵፬ ዓ.ም.ግ. ቃል ኪዳን ምስ ወ/ሮ ኣልጋነሽ ኣርኣያ ኣሰሩ፡ ንዝዓበየ መዓርግ “ይደልዎ” ተባሂሎም ካብ ኢድ ኣቡነ ማርቆስ ሢመተ ክህነት ዝተቐብኡ ብ፲፱፻፵፰/1948 ዓ.ም.ግ. እዩ።ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ ሞያዊ ኣገልግሎቶም ብሥሩዕ ዝጀመሩ ኣብ ሸካኢያሞ መራጉዝ እዮም። ብመሪጌትነት ን7ተ ዓመት ኣብ ዝተቐመጡለን ጊዜያት ልዕሊ 80 ተማሃሮ እናመሃሩ መክሊቶም ኣርቢሖም ብዙኃት ዲያቆናትን ካህናትንኣፍርዮም እዮም።ዕምቈት ፍልጠቶምን ፡ ብስለት ኣእምሮኦምን ትግሃት ኣብ ሥራሖምን ዝተዓዘቡ ንቡረ እድ ዲሜጥሮስ፡ ንዝለዓለ ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ሥራሕን ማኅበረ ሓዋርያት ዓይኖም ኣውደቑሎም። ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ናይ ማኅበረ ሓዋርያት ኣካያዲ ሥራሕ ኮይኖም ተመደቡ። ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ ብቅድሚኦምን ድኅሪኦምን ዘይተራእየ ን11 ዓመት (1960-1971 ዓ.ም.ግ.) ኣካያዲ ሥራሕ ኮይኖም ኣብ ዘገልገሉ ጊዜ ዘበርከትዎን ዘፍረይዎን ዘሰላሰልዎን መንፈሳውን ሓዋርያውን ምምኅዳራውን ልምዓታውን ሥራሓት ብዙኅ እዩ። ናይ ኣብያተ ክርስቲያን ገሊላ ማርያም ሻምቡቆ፡ ታቦተ ኢያሱስ ብሹካ መድኃኔዓለም፡ ኣውጋሮ . . . ወዘተ ቀንዲ ተጸዋዒ ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ ነይሮም። ኣብዚ ቦታ እዚ መጓስ ክርስቶስ ንምስፋሕ ካብ ኣረማውነት ናብ ክርስትና እናለወጡ ከባኪ 350 ኣባላት ብሔረ ኵናማ ምጥምቖም ጥራይ ክንሰምዕ ከሎና ክሳብ ክንደይ ኣብዚ ዳኅረዋይ ዘመን መግለጺ ዘይርከቦን ዓቢይ ሰማያዊ ዓስቢ ዘለዎ ሓዋርያዊ ዕዮ ከምዝፈጸሙ ከረድኣና ይኽእል። ምስ ሕዝቢ ኵናማ ተዋሓሒዶም ነቲ ሕዝቢ ንኽጓስዩ ዝፈጸምዎን ዝተጣበቡሉን ሓዋርያዊ ጥበብን ተጋድሎን ኣዝዩ ብዙኅ እዩ።ኣብ ጋሽ ባርካ ን11 ዓመት (1960-1971) ዓቢይ መንፈሳውን ሓዋርያውን ኣካዳምያውን ልምዓታውን ዕዮታት ኣሰላሲሎምን ጉልበቶምን ፍልጠቶምን ኣፍሲሶምን በቲ ኣብ 1971 ዓ.ም. ዝነበረ ከቢድ ኵነታት ጸሊዎም ከይፈተዉ ናብ ኣሥመራ ከምርሑ ተገደዱ። ኣብ ኣሥመራ ምስ መጹ፡ ካብ ጽላል ማኅበረ ሓዋርያት ከይወጹ ርእሰ መምህር ናይ ቤት ትምህርቲ ማኅደረ ማርያም (ማኅበረ ሓርያት ፍሬ ሃይማኖት) ኮይኖም ን17 ዓመት ኣገልገሉ። በዚ ከይተወሰኑ ድማ ኣብ መካነ ሕይወት መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ክሳዕ ኃላፊ ትምህርቲ ሰንበትን ስብከተ ወንጌልን ድኅሪ ምግልጋል ሰበካ ጉባኤ ምስ ቈመ ውን ከም ምክትል ሊቀ መንበርን ክሳብ ኣመኃዳርን ኮይኖም ንልዕሊ 20 ዓመት ሠሪሖም። ብድኅሪኡ ውን ናብ ካርቱም ሱዳን እዮም ተላኢኮም። ብሕዝበ ክርስቲያን ኤርትራውያን ዝቈማ ኣብያተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤልን ኣቡነ ኣረጋዊን ስለ ዝነበራ ንምእመናን ብስብከተ ወንጌል ተመዲቦም እናመሃሩን እናኣገልገሉን ክሳዕ ናጽነት ጸንሑ። ካብ ኣሥመራ ዝወጹ ከም ፅንሲ ኣብ 9ተ ወርኂን 5ተ መዓልትን ድማ ናጽነት ኮነ። ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ ናብ ከተማ ኣሥመራ ተመሊሶም ናብ ሥሩዕ መንፈሳዊ ኣገልግሎቶም ንክምለሱ ጊዜ ኣይወሰዱን። ኣብ ሕዝቢ ብዝነበሮም ተቐባልነትን ፍልጠቶምን ተመክሮኦምን ተመዚኖም ኣባል ጊዜያዊ ሲኖዶስ ንክኾኑ ብዝለዓለ ድምፂ ተመርጹ። ጊዜያዊ ሲኖዶስ ኣብ ዝቘመሉ ን5ተ ዓመት ዝኣክል ኣባል ኮይኖም ኣገልጊሎም። ብጊዜያዊ ሲኖዶስ ናብ ሃገረ ግብፂ ተላኢኮም ብኢድ ኣቡነ ሲኖዳ 3ይ መበል 117 ፓትርያርክ ግብፂ ኣቦታት ሢመተ ጵጵስና ኪቕብኡ ከለዉ ኮነ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስ ፓትርያርክ ኣብ ዝተቐብእሉ ጊዜን ተሳቲፎም እዮም። ዑደት ምስ ኣቦታት ጳጳሳት ብግብጺ ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ብምኻድ ምስ ኣቡነ ማርቆስ ኣብ ስብከተ ወንጌል ድኅሪ ምግልጋል ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ ነዛ ርትዕት ሃይማኖት ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያን ዝውዓሉላ ውዕለት፡ ኣገልግሎቶምን ኣበርክቶኦምን ዓቢይን ብዙኅን እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦ “. . . ብድኅረይ ዘሎ እናረሳዕኩ ናብ ቅድመይ ዝተሓንጸጸ ዕላማ የቋምት ኣለኩ።” ከምዝበሎ ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ ከም ንፉዕ ኣገልጋሊ ክርስቶስ ካብ 1985 ዓ.ም.ግ. ኃላፊ ስብከተ ወንጌል ኤርትራ ኮይኖም ስብከተ ወንጌል ኣብ ውሽጥን ወፃእን ሃገር ኣስፍሑ። ኣብ ኣሥመራ ዝተካየዱ ሥልጠናታት ካህናት ክሳዕ 250 ካህናት ንዝበጽሑ ትምህርቲ ኣበ ነፍስን ካልእን ምሂሮም። ንዝረሓቐ ብዝእክብ ጥዑምን ምዑዝን ደሃዮም ብዘይካ’ቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብ፲፱፻፺፩ዓ.ም.ግ./1999ዓ.ም.ፈ. ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ሾመንተ ሃገራት (ን2ተ ወርኂ) ከምኡ ውን ብ፲፱፻፺፬ ዓ.ም.ግ./2002ዓ.ም.ፈ. ኣብ 17ተ ኣብያተ ክርስቲያን ናይ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ን3ተ ወርኅን 10ተ መዓልትን ዝወሰደ መንፈሳዊ ዑደት ከምዝካየዱ ዝፍለጥ እዩ።ኣበርክቶ ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ ኣብ ጽሑፋዊ ትምህርትን ስብከትን ውን ብተግባር ኣብ ሥራሖም ዝርአ እዩ። ምስ ሊቀ መዘምራን ሞጐስ ዕቁባጊዮርጊስ ተወሓሒዶም ዐንቀጻት ኣብ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ብምጽሓፍ ዝጀመረ ዕዮኦም፡ ድኅሪ ናጽነት ውን ኣባል ሥነ ጽሑፍ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃንን መጽሔት ነይሮም እዮም። ኣባል ጉባኤ ሊቃውንት ካብ ዝኾኑ ንደኃር’ውን ብርክት ዝበሉ ክሳብ 104 ዝበጽሑ ዓበይትን ናኣሽቱን መጻሕፍቲ ን8 ዓመት ዝኣክል ኣሪሞም።ኣቐዲሞም ኃላፊ ትምህርቲ ሰንበት መካነ ሕይወት መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ዝነበሩን ወኪል ትምህርተ ሰንበት ኮይኖም ብዙኅ ጉባኤታት ዝተሳተፉን ሉቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ፡ ዕላማን ኣካይዳን ጸገምን ትምህርቲ ሰንበት ብዝግባእ ዝፈልጡ ብምንባሮም ኣባል እታ ንትምህርቲ ሰንበት መምሃርን መምርሕን እተዳሉ ኮሚተ ኮይኖም መጻሕፍቲ ኣብ ምድላው ነጢፎም። ብፍቓድ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ካሪክለም ኣትዩ ዝወሃብ ንዝነበረ ሓፈሻ ትምህርቲ እምነት ክርስትና ናቱ ሊቀ መንበሩ ባዕሎም እዮም ነይሮም። ነቶም ሲሲተ ልብ ዝኾኑ ጽሒፎም ዘኅተምዎም መጻሕፍቶም ውን ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ዝፈልጦም እዮም። እምነትን ሥርዓተ ኣምልኮን ዝምህሩ መጽሓፍ “ዐንቀጸ አሚን” “መንገዲ እምነት” እዮም። ግቡእን ኃላፍነትን ኣበ ነፍሲ ዘረድእ መጽሓፍ “ተልእኮ መምህረ ንስሓ” ውጽኢት ናይቲ ንነዊኅ ዓመታት ዝመሃርሉ መዝገብ እዩ። መጻእያትን ትንቢትን ዝነግር መጽሓፍ፡ “ፍካሬ ኢያሱስ” ውን ዘሎናዮ እዋንን ዝመጽእ ኵነታትን ዝሕብር ብምዃኑን ምስኡ ከኣ ሓፂር ታሪክ ቤተ ክርስቲያን ስለዘሎ ብምእመናን ዓቢይ ተቐባልነት ዝረኸበ መጽሓፍ እዩ። ከምኡ’ውን “መጽሐፈ ግንዘት” ዝተኃትመ ብሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ እዩ። ብዘይካ እዚ ካሴት መዝሙር ከም ዘኅተሙ ውን ዝፍለጥ እዩ።ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ ንኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ወኪሎምን ብእኣ ተላኢኾምን ኣብ ቍጽሪ ዘይብሎም ጉባኤተት፡ ኣኼባታት፡ ኮሚተታት . . . ተሳቲፎም እዮም። ብሊቀ መንበርነት ጥራሕ ዝተወከልዎ ውኁድ ኣይኮነን። ናይ ሓፈሻዊ ትምህርቲ እምነተ ክርስትና ሊቀ መንበር፤ ናይ ክፍሊ ጥሮታ ኮሚተ ሊቀ መንበር፤ ብሃገር ደረጃ ሕማም ኤይድስ ንምጥፋእ ካብ ፬ተ ሃይማኖታት ከክልተ ሰባት ብዝተመሥረተ ኮሚተ ሊቀ መንበር ኮይኖም ከምዝሠርሑ ዝፍለጥ እዩ።ስለዚ ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ ንቤተ ክርስቲያን በዓል ውዕለታ፡ ሠናይ ገድሊ ዝተጋደሉ ሰባኬ ወንጌል እዮም። ኣብ ምሉእ ሕይወቶም ፊደል ካብ ዝቘጽሩ ንደኃር መኽፈቲ ኣፎም ቃል እግዚአብሔር ፤ መንገዲ እግሮም ቤተ ክርስቲያን ዝገበሩ መንፈሳውን ልመዓታውን ኣበርክቶኦም ብጊዜን ኵነታትን ዘይውሰን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢ ሃገርና ዝዝርጋሕ ብዓይኒ ዝርአ ዝንበብን ዝስማዕን ዓቢይ ኣበርክቶ ዝገበሩ ዓቢ ኣቦ እዮም። እዚ ኣበርክቶኦም ድማ ብማኅበረ ምእመናን እናተዘከረ ዝነብር ኣብ ቅርሲ ቤተ ክርስቲያን ዝተሰነደ ታሪኽ እዩ።እምበኣብ ኣብ መወዳእታ ኣቦና ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ ሠናይ ገድሊ ተጋዲሎም ጕያኦም ወዲኦም ሃይማኖቶም ኣጽኒዖም ኣብ 83 ዓመት ዕድመኦም ብሰላም ዓሪፎም። ሥነ ሥርዓት ቀብሮም ድማ ብኸምቲ ንሊቅነቶምን ሞያኦምን ዝግባእ ስብሓታት በጺሑ፡ ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳትን ሊቃውንትን ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ዓዶም በሪኽ ብዕለት ፱ መስከረም ፳፻ወ፰ / 20 መስከረም 2015 ዓ.ም.ፈ ተፈጺሙ።ወስብሃት ለእግዚኣብሔርወለወላዲቱ ድንግልወለመስቀሉ ክቡርኣሜን!!!                                                                                                              በረኸቶም ኣይፈለየና!

1 comment: