ማህበር ስላሴ ቤተ-ክርስያን ኦርተዶክስ ተዋህዶ ኤረትራውያን አብ በልጁ

Thursday, August 8, 2013

ናይ ቅዱሳን ታሪክ

 ናይ ቅዱሳን ታሪክ

እግዚኣብሔር ብደሙ ቤተ ክርስቲያን ብቕዱሳን ትምህርቲ ፡ጸሎትን ናይ ቅድስና ኣገልግሎትን ዝተሓጽረት’ያ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ቅዱሳን ሂወትን ዝተተሓዘ’ዩ ኣይፈላለን።ቅዱሳን ብእምነቶም ንቤ/ክ ርሑስ ቆርበት ተጠቕሊሎም ንኣራዊት ተደርብዮምላ’ዩም።ጠምዮም ቅርስታትሓልዮምላ’ዮም።ጽልማት ከይቀርባ ከም ጣፍ ኣብሪሆምላ ፡ትምህርታ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ንምስግጋርን ብቐለምንብወረቐትን ጥራይ ዘይኮነስ ብደሞም ፡ብዝተስብረ ዓጽሞም ክይተረፈ ጸሂፎም ሰይፍ ኣብ ክሳዶምብኣኮቴት(ብምስጋና)ተቐቢሎም።ክርስቶስ ንቤ/ክ ንምቅዳስ ንባዕሉ ኣሕሊፉ ከምዝሃበ ቅዱሳን ከኣ በዚ ኹሉ ንክርስቶስመሲሎሞ’ዮም።

ቤ/ክ ክኣ ናይ ቅዱሳን ውዕለታ ኣይትርሰኦን ብኣጸደ ስጋ ንዘለዉ ቅዱስን ምግልጋል ንዝዓረፉ ድማ ምኽባር ከምዝግባእ ካብእግዚኣብሄር ተማሂራ’ያ ።”እግዛብሄር ንቅዱሳን ስለ ዘገልገልኩም ስጋዕ ሕጅ’ውን ስለተገልግልዎም ዘለኩም ዝነበርኩም ስራሕንሽሙ ኸኣ ዘርኣኩም ፍቕሪ ዝርስዕ ዓመጸኛ ኣምላኽ ኣይኮነን”(ዕብ 11፡32)።ኣብ ስንክሳር፣ኣብ ተኣምረ ማርያም፣ኣብገድላት፣ኣብ ድርሳናት ዝተዝርዘሩ ካብ ቡዝሕ ብንእሽተይ’ዩ እምበር ገድለ ቅዱሳን ተጽሒፉ ኣይውዳእን።ኩሎም ቅዱሳን ስራሕይሰርሑ’ዮም እዚ ስርሖም ከኣ ተጽሒፉ ኣይውዳእን’ዩ።ብዘዕባ ናይቁድሳን መዘከርታ እግዛብሄር ኣብ ነብይ ኢሰያስ ሓዲሩ ንቁድሳንኣብ ገዝኡን ኣብ ቅጽሩን ውሽጢ መዘከርታ ሂቡ’ዩ።እግዘኣብሄር ሰንበተይ ንዝሕሉ ደስ ዘብለኒ ነገር ስለ ዝምረጹ ቓልኪዳነይ’ውንስለ ዝሕዙ ጀንደረባታት ከምዚ ይብል”ኣብ ገዛይን ኣብ ቅጽረይን ውሽጢ ካብ ኣወዳትን ኣዋልድን ዝብለጽ መዘከርታ ሽምክህቦም’የ”።ዘይጠፍእ ናይ ዘልኣለም ሽም ክህቦም’የ(ትን ኢሰ56፡4)ኢሉ ብዘይሓልፍ ቃሉ ቃል-ኪዳን ኣትዩሎም።

ኪዳነ ተካየድኩ ምስለ ህሩያንየማለትምስ ህሩያተይ ቃልኪዳን ኣተኹ” (መዝ893)
ክብሪ ንዝግባእ ክብሪ ሃቡ “ተባሂሉ ከምዝተጸሓፈ ኦርቶዶክሳዊት ቤ/ክ እግዛብሄር ንዘክበሮም ቅዱሳን ተክበር 9ሮሜ 13፡7ቅዱሳን ኣብ ሂወት ዘመኖም ኩሉ ነፍሶም ናኣምላኾም ቀዲሶም ፍቃዱ ብምፍጻም ስለዝነበሩ ኣብ ቤተ እግዛብሄር ዘይጠፍእመዘከርታ ኣለዎም(ኢሳ16፡5)ዘይተፍእ ስሞም ክንሓሰብ ገድሎም ክንትርኽ ኮለና ኣብኦም ሃዲሩዓበይቲ ስርሃት ዝሰርሀ እግዛብሄርነመስግኖ።ስለዝኮነ ኸኣ ብኣምላኾም ሞጎስ ዝረኽቡ ቅዱሳን ሂወትን ኣብ ልዕሊኦም ድንቅ ዝኾነ እግዛብሄር ክነኽብር ምክንያትይከውን ማለት’ዩ።

ናይ ቅዱሳን ተጋድሎ ምዝካር ንመንፈሳዊነትና ምሰልዎም ከም ዝተባሃለ በብዕለቱ ንሰምዖን ነንብቦን ናይ ቅዱሳን ሂወት ታሪኽንሳቶም ናብ ዝተጓዓዝሉ ናይ ቅዱሳን መንገዲ ይመርሓና ዝሓሸ መንፈሳዊ ሂወት የዳልወልና ናብ መድሓሊና ኢየሱስ ክርስቶስየቕርበና (ዕብ12፡1)ናይ ቁድሳን ትምህርቲ ንኦርቶድክሳውያን ሓድሽ ነገር ኣሸጋሪ እንተዝይኮነ ንተጠራጠርቲ ግን ነገረ ቁድሳንክብረ ቁድሳን ንምቅባልን ንምስማዕን ከም ዝከበዶም ዝተፈልጠ’ዩ።ቁድሳን ክነኽብር ከለናቅ ንዝፈጠረና ብሓድነት ብሰለስትነትዝስለስን ዝቕደስን እግዛብሄር ረሲዕና ከምኡ’ውን ኣብ ቅራንዮ ተሰቒሉ ስጉኡ ቆሪሱን ደሙ ኣፍሲሱን ዘድሓነና ካብቶም ሰለስተኣካል ሓደ ዝኾነ ኣምላኽና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ረሲዕና ዘይኮነስ ኣምላኽና ዛክበሮም ምኽባርና ዝፈትዎም ምፍታውና ናቱሕግን ዝእዛዝ ምፍጻምን ብምዃኑ’ዩ።

“ስምካ ከኽብሮ’የ ንበረኸት ኹን ዝባረኸኻ ክባረኽ ዝረግሙኻ ክረግሞ’የ”(ዘፍ 12፡3)።”ክብሪ ንዝግብኦ ክብሪ ሃቡ“(ሮሜ12፡7)።ምስ ሕሩያተይ ቃል ኪዳን ኣተኹ ኢሉ ጎይታና ካብ ሰብ መሪጸካ ንሹመት ካብ ዕንጨይቲ መሪጸካ ንታቦት ከምዝተበሃለ ፈጣሪና በብዘመኑ ቅዱሳን ኣቦታት ንቕድስና ምሪጹ’ዩ ብዝተመርጸሉ ናይ ኣገልግሎት መንገዲ ፈጣሪን ወዲ ሰብንኣሓጒሶም “ንዓኩም ዝተቀበለ ንዓይ ተቐበለ ንዓይ ዝተቐበለ ንኣቦይ ተቐበለ”(ማቴ10፡40)ኢሉ ናይ ፈተውቱ ናይ ቁድሳን ፍጹምሙሉእነት ባዕሉ እየሱስ ክርስቶስ ነጊሩና። ብተወሳኺ’ውን ቅዱሳን ዝጸልመተ ዓለም ብወንጌል ኣብሪሆማ ዘይፈርስ መሳልልኮይኖም ንደቂ ሰባት ንመንግስተ ሰማይ ኣብቂዖም’ዮም።ሕጅ’ውን ኣብ ዘለዎም ኣብ ኣጸደ ነፍሲ ኮይኖም ናይ ምእመናን ንፍሲማሕረልና እንዳበሉ ንመንግስተ ሰማይ ንምእታው ዝተቕደሰ ዓላማ ሂዞም ነኽብሮም በርኸቶም ንኽሓድረና ኢልና ኢና። መንፈሳዊ ገድሊ ንዝጋደሉ ስርዓት ቤ/ክ ሓልዮም ንምኻድ ብስጋን ብነፍስን ብምርዳኣ ኣብ ምሕጋዝ ይርከቡ(ራእ’ዮሓ 6፡10፣ዳን1፡12-16፣ኦሪ 15፡1)።ካብ ሕሩያት ዝተሓረዩ ዝተብሃሉ ንመንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝፋጠኑ ብዙሃት’ዮም ካብኣቶም ማእኸል ፡

1-ቅድስቲ ድንግል ማርያም

ካብ ዝተሓረዩ ዝተሓርየት ካብ ዝኸበሩ ዝኸበረት ኣሕቲ ፈጣሪ ልዕሊፍጡራት ዝኾነት ብፍጡራት ኣንደበት ትምስገን ቅድስቲ ድንግል ማርያምእያ። እዚ ናይ መጀመርያ ናይ ተስፋ መንገዲዩ።ነዚ ወዲ ኣዴና ቅድስትድንግል ማርያም ወዲ እግዝብሄር እግዛብሄር ቃል ሰብ ንሙዃን  ክፍቅድከሎ ካብ ዳዊት ዘርኢ ካብ ናይ ኣብርሃም ዘርኢ ቅድስቲ ድንግል ማርያምብድንግልና ንኽትወልድ ኣደ ንኽትኮኖ ናድነት መሪጽዋ።ብተወሳኺውንሰብን እግዛብሄርን መሳልል ኮይና ብጸሎታ ንክትዓርቕ ንመላእ ደቂ ኣዳምኣደ መድሓኒት ንኽትከውን ፈጣሪ መሪጽዋ(ዮሓ23-4፣ኢስ96፣ኢሳ714፣ግብሓዋ 1323፣ዕብ217፣መዝ449)

2-ቅዱሳን መላኽቲ

ብዘይ ዕረፍቲ ኩሉ ጊዜ ንፈጣሪኦም ዘገልግሉን ናይ ሰብ ጸሎት ዘዕርጉ ንስለ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ እግዛብሄርዝቖሙ(ዝጽልዩ)እዮም።ዘጽንዖም ሂወቶም ኣምላኾም ምምስጋኖም’ዩ ።”ሪኤ ኽኣ ኣብ ዙፋኑ ኣብቶም እንስሳት ኣብቶም ሊቃናትዙርያ ናይ ብዙሓት መላእኽቲ ድምጺ ሰሚዕ ቁጽሮም ከኣ እልፊ ኣእላፋት ነበረ…….”(ራዕ5፡11-12)”በቲ ዘመንቲ ሚኻኤል እቲምእንቲ ደቂ-ህዝብኻ ዝቐውም ኦኣብይ መስፍን ክትንስእ’ዩ”(ዳን 12፡1)”ኣብ መንገዲ ክሕልወካ ናብቲ ዘዳለኽዎ ቦታ ድማከእትወካ እነሆ ኣነ መላኣኽ ቀቅድሜኻ ክልእኽ እየ ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቅ ድምጹ ከኣ ስማዕ ኣይተመርሮ ስማይ ኣብኡ’ዩ እሞንበድልኩም ኣይሓድግን እዩ…..”።(ዘጸ 20፡20-22) “ሽዑ እቲ መላኣኽ እግዚኣብሄር ዎ እግዛብሄር ጎይታ ሰራዊት ነዘን ቦታንሰብዓ ዓመት እተቖጣዕካየን የሩሳሌምን ከተማታት ይሁዳን ክሳዕ መዓዝ ኢኻ ዘይትምሕረን….’(ዘካ 1፡120.ቅዱሳን መላኽቲንእግዛብሄር ከገልግሉ ከመስግኑ ንወዲ ሰብ ክሕልው ከማልዱ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንዝወርሱ ክሕግዙ ነዚ ዝተቐደሰ ዓላማተመሪጾም።

3-ቅዱሳን ሰማእታት

መድሓኒና ኣምላኽና እየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ክይፈርሐ”ወእንዘ በእንተ ዝንቱ ተወልድኩ በእንበይነ ዝንቱ መጽኣኩወስተዓለም ከመ እኩን ሰማዕት በጽድቀ”ማለት”ኣነ ንሃቂ ክምስክር ምእንትዚ ተወልድኩ ማእንትዚ ‘ውን ‘የ ናብ ዓለምዝመጽእኩ”ኢሉ ከም ዝመስከረ ሞትን መከራን ክይፈርሑናምላኾም ዘኽብሩ ቅዱሳን ሰማእታት ይብሓሉ(ይሓ18፡37)።ሰማእትማለት ምስክር ማለት ክኸወን ከሎ እዚኣቶም ከኣ ጎይታናን ኣምላኽናን እየሱስ ክርስቶስ ነቲ ስጋን ነፍስን ናብ ገሃነም ከጥፋእዝኽኣሎ ዳኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር ነቶም ንስጋ ክቀትሉ ንነፍሲ ግና ምቕታል ዘይካኣሎም ኣይትፍርህዎም”ኢሉ ዝተዛረቦኣምላኻዊ ቃል ሰኒቖም ኣብ ቅድሚ ዓለማውያን ነገስታትን መናፍቃንን ሓዊን ስሕለትን ከይፈርሑ ክሳዶም ንስሕለት ሂቦምምእንቲ ክርስቶስ ኢሎም ብግፍዒ ዝሞቱ እዮም(ማቴ 10፡28)።እግዛብሄር ኣብኣቶም ሓይሉ ገሊጹ ባኡኡ ኣሚኖም ስለዝወፈሩ ኣንበሳ ኣስጊዱ ፡ነብልባል ኣብሪዱ ተዓምሩ ኣብ እህዛብ ገሊጽሎም(ዕብ11፡34-38)።እዞም ሰማእታት ሓቂ ኣብ ዝጠፋኣሉ ዘመንሓሶት ኣብ ዝነገሰሉ ዓለም ክይፈርሑ ክይሓፈሩ ሕገ-እግዛብሄር ፈሪሱ ሕጊ ኣጋንንቲ ነጊሱ ኢሎም ሓቂ ንክዛረቡ ኣብ ኦኣለምመድረኽ ድምጾም ንኽስሞዑ ነዚ ምስክርነት ተመሪጾም።ንእብነት ስማእት ቁዱስ ጊዮርጊስ፣ሰማእት ቅድስቲ ኣርሴማ ፣ቀዳሜሰማእት እስቲፋኖስ፣ሰማእት ቁዱስ መርቆርዮስ…..ወዘተ ኢዮም።

4-ቅዱሳን ጻድቃን

እዚኣቶም ድማ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ገዳመ ቆሮንጦስ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ካብ ደው ዝበሎ ኮፍ ከይበለእግሩ ካብ ዝዘርግሃሉ ክይዓጸፈ ዝፈጸሞ ናይ ተባሕትዎ ስራሕ ኣብነት ጌሮም ጸብኣ ኣጋንንቲ ግርማ ለይቲን ድምጺ ኣራዊትንተዓጊሶም፡ደዋ ጥሒሶም ፡ጤዛ ሊሒሶም፡እምኒ ተተርኢሶም ብንጽህና ብድንግልና ኣብ ገዳምን ብብህትውና ዝነበሩ ደናግልመነኮሳትን ባሕታውያንን’ዮም።ካብዚ ዓለም ጣዕሚ ተፈልዮም ዘመኖም ብጾም ብጾሎት ብቀዊም ብስግደት ዜርካ ብምምሃርብምቑራብ ብምጥማቕ ጽቡቅ ገድሊ ተጋደሉ ነዚ ዝተቐደሰ ሃዋርያዊ ኣገልግሎት ዝተመረጹ ኢዮም።”ምእንተ ይብቁዖ ለሰብእ ለእመኩሉ ዓለመ ረብሃ ወነብስ ሃጉለ”ማለት “ሰብ ዓለም ኩሉ ኣንተትረፈ ብነፍሱ ግን እተተጎደእ እንታይ ይረብሖ?”ዝበሉ ቃል ከምጦር ኣቕሓ ተዓጢቖም ናይ’ዚ ዓለም ሓላፍነተን ጠፋእነተን ብዝግባእ ተረዲኦም ኣእሙርኦም መንፈሳዊ ትበብ ማለት ነዚ ኦኣለምብምንዓቅ ኣበልጺጎም ዝነበሩ ‘ዮም።

ንሳቶም ነዚ ዓለም ብዝንዓቑን ብእኡ ብዝተኣመኑን መጠን እግዛብሄር ከኣ ብመንፈቕ ሕብስቲ ንኽመጸሎም ዛፍ ንኸፍርየሎም ቶራንኽተልብሶም ብኣጠቓላሊ ስነ- ፍጥረት ንኽግዛኣሎም ጌሩ።ካብ ጻድቃን ንኣብነት ዝኣኽል ቁዱስ ኣባ እንጦስ፡ቁዱስ ጰቁሚስ፡ቁዱስ መቃርስን ኣባ ዮሃንስ ሓጺርን ፣ቅዱስ ኣባ ጳውሊ፣ቅዱስ ኣቡነ ሰላማ ፣ቅዱስ ኣቡነ ተ|ሃይማኖት፣ቅዱስ ኣቡነ ገብረ-መንፈስቅዱስ ፣ኣባ ሳሙአል ኣብረንታንት ዘዋልድባ ይጥቀሱ።

5-ቅዱሳን ሊቃውንቲ

መድሃኒና ኣምላክና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰለስተ ዓመትን ሰለስተወርሕን ኣብ ደብረ ዘይቲ ከረን ኽጽልይ እንዳሓደረን ቀትሪ ቀትሪ ድማወንጌል ብምሳሌ(ብኣብነት)እንዳገበረ ንዕኡ ኻኣ እንዳተርጎመ እንዳመሃረን ናይ መንግስተ ሰማያት ሚስትር ንህዝቡ እንዳገለጸጸኒሑ’ዩ።ቅዷሳን ሊቃውንቲ ካክኣ ኣምላኣኮም ኣብነት ጌሮም ወጺኦም ወሪዶም ደኺምና ሰልችዩና ከይበሉ ዘይተመሰለ መሲሎምዝተመስለ ኸኣ ተርጊሞም መናፍቓን ዝተጋገየ ቃል ሒዞም ክትስኡ ከለዉ ጉባኤ ሰሪዖም ሓየለ-ቓል ኣውጺኦም ተኸራኺሮምረቲኦም ሃይማኖትን ስርዓትን ክይፋለስ ንምእመናን ተጊሆም ንኽምህሩ ነዚ ዝተቐደሰ ኣገልግሎት ተመሪጾም።

ንኣብነት ፡ቅዱስ እስክንድርያ፣ቅዱስ ኣትናቲዎስ፣ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ፣ቅዱስ ባሲልዮስ እዮም።ብእግዛብሄር ንዝተቀደሰኣገልግሎት ንመንፈሳዊ ገድሊ ንዘላኣለማዊ ሂወት በረከት ዝተመረጹ ካብ ብዙህሓት ብዉህዱ ካብ ረኣና ዝተመርጹ ምስ ዝተብሃሉቅዱሳን እንታይ ዓይነት ቃል ኪዳን ከም ዝኣትወሎም ዓቕምና ብዝፈቐዶ መንገዲ ንምርኣይ ክንፍትን ኢና።


   ናይ ቅዱሳን ቃልኪዳን 
ቃል ኪዳን ኣብ ክልተ መቂልና ክንሪኦ ንኽእል ኢና።

1-ሰብ ምስ ሰብ ዝፍጸም ቃል ኪዳን ፦ናይ መርዓ ቃል ኪዳን ክንብል ከለና ኣብ ቅድሚ ቤ/ክ ኣብ ቅድሚ ካህናት ዝፍጸምቃለ-መሓላ ፡ኣብ ሕክምና ቦኣል ሞያታት ፡ናይ ሃገር መራሕቲ ፡ኣብ ዳኛታት ዝግበር ህዝብን ሃገርን ንምግልጋል ቃለ መሓላምፍጻም እዚ ሰብ ምስ ሰብ ዝገብሮ ቃል ኪዳን ይብሃል።

2-እግዛብሄር ምስ ቅዱሳን ዝፍጸም ቃል ኪዳን ፦ኣርእስትና ዘተኩሮ ኣብ ናይ ቅዱሳን ቃል ኪዳን’ዩ።ብዙሕ ጊዜ ሰብ ምስ ሰብዝፍጽሞ ቃል ኪዳን ምስ ናይ ደቂ ሰባት ናይ ባህሪ ድኻም ኣንጻር ምጽንዕን ዘይምጽናዕን ይረኣይን የጋጥምን’ዩ። ልዑል ብህሪእግዛብሄር ግን ዘይፍጽም ኣይዛረብን ቃል ኣይኣቱን ዝተዛረቦ’ዎን ኣይተርፍን።እግዛብሄር ንፈተውቱ ንቅዱሳን ዘለዎ ፍቅሪ ጊዚያዊንበዚ ዓለም ጥራሕ ተወሲኑ ዝትርፍ ዝይኮነስ ዘላኣለማዊ ‘ዩ።ነቲ ኪዳን ዝህብ እግዛብሄር ስለዝኮነ ኪዳን ዝቕበሉ ኸኣ ቕዱሳንእዮም።
እግዛብሄር ካብ ዝፈጸሞም ቃል ኪዳን ማእኽልካብ ብዙሕ ብውሑድ እዞም ዝስዕቡ ክንርኢ ኢና።

1-ኪዳነ ኣዳም፦
ኣዳም ኣቦና ብሓጥያት ምስ ወደቐ ካብ ገነት ተባረረ ናይ ንሰሃ ንሰሃ ንብዓት ምስ ኣፍሰሰን ምስተጸጸተን ዝኣተወሉ ቃል ኪዳንኪዳነ ኣዳም የብሃል።”ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ድሕሪ 5500ዘመን ኣብ መስቀል ተሰቂለ ሞይተ ተሲኣ ናብ ቀድም ከብርኻክመልሰኻ’የ”ኢሉ ዝኣተወሉ ቃል-ኪዳን ክከውን ከሎ እዚ ጊዚኡ ምስ ተፈጸመ ኣብ ቀራንዮ ተሰቂሉ ደሙ ኣፍሲሱ ስግኡ ቆሪሱመስዋእቲ ብምዃን ካብ ሲኦል ኣውጺኡ ናብ ገነት ንምእታው ዛተወሉ ቃል ኪዳን ፈጺሙሉ’ዩ።

2-ኪዳነ ኖህ፦
እግዛብሄር ንኖህ ከምዚ ክብል ቃል ኪዳን ኣትዩ”ኣባይን ኣብኻትኩምን ማእከል ምሳኻትኩም ብዘሎ ብህያው ንፍሲ ኹሉምእከልንዘልኣለም ዝገብሮ ናይ ቃል ክዳን ምልክት ኣባይን ኣብ ምደን ምእክል ይኸውን “(ዘፍ 9፡12-14)።እዚ ካ እግዛብሄር ብደቂ ሰባትሓጥያት ንኻልኣይ ብትፍኣት ማይ ናይ ሰብ ዘርኢ ንዝይምትፋእ ምስ ኖህ ዝኣተዎ ቃል ኪዳን ኽከዎን ከሎ ሕጂ’ውን ዓለምና ካብሓጥያት እንተዘይተዓቅበት ኣዃ እግዛብሄር ግን ዝኣተዎ ቃል ኪዳን ኣየፍረሰን።ሪኡ ከም ዝይረኣየ ሰሚኦኡ ከምዘይሰምዕ ብትዕግስቱብሓጥያትና ከየጥፋእና ተሸኪሙና ይርከብ።

3-ኪዳነ-ኣብርሃም፦
እግዛብሄር ን ኣብርሃም ዝኣተወሉ ቃል ኪዳን’ዩ።”ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካን እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪኣቢልካ ውጻእ ኣነ ዓቢይ ህዝቢ ክገብረካን ክባርኸካን ካ’የ ንስምካ ውን ከዕብዮ’የ።ንበረከት ካ ክትከውን ኢካ ንዝብረከካክባርኾም ንዝረገሙኻ ክረግሞም እየ ዓሊታት ኩሉ ምድሪ ድማ ብኻ ክባረኩ ኣዮም “(ዘፍ12፡1-3፣ዘፍ 13፡14-18)። እግዛብሄርዝኣተወሉ ቃል ኪዳን ካብ ዘርኡ’ውን ቃል ኪዳን ብምውላዳ ድንግል ማርያም ከኣ ክርስቶስ ብምውላዳ እግዛብሄር ን ኣብርሃምዝኣተወሉ ቃል ኪዳን ፍጹም ኮይኑ’ዩ።

4-ኪዳነ ምህረት፦

ክካፍቶም ህሩያት ማእከል ናይ መጀመርያን ቀዳማትን ኣዴና ወላዲተ ኣምላኽ ቅድስቲ ድንግል ማርያም’ያ ።ጎይታ ተሰቂሉ ሞይቱተሲኡ ምስ ዓረገ ኣብዚ ዓለም ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ስጋዕ ዝነበረትሉ ኩሉ መዕልቲ ጸሎት ትገብር ዝነበርት ኣብ ናይጎይታ መቓብር ኣብ ጎልጎልታ’ዩ ኔሩ።ስለዚ ኸኣ የክቲት 16 ሽማ ንዝጽውዑ ፡መዘከርታ ንዝገብሩ ፡ብኣማላድነታ ንዝኣምኑ ብወዳርህራሄ ንዝኣምኑ ክርስትያናት ኩሉ ናብ ወዳ ብዝገበረቶ ጸሎት ብሽማ ጸሎት ዘቕርቡ ምጽዋት ዝህቡ ን ቤ/ክ መብእ ዘቕርቡ ጽቡቕነገር ኩሉ ዝገብሩ ብምድሪ በረኽት ብሰማይ ናይ ዘላኣለም መንግስቲን ሂወትንከምዝወርሱ ናይ ምህረት ቃል ኪዳን ተዋሂብዋ እዚተስፋ ኸኣ ኣብ ንሓሰ 16 ተደጊሙ’ዩ።

ስለዚ ምእመናን ብኣዴና ኣምልድነት ብወዳ ብጎይታና ብእየሱስ ክርስቶስ ርህራሄ ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን ዝተረኸበሉ ብዓልከኽብሩ ይነብሩ።ብሽማ ብዝረከበቶ ተስፋ መሰረት የተኣማመኑ።ኣብ ምድሪ ሓበሻ ንኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምፍታውብልማድ ከም ታሪክ ተስፋሕፊሑ ዝንበረ ኣይኮነን። ወዲ ይኩን ጓል ከም እምነቶም መጠን ብድንግል ማርያም ስም ጸሎትጸልዮም መጽብዓተመጻቢዖም ምጽዋት ሂቦም ዝኽራ ዘኪሮም ሽማ ጸዊዖም ብኣማላድነታ ተማሕጺኖም ሓሳቦም እንዳተፈጸመሎምዝጥመመ እንዳተቓንኣሎም ድውያን ፈውሲ ብምርካብ ሰራሕተኛታት ንስርሆም ዝተቓንዕ መንግዲ ብምርካብ ቅዱሳን ግድሎምኣብ ዝፍጽሙሊ ግዜ ጌዜን ምክንያትንኩሉ ጎይታና ዝኣተወላ ቃል ኪዳን እንዳተፈጽመ ይርከብ።

5-ኪዳነ-ቅዱሳን
ኣብ ክርስትና ሂወት ንዘምልኽዎ ቅዱሳን “ካብዞም ንኣሽቱ ንሓደ እዃ ብስምወደ መዝሙር ጣሳ ዝሑል ማይ ጥራይ ዘስቲ ዓስቡከቶ ከም ዘይስእን ብሃቒ እብለኩም እለኹ”ኢሉ ብሽሞም ምጽዋት ዝሃበ ኣብ ዕለት በዓሎም ዘኽበረ ዝኽሮም ዝዝክረ ሽሞም ጽዊዑብጸሎት ሃይማኖት ኣምላኾም ዝተማሕጸነ ኩሉ ዋግኡ ከምዝይስእን ብዝይሕሱ ቃል-ኪዳኑ ኣረጋጊጹ(ማቴ 10፡41-42)።
ምድረ-ሓበሻ ሃገራ ሃገር እግኣዝብሄር ፣ህዝባ ህዝበ እግዚኣብሄር ብምግባር ክም ሽመዓ መኺኹ ዘብርሃ ናይ ክርስትያን ደሴትዝገበራ ኣብ ዓለም መድርክ ሽማ ንክትፍለጥ ዝገበረ ናይ ቤተ ክርስትያንና መስረቲ ዝኾነ ናይ መጀመርያ ሃዋርያ ኣቡነ ሰላማ ከሳቴብርሃን’ዩ።እዚ ቅዱስ ኣቦ ቅድሚ ምዕራፉ ጎይታና መድሓኒናእየሱስ ክርስቶስ ምስ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምስ ቅዱሳን መላእኽቲተገሊጹ ፍልይ ዝበለን ስፊሕን ቃል ኪዳን ሂብዎ እዚ ኽኣ፦

ሽምካ ዝጸውዕ ዝኽርኻ ዝዘከረ ገድልካ ዝጽሓፈ ዘጽሓፈ ክንበብ ከሎ ዝሰምዕ ዘስመዕ፣በዓልካ ዘኽበረ፣ብሽምካ ንነዳይ ዘብለዕዝመጽወተ፣ብገድልካ ዝተድገመ ጸበል ከይተጠራጠረ ብሙልእ እምነት ኮይኑ ዝሰትየ ዝተሓጽበ ኣጋንንቲ ኣይቐርብዎን፣ናብብሽምካ ዝተጸወዕ ቤ/ክ ገዳም ከይዱ ዝተሳለመ ስጋዕ 15 ትውልዲ ክምሕረልካ’የ ኢሉ ቃል ኪዳን ኣትይሉ’ዩ (ካብ ሓምለ ገድሉኣብ ሰላማ ዝተወስደ )። 

ዝተክበርኩም ምእመናን ህዝበ እስራኤል ብሙሴ መሪሕነት ብሙሴ ኣማለድነት ካብ ግብጺ ባርነት ወጹ በሕረ ኤርትራ ተሳገሩሕብስተ መና ካብ ሰማይ ወረደሎም ካብ ዓለት ማይ ፈሊቐሎም ማዓርን ጸባን ናብ ተፍልቕ ከን ኣን ኣተወ፡ንሙሴ ዝግብኣ ክብሪሂቦም ቃሉ ሰሚዖም ደድሕሪኡ ስለዝተኸተሉ’ዩ እዚ ኩሉ ጽጋ ዝረኽቡ ንሕና ሓበሻ ኻኣ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ናይ መጀመርያ ሃዋርያኣብ ጎጃም ጸሓይ ዘቖመ ኣብ ምድረ-ሓበሻ ዝነበሩ ኣጋብብቲ ቀትቂቱ ዘባረረ ከም ሙሴ እንተኣክቢርናዮ ሽሙ እንተጸውእናዮ ኣብዘመነ ጥሜት ጽጋብ ኣብ ዘመነ ውግእ ሰላም ኣብ ዘመነ ሕማም ጥዕና ሂቡ ኣጋንንቲ ብመስቀሉ ረጊጹ ኣብ ትህቴና ደርብዩንመንስተሰማይት መሪሑ ከምዘእትወና ኣይጠራጥርን።

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንዝመረጾም ቃል ኪዳን ከምዝፍጽጽመ ሎሚ ሪእና ኢና ህጂ ካ ምስ ዝተመርጹ ምስ ኣቦና ኣቡነ ሰላማ ቃልኪዳን ኣትዩ’ዩ ምስ ዝሓለፉ ቅዱሳን ዝኣተወሎም ቃል ኪዳን ዝፈጸመሎም ን ኣቦና ኣባ ሰላማ ከኣ ዘይቅየር ቃል ኪዳንኣትይሉ’ዩ።ካብ ዛተወሉ ቃል ኪዳን ናይ በረኸቱ ተሳተፍቲን ተጠቐምትን ንኽንከውን ንህና ሓበሻ ከም ሓደ ቃል ተዛራቢ ከም ሓደልቢ መኻሪ ኮይንና ብንስሃ ሳሙና ተሓጺብና ካብ ክፍኣት ካብ ምፍልላይ ርሒቕና ብሽሙ ኣብ ዝተጸውኣ ማሕበር ኣቲና ሽሙብምጽውዕ ናይ ቃል ኪዳኑ በረኽት ተሳተፍቲ ንኹን።
ዘይፍለጥ ዝተኸደነ ዘይግለጽ ዝተሸፈነ ምንም ነገር የሎን……..”
ካብዚ ብምቅጻል ንቤተ ክርስትያንና ከም ሽምዓ መኺኾም ብርሃን ዝኾነሉ ቅዱሳን ታሪኮምን ናይ ገድሎም ሂወትንክነቀበልኩሚና(ዘይፍለጥ ዝተኸደነ ዘይግለጽ ዝተሸፈነ ምንም ነገር የሎን……..)። ኣቦና ዲሜጥሮስ ገና መንእሰይ ከሎ ስለ ብሕትውና ዓለምይምነይን ንእግዚኣብሄር ድማ ንኸግብረሉ ብጸሎት ይሓትትኔሩ።እንተኮነ ግን ወለዱ ሰበይቲ ንኸእቱን ንኽወልድን ትምኒቶምስለዝነበረ ክደፍእዎ ከለዉ ይጭነቕ ኔሩ።ሓሳባት ከምጽእን ከውርድን ከሎ ሃደ ነገር ሓሰበ’ሞ ንወለዱ ንከይሕዝን ኢሉ ውሽጡከይተቀበሎ ሕራይ ኢልዎም ወለዱ ካ ብወዶም ሓሳብ ደስ ኢልዎም ምዓልቲ ብሙቕራጽ ክዳለዉ ጅመሩ።ከምዘይበጽሕ የሎንምዓልቲ መርዓበጽሐ’ሞ ሙሉእ መዓልቲ ብሓጎስ ምስ ኣሕለፉ ኣብ ኣጋ ምሸት ምስ ሰበይቱ ናብቲ ናይ መርዑት ገዛ ኣተዉብድህር’ዚ ዲሜጥሮስ እቲ ነገር ስለዘይተዋሕጠሉ ንሰበይቲ ከምዚ ክብል ኣጻወታ ኣነ ድንግልናይ ከፍርስ ኣይደልን ካብ ንእስነትይጀሚረ ዝምነዮ ዝነበርኩ ናብ ብሕትውና ምውጽእ ስለዝነበረ ሕጂ ወለድይ ከይራዩኒ ክከይድ እየ ኢልዋ ብኣዘራረቡኡንብሓሳቡንብምግራም ትስምዕ ዝነበረት ሕጽይቱ ከምዚ ኢላ መለሰትሉ ኣነ ወን ከም ኣዴታትይ መነኮሳት ከከውን ስለዝደሊ ምሳኻክከይድ ‘የ ኢላ ውሳኔኣ ምስ ነገረቶ እግዛኣብሄር ይሓግዘና ተበሃሂሎም ዋላ ሓደ ሰብ ከይርኣዮም ብለይቲ ብፍኒስትራ ዘሊሎም ናብብሕትውና ዓለም ንምእታው ጉዕዘኦም ጀሚሮም።
ድሕሪ ብዙሕ ናይ እግሪ ግዕዞ ናብቲ ገዳም ክበጽሑ ምስ ቐረቡ መንታ መንገዲ ኣጋጢምዎም ። ለካ እቲ መንታ መንገዲ እቲ ሓደናብ ኣቦታት መነኮሳት ዝወስድ እቲ ክልኣይ ድማ ናብ ኣዴታት መነኮሳት ዝወሰድ’ዩ ኔሩ ።ዲሜጥሮስ ከምዚ ኢሉ ንሕጽይቱተዛረባ፡ሓፍተይ ሓሰረን ሓቢሮም ከዝይነብሩ ኹሉ ኣነን ንስኽን ድማ ብሓንሳብ ክንነብር ስለዘይንክእል ንስኺ ናብ ኣዴታትኪመነኮሳት ኣነ ድማ ናብ ኣቦታተይ ብሕታውያን ንኺድ ነገር ግን ኣብ ዘለናዮ ብጸሎት ንተሓሳሰብ፡ኢሉ ምስ ተዛረባ እግዛኣብሄርይሓግዘና ኢላ ብንብዓት ክልቲኦም ንሓንሳብን ንመጨረሻን ግዜ ንኸይራኸቡ ክፈላለዩ ከለው ብድንገት ሓደ መድነቒ ነገርኣጋጢምዎም።ካብ እግዛብሄር ዝተኣዘዘ መልኣኽ ከምዚ ኢሉ ተዛሪቡ ዲሜጥሮስ ሰበይትኻን ንስኻን ብሓንሳብ ናይ ብሕትውናዓለም ንኽትፍጸሙ እግዛብሄር ኣምላኽ ፈቂዱ’ዩ ኣይትፈላለዩ ምሰኻ ሒዝኻያ ናብ ኣቦታት ባሕታውያን ኪድ ፡ዲሜጥሮስይትፍራሕ ዲያብሎስ ከየሳናኽለኩም ድማ እግዛብሄር ኣምላኻ ኣብ ማእከልኩም ሓላዊ መልኣኽ ክገብረልኹም’ዩ ኢሉ ካብ ኣይኖምተሰዊሩ ናብ ዝኣዘዞ ኣምላኽ ተመለሰ።

ዲሜጥሮስ ሰበይቱን ስለዝረኣይዎ ድንቂ ዝኾነ ስርዓተ ምርቓም መውት ንእግዚኣብሄር ኣመስጊኖም ከምዝኣዘዞም ተሲኣም ናብቲገዳም ብሓንሳብ ኣተው።ብሓንሳብ ናይ ብሕትወና ሂወት ክመርሑ ከለዉ ኣብ ሓንቲ ዓራት ብሓንሳብ እብዳደቀሱ ከምዝበሎምድማ መልኣኽ ስይፋ ሒዙ ካብ ዲያብሎስ ፈተና ይሕለዎም ብክንፉ’ዉን ይሽፍኖም ኔሩ።እንተኾነ ግን ብኸምዚ ዓይነት ሂወትክነብሩ ከለዉ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፈልጦምን ኔሩ ብጃኻ እግዚኣብሄር።ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣብ ከባቢኦም ናይ ጵጵስና ሽመትተሽይሙ ይመርህ ንዝነበረ ዮልያኖስ ፍርቂ ለይቲ ምስኮነ ካብ እግዛብሄር ዝተኣዘዘ መልኣኽ ተገሊጹ ከምዚ ኢልዎ ንስኻ ናብ ክብሪብዓል ቢት ናብ ክርስቶስ ትኸደሉ መዓልቲ በጺሑ’ዩሞ ናብ ጵጵስና ሹመትካ ተረክቦ ጽባሕ ናባኻ ናይ ወይኒ ዘለላ ሒዙ ዝመጽእባሪኽካ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ናይ ጵጵስና ማዓርግ ሂብካ ሽሞ ኢልዎ እቲ መልኣኽ ።ቅዱስ ዮልያኖስ ስለዝረኣዮ ነገር ስጋዕ ዝፍጸምብትግሃት ይጽበ ነበረ ።ምስ ወግሐ ዲሜጥሮስን ሰበይቱን ንቅዱስ ዮልያኖስ ክጥይቅ ከም ገጸበረከት ናይ ወይኒ ዘለላ ሒዞም ናብገዝኡ ከዱ።ናብ ገዝኡ ምስ ተዉ ቅዱስ የልያኖስ እቲ መልኣኽ ዝነገሮ ዘክረ ናይ ወይኒ ዘለላ ሒዙ ዝመጽእ ስልጣንካ ኣረክቦ ዝብልብድሕርዚ ቅዱስ ዮልያኖስ ንዴሜጥሮስ ኢዱ ሒዙ ብድሕረይ ወንበሩን ስልጣኑን ክትርከበኒ አኻ ኢሉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢሸይሞሞ።


ቅዱስ የልያኖስ ምስ ዓረፈ ኣብ ወንጌላዊ ማርቖስ መንበር ልቀ-ጳጳሳት ጌሮም ሸይሞሞ።ኣብ ወንጌላዊ ማርቆስ መንበር ብጀካ ቅዱስዴሜጥሮስ ካልእ ሰብይቲ ህልያቶ ናብ ጵጵስና ሽመት ዝመጸ የለን።ቅዱስ ዲሜጥሮስ ሕጅ’ውን ምስ ሰብይቱ ምድቃስ ኣይገደፎን ብሓንሳብ ኣብ ሓደ ዓራት ይድቅሱ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ቅዳሴ ከቅደስ ከሎ ኣብቲ ህዝቢ ሰይታን ሓዲሩ ከምዚ ኢሉ ይሓምይዎኔሮም፡ እዚ ምስ ሰበይቱ እንዳደቀሰ ከምይ ጌሩ ናብ ቤተ መቅደስ ይኣቱ ከይ ጌሩክ የቑርበና እንዳበሉ ይሓምይዎ ኔሮም።እቲ ህዝቢብምሕማ’ዩ ጽግኡ ክጎድል ከሎ ናይ ዲሜጥሮስን ምስኡ ትሕመይ ዘላ ሰበይቱን ጸጋ ግን ይውሰከሎም ኔሩ ስለዚ ነገር እዚ ከኣ ካብእግዛኣብሄር ዝተኣዘዘ መልኣኽ ንቅዱስዲሜጥሮስ ተገሊጹ ከምዚ ኢልዎ ካብዞም ህዝቢ ዝሓምዩኻ ኣለዉ’ሞ ካብ ልቦም ጥርጥርኽተርሕቅ ይግባእካ’ዩ ።ምስ ሰበይትኻ ዘሎ ናይ ገድልኻ ሚስጥር ክትገልጸሎም ይግባእካ’ዩ ንስካ ባዕልኻ ኣድሒንካ ብኣኻምክንያት ካልኦት ክጠፍኡ ኣይግባእን ‘ዩሞ ወገናትካ ንምድሃን ጸዓር ኢልዎ።

ንጽባሒቱ መጋቢት 12 መዓልቲ ናይ ቁርባን ቅዳሴ ቀዲሱ ቅዳሴ ልኮ መስ ተወደኣ እቶም ህዝቢ ንኽጽበዩን ካብ ቤ/ክ ከላይክይወጹ ብተወሳኺ’ውን ሓዊ ከንድዱ ኣዘዞም ።ናብቲ ደቂ-ኣንስትዮ ዝቖማሉ ኣልኢኩ ድማ ንሰበይቱ ጸወዓ።ጌርዎ ዘይፈልጥጻዊዕት ቅዱስ ዲሜጥሮስ ብምግባሩ እቶም ህዝቢ ስለዝኽወን ነገር ክጽበዩ ጀመሩ።

ብድሕርዚ ቅዱስ ዲሜጥሮስ ተሲኡ በቲ ዝተቐጽለ ሓዊ ማእኽል ክደ ንብዙሕ ሰዓታት ድማ ኣብቲ ሓዊ ማእከል ኮይኑ ጸሎትጸለየ።ካብቲ ሓዊ ፈሓም ሓፊሱ ናብ ልብሰ ተክህኖኡ እንተገበሮ ዋላ ሕጅ’ውን እቲ ሓዊ ከቃጸሎም ኣይከኣለን ነታ ምስኡዝተሓመየት ሰበይቱ’ውን ጸዊዑ ነቲ ሓዊ ናብ ክዳና ገነረላ ግን ዋላ ሓንቲ ኣየቃጸለላን ።እቶም ህዝቢ ኽኣ እቲ ዝኸውን ዘሎ ነገርሪኦም እዚ ስራህ እዚ ብምንታይ ምክንያት ከምዝገብርዎ ንኽርድኦም ንቕዱስ ዲሜጥሮስ ተማሕጺኖም ። ቅዱስ ዲሜጥሮስ ክኣ ምስሰበይቱ ዘሎ ሕቡእ ሚስጥር ክነግሮም ጀመረ። ሰበይቲ ብዘይድሌቱ ከምዝሓዘ ንሳ’ውን ብዝይድሌታ መርዓ ክይደለየትከምዘመራዓውዎም ከምዚ ብምባል ነገሮም።

ንህና ብሓንሳብ ን38 ዓመታት ክንነብር ከለና ብናይ መርዓ ስርዓት ካብ ዝተራከብናሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ሃንቲ ዓራት ሓንቲክዳን(ኣንሶላ) ተሸፊንና ንድቅስ እንተኮነ ግን ደቂ_ተባዕትዮ ንደቂ-ኣንስትዮ ብግብሪ ከምዝፈልጥዎን ኣይፈልጣን ።በዚ ኩሉ ዘመንካብ ሰብ ወግን ንዋላሓደ ፍጹም ኣይገለጽኩን ክገልጽ’ውን ኣይደልን ኔረ ግን ንስካትኩም ካብ በደል ንኽትድሕኑ ብዕሉእግዛኣብሄር ኣዚዙኒ እምበር ኢላዎም።ብዝለኣይዎን ብዝሰምዕዎን እቶም ህዝቢ ብጣዕሚ ተደነቑ ንእግዛብሄር’ውን ኣመስጊኖምንዕኡ ስለዝሓመይዎ ድማ ዝበደልዎ በደል ቅዱስ ዲሜጥሮስ ይቅረ ምእንቲ ክብለሎም ኣብ እግሩ ወዲቖም በኸዩ።ኣቦና ቅዷዲሜጥሮስ ድማ ስለዝበድለዎ በደል ይቅርታ ጌርሎም ጽቡቕ ስራሕ ካብ ዝጽልእ ካብ ሰይጣን እዩ ኣንበር ካባኩም ኣይኮነን እሞይትሕዘኑ ኢልዎም።

ብድሕሪ’ዚ ባሪክዎም ናብ ገዛኦም ብሰላም ብፍቅሪ ክኣትዉ’ውን ኣሰናበቶም ።ብሊቀ-ጳጳሳት ብቅዱስ ዲሜጥሮስ ብዝረኣይዎተኣምራት ዝተብገሰ ንእግዛኣብሄር እንዳመስገኑ ንገዝኦም ኣተዉ።ዝተኸብረን ዝተመስገነን ናይ እስክንድርያስ ምበል 12ልቅ-ጳጳሳት ቅዱስ ዲሜጥሮስ ናይ ድንግልንኡ ምሲጥር እዚ እዩ(ማቴ10፡26)”ዘይፍለጥ ዝተኸድነ ዘይግለጽ ዝተሸፈነ ምንም ነገርየለን”።

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡርኣሜን!!!                                                                                                              በረኸቶም ኣይፈለየና!


1 comment: