ማህበር ስላሴ ቤተ-ክርስያን ኦርተዶክስ ተዋህዶ ኤረትራውያን አብ በልጁ

ስነ ጽሑፍ


                 ነቲ ብልዓዮ ዝተበሃልካዮ እንጌራ ሕይወት ምብልዑ......

ብልዒ ከም ዝቐትል ብልዒ ድማ ሕይወት ከም ዝህብ ኩላትና ንፈልጦ ሓቂ እዩ። ከመይሲ እከለ ዝተበላሸወመግቢ በሊዑ ሓሚሙ፡ እከለ ድማ መይቱ፡ ዝበሃሉ ዜናታት ደጋጊምና ስለ ንሰምዖ፡ ንእዝንና ሓድሽ ኣይኰነን። ኩላትና ጥዑይ ብልዒ ክንበልዕ እምበር ዘሕምም በሊዕና ከይንሓምም ወይ ዝቐትል ብልዒ በሊዕና ከይንመውት ኣዚና ኢና ንጥንቀቕ። ስለዚ ዘይብላዕ በሊዕና ካብ ንመውት፡ ዝብላዕ በሊዕና ሕይወት ረኺብና ብጥዕና ክንነብር ኢና ንመርጽ። ጉድለት ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ እንተዘይኰይኑ፡ ነዚ ዘይፈልጥ ሰብ የልቦን። እቲ መጀመርታ ዝፈጠረና ኣምላኽና ድማ፡ ኩሉ መሬት ዘብቆሎቶ ጽቡቕ ዘበለ እናበላዕና ክነብር ኢሉ፡ ከም ዝፈጠረና እቲ ጽሑፍ “እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከኣ ብሸነኽ ምብራቕ ኣብ ኤዴን ገነት ተኸለ። ነቲ ዝፈጠሮ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣንበሮ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከኣ ምርኣዩ ዜብህግ፡ ምብላዑ ኸኣ ጥዑም ዝዀነ ዅሉ ዓይነት ኦም ኣብ ምድሪ ኣብቄለ ይብል። ብልዒ ሕይወት ብልዒ ሞት ዘምጽእ ካብ ኮነ፡ ኣብቲ ኹሉ ጽቡቕን ጥዑምን ብልዒ ዝነበሮ ድማ ክልቲኤን እታ ሕይወት እትህብ ኦምን እታ ኽፉእን ጽቡቕን እተፍልጥ ኦምን ከኣ ኣብ ማእከል ገነት ነበራ ይብል (ዘፍ 2፡ 8-9)። ዕላማ ጸጋ ምሥጢረ ቁርባን ሕይወት እዩ ማለትና፡ ዋና ዕላማኡ ብላዕ ኣይትብላዕ ድኣሉ እምበር፡ ካልእ ትሕዝቶ የብሉን። ንብላዕ ኣይትብላዕ ከነለሊ እንተዘይከኣልና ግና፡ መወዳእታና ሞት ከም ዝኸውን ኣየዳድን። ብላዕ ኣይትብላዕ እንተ ኣዳደየና ግና ኣይፋሉን ምስሊ እዩ፡ ኣይፋሉን መዘከርታ እዩ፡ ኣይፋሉን ንፍሉያት ሰባት እዩ ወዘተ እናበልና ንገዛእ ርእስና እንተ ኣታለልናያ’ውን ውጽኢቱ ሞት እዩ። እቲ ዝሓሸ ነቲ ብልዓዮ ዝተበሃልካዮ እንጌራ ሕይወት ምብልዑ ግና ብርግጽ ሕይወት እዩ። ከምቲ ውሉድ ንወላዲቱ ዝብላዕ ኣይትኽልእኒ ከይሞተኪ፡ ዘይብላዕ ኣይተብልዕኒ ከይሞተኪ ዝበላ ንሕብ:Shishay Hadish


*********************************************************************************



ቕረይ ደሪኽዎ!

ዘይሓምም ሓመመ፣ ዘይተሓዝ ተሰቕለ፣ ዘይመውት ሞተ። ፍቕረይ ደሪኽዎ! ኣየ ፍቕሪ!ነቲ ዘይሓምም ሕማሙ ነዘንቱ፣ ነቲ ዘይመውት ሞቱ ነዘንቱ፣ በታ ምስ ደቂ መዛምርቱ ዝተቐመጠላ ለይቲ፣ ብፍቓድ ኣቡኡን ብፍቓድ ገዛእ ርእሱን ነፍሱ ንሞት ወፈየ።ነቲ ኹሉ ዝሕዝ ሓዝዎ፡ ነቲ ገዛኢ ኹሉ ኣሰርዎነቲ ሕያው ወዲ ኣምላኽ ኣሰርዎ፡ ንሳቶም ብቑጥዓ ጎተትዎንሱ ግና ብፍቕሪ ሰዓቦም፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚ መቐዝቱ ዘይዛረብ ሕያዋይ በጊዕ ደድሕሪኦም እናሰዓበ ከደ...ነቲ ሊቃነ መላእኽቲ ብፍርህን ብራዕድን ዝቖሙሉ ኣብ መጋባእያ ኣቖምዎነቲ ሓዳግ-ሓጢኣት ሓጥእ በልዎነቲ ንመኳንንቲ ዝፈርድ ፈረድዎነቲ ንሱራፌል ዘውዲ ኣኽሊል ዝደፍኣሎም፣ ኣኽሊል እሾኽ ደፍእሉነቲ ንኪሩቤል ግርማ ዘልብሶም፣ ንላግጺ ቀይሕ ግምጃ ኣልበስዎነቲ ኪሩቤል በኽናፍ ሓዊ ተሸፊኖም ዝኽወልሉ፣ ንዕኡ እኩይ ባርያ ኢዱ ኣትሪሩ ገጹ ጸፍዖ።ነቲ ሰራዊት መላእኽቲ ብዓቢይ ስንባድ ዝሰግድሉ፣ እናሽኻዕለሉ ኣብ ቅድሚኡ ተምበርከኹ።ኣየ! ከመዚ ዝበለ ትሕትና ከመይ ዝብለ ትሕትና እዩ፣ ከምዚ ዝበለ ትዕግስቲኸ ከመይ ዝበለ ትዕግስቲ እዩ።ከምዚ ዝበለ ዓቕሊኸ ከመይ ዝበለ ዓቕሊ እዩ።ኣየ! ከምዚ ዝበለ ሕያውነትከ ከመይ ዝበለ ሕያውነት እዩ፡ኣየ ፍቅሪ! ክንድዚ ዝኣክል ንሰብ ምፍቃር!ንወዲ ኣምላኽ ካብ መንበሩ ፍቅሪ ሰሓቦ፡ ክሳብ ሞት ከኣ ኣብጽሖ።ነቲ ኣበሳ ዘይብሉ ከም ኣበሰኛ ሰቐልዎ። ነቲ ሕይወት ዝፈጠረ ምስ ገበነኛታት ቆጸርዎ።ኣየ እተን ንኣዳም ዘፈጠራ ኣእዳው ብሽካር ኣብ መስቀል ተሸንከራ።ኣየ! እተን ኣብ ገነት ዝተመላለሳ ኣእጋር ብመስማር ኣብ መስቀል ተሰመራ።ኣየ! እቲ ንኣዳም መንፈስ ህይወት ኡፍ ዝበለሉ ኣፍ ምስ ሓሞት ዝተሓወሰ መጺጽ [ነገር] ሰተየ።ኣየ! ናይ ወላዲ መከራኡ ኪዛረብ ዚኽእል፡ ኣየናይ ልሳን፡ ኣየናይ ከንፈር፡ ኣየናይ ኣፍ እዩ።ናይ ፍቁር ወልድ መከራ ኪንገር ከሎ፡ ልቢ ይኽፈል፡ ሕልና ይዓረብ፡ነፍሲ ትርዕድ፡ ስጋ ይደክም።ዘይመውት ሞተ፡ ንሞት ክስዕሮ ሞተ፡ንምውታት ከሕውዮም ሞተ።ምንጪ: ቀዳሴ ዮሓንስ ኣፈወርቅ (347-407 A.D)