ማህበር ስላሴ ቤተ-ክርስያን ኦርተዶክስ ተዋህዶ ኤረትራውያን አብ በልጁ

Sunday, January 25, 2015

ታሪኽ ቅዱስን ብፁዕን ክቡርን ኣባ ገሪማ

ታሪኽ ቅዱስን ብፁዕን ክቡርን ኣባ ገሪማ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን

ብፁዕ ኣባ ገሪማ ሓደ ካብቶም ትሽዓት ቅዱሳን ሮማውያን ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣብ ሓሙሻይ ክፍለ ዘመን ኣብ ሃገርና ንስብከተ ወንጌል ዝመጹ ቅዱሳን ኣቦታት እዩ። ክርስትና ኣብ ሃገርና ኤርትራ ብብፁዕ ኣቡነ ሰላማ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ናይ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ከም ዝተኣታተወ ዝፍለጥ እዩ። ብድሕሪ ኣቡነ ሰላማ ድማ ኣባ ዮሓኒንን ኣባ ሊባኖስን ዝተባህሉ ኣቦታት ብቐድም ስዓብ ብናይ ሒደት ዓመታት ፍልልይ ካልኣይ እብረ ሰበኽቲ ክርስትና ወጻእተኛታት ኮይኖም ኣብ መፋርቕ ሓሙሻይ ክፍለ ዘመን ከም ዝመጹን ወንጌል ክርስቶስ ብሰፊሑ ከም ዝሰበኹን፦ 
  •  ኣባ ዮሓኒ ኣብ ሰሜን ኤርትራ ንገዳም ደብረ ሲሓት (ሕጂ ገዳም ደብረ ሲና) ኣብ ኣብ ደቡብ ኤርትራ ድማ እንዳባ ዮሓኒ ዝብሃል ገዳማት፤ 
  •  ኣባ ሊባኖስ ድማ፤ እንዳባ ሊባኖስ (ሃም) ከምኡውን እንዳባ መጣዕ (ኣባ ማቴዎስ) ኣብ ጉሕጭዓ ዝርከብ ገዳማት ከም ዝመስረቱን ታሪኽ ቤተ ክርስቲያና ይነግር። 
 እዞም ትሽዓተ ቅዱሳን ሮማውያን ዝተባህሉ ኣቦታት ድማ ሳልሳይ እብረ ወጻእተኛታት ሰበኽቲ ወንጌል ምዃኖም እዮም። ሮማውያን ዝተባህልሉ ምኽንያት ከኣ፣ ኩሎም ዜጋታት ዝተፈላለያ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮማ ዝመሓደራ ዝነበራ ሃገራት ብምዃኖም እዩ። ብእምነቶም ግና ደቂ እታ ሓንትን ቅድስትን ሓዋርያዊትን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን እዮም። 
ዝተራኸቡሉ ቦታ ኣብ ገዳም ኣባ ጳኩሚስ ኮይኑ፤ ንዝተወሰነ ግዜ ኣብዚ ቦታ እዚ ብምጽናሕ ናብራ ብሕትውናን ሥርዓተ መነኰሳትን ፍልጠት ቅዱሳን መጻሕፍትን ተማሂሮም ምስ ዛዘሙ፣ “ምእንቲ ጽድቂ ዝስደዱ ብፁዓን እዮም” ማቴ 5፣10። 
ዝብል ቃል ቅዱስ ወንጌል መሠረት ብምግባር፤ ናብ ምድሪ ኣግኣዚት ብሰሜናዊ መሬት ሃገርና ኤርትራ ብምምጻእ ወንጌል እናመሃሩ፤ ነቲ ኣቐዲሙ ክርስትና ዝተቐበለ ህዝቢ እናኣበራትዑ፤ ነቲ ክርስትና ዘይተቐበለ ድማ እናኣጠመቑ፤ ብደብረ ሲሓት (ተስዓቱ ቅዱሳን ደብረ ሲና ኢሎም ዝሰመይዎ) ኣቢሎም ክሳብ ደቡብ ኤርትራን ትግራይን ብምብጻሕ ወንጌል ዝመሃሩን ገዳማት ዝመስረቱን ሕጊ መነኮሳት ዝሰርዑን ኣቦታት እዮም። ሰባክያነ ክርስትና ናይ ሓባር መጸውዒ ስሞም “ተስዓቱ ቅዱሳን ሮማውያን” ብዝብል ዝጽውዑ ኣብ ሃገርና ፍሉይ ምዕራፍ ዝሓዘ ታሪኽ ዘለዎም ኣቦታት ሓደ ኢዩ።ተስዓቱ ቅዱሳን ኪመጹ እንከለዉ መራሕቲ ብምዃኖም ደኣ ትሸዓተ ፍቅዲ ይግለጹ እምበር፡ምስ ካህናቶም፡ምስ ሕዝቦም ምስ መጻሕፍቶም ምስ ንዋያተ ቅድሳቶምን መሳርሒታቶምን ኢዮም መጺኦም።
ድሕረ ባይታ ኣባ ገሪማ፦ ወለዲ ኣባ ገሪማ፦ ኣቦኡ መስፍያኖስ ናይ ሮም በዓል ስልጣን ዝነበረ፣ ኣዲኡ ሰፍኖግያ፣ ይበሃሉ። ወለዱ መኻናት ስለ ዝነበሩ፣ እግዚኣብሔር ውሉድ ምእንቲ ክህቦም ናብ እግዝእትነ ማርያም ብዘቕረብዎ ምሕጽንታ እግዚኣብሔር ጸሎቶምን ምሕጽንታኦምን ሰሚዑ፣ ነዚ ብሩኽ ውሉድ ሃቦም። ወለዱ ድማ ነዚ ብጸጋ እግዚኣብሔርን ብረድኤት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ዝወለድዎ ውሉድ ይስሓቅ ኢሎም ሰመይዎ። ምስ ዓበየ መጻሕፍቲ ቤተ ክርስቲያን ብዝግባእ ተማሂሩ መዓርግ ዲቁና ተቐብአ። ድሕሪ ሞት ኣቦኡ ድማ ሕዝቢ ሮም ኣብ መንበር ኣቦኡ ኣንገስዎ’ሞ ንሽዱሽተ ዓመታት ብቕንዕናን ብፍትሕን ኣመሓደሮም። እዘን ዓመታት እዚኣተን ምስ ተፈጸማ፣ ኣባ ጴንጤሌዎን በዓታይ (ዘጾማእት) ዝተባህለ መነኰስ ኣቦ፣ ከምዚ ብምባል ናብ ይስሓቅ ናይ ሮማ በዓል ስልጣን ለኣኸ “ኦ ቡሩኽ ወደይ ይስሓቅ ፣ንምዉታትሲ ምዉታቶም ይቕበርዎም ሕደጎም፣ ንስኻስ ነቲ ዘይሓልፍ መንግሥቲ ክርስቶስ ክትደሊ ደኣ ናባይ ንዓ።” ማቴ 8፣22። 
ይስሓቅ ነዚ መልእኽቲ እዚ ምስ ሰምዐ ምድራዊ ሥልጣኑ ጠንጢኑ ናብ ኣባ ጴንጤሌዎን ብለይቲ ናብ ገዳም ኣባ ጳኩሚስ ተበገሰ። ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ድማ ብኣኽናፉ ጸይሩ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ንግሆ ናብ ዓንቀጽ በዓቲ ኣባ ጴንጤሌዎን ኣብጽሖ፣ እቲ መገዲ ብእግሪ መገዲ ዓሠርተ ወርኅን ኣርባዕተ መዓልትን እዩ። ቅዱስ ኣባ ጴንጤሌዎን ምስ ረኣዮ ሓቍፉ ሰዓሞ እሞ፣ ብጾምን ብጸሎትን ተጸሚዱ፣ ሱባዔ ኣትዩ ንምንኵስና ዘብቅዖ 
ሕይወት ምስ ተለማመደ፤ ብክህነት ንኸገልግል ባሪኹን ቀቢኡን ልብሰ ምንኵስና ኣልበሶ። ብድሕርዚ ኣባ ጴንጤሌዎን ዝመራሒኦም ኣባ ይስሓቅ ዝርከቦም ተስዓቱ ቅዱሳን ናብ ምድረ ኣግኣዚት ምስ መጹ፣ ኣባ ይስሓቅ መደራ ናብ ዝበሃል ቦታ ብምኻድ ንዕስራን ሠለስተን ዓመታት ሕሙማት እናፈወሰን ኣጋንንቲ እናኣውጽአን፣ ዝተፈላለየ ተኣምራት እናገበረን መንፈሳዊ ተጋድሎኡ ቀጸለ።

 ገለ ካብቲ ዝፈጸሞ ተኣምራት፦ 
  • ሓደ መዓልቲ ንመስዋዕቲ ቅዱስ ቁርባን ዝኸውን ስርናይ ተሳእነ እሞ፣ ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ሒደት ዘርኢ ስርናይ ናብቲ ዘብቍልን ዘፍርን እግዚኣብሔር ጸልዩ ንግሆ ተንሲኡ ዘርኦ። እቲ ዝዘርኦ ስርናይ ሽዑ ንሽዑ ቦቝሉ በጽሐ። ደጊሙ ውን ናይ ወይኒ ሓረግ ኣብ ከውሒ ተኸለ እሞ፣ ሽዑ ንሽዑ ኣብ ሰዓታ ጠጢዓ ፈረየት። ሽዑ ናይ ምሸት ካብቲ ዝዘርኦ ስርናይ ሓስዩ፣ ካብቲ ዝተኸሎ ናይ ወይኒ ሓረግ ዝተረኽበ ፍረ ወይኒ ኣዳልዩ መስዋዕቲ ቅዱስ ቍርባን ኣዕረገ። ንጽብሒቱ ድማ ነቲ ዝተረፈ እንዳእቲ ስርናይ ኣኺዱ ኣዝረዎ እሞ ሰብዓን ሸውዓተን ኵንታል ሓፈሰ። 
  •  ካልእ መዓልቲ ድማ መጽሓፍ እናጸሓፈን እናተርጐመን ከሎ፣ ከይወድኦ ጸሓይ ክትዓርብ ቀረበት እሞ፣ ክሳብ ጽሒፉ ዝውድእ ደው ክትብል ኣዘዛ፣ ከምኡ ከኣ ኾነ። 
  •   ካልእ ጊዜ’ውን እናጸለየ እንከሎ ምራቑ ኣብቲ ዝጽልየሉ ዝነበረ ቦታ ወደቐ እሞ፣ ንብዙሓት ሕሙማት ጸበልን ፈውስን ብምዃን ክሳዕ ሕጂ የገልግል ኣሎ። 
  •  ነቲ ዝጽሕፈሉ ዝነበረ ብርዒ ኣብ መሬት ኣቐሚጡ ኣብ ልዕሊኡ ጸለየ እሞ እቲ ብርዒ ሽዑ ንሽዑ ለምለመ። 
                            ኣባ ይስሃቅ፤ ኣባ ገሪማ ዝተበሃለሉ ምኽንያት፦ 

ሓደ መዓልቲ ክፉኣት ሰባት ንኣባ ይስሓቅ ብመንቀኝነት ተላዕልዎ እሞ፣ “ኣባ ይስሓቅሲ በሊዑ ቀዲሱ ሥርዓት ኣፍሪሱ” ኢሎም ናብ ኣባ ጴንጤሌዎን ከሰስዎ። ኣባ ጴንጤሌዎን ድማ ንኣባ ይስሓቅ “ኦ ወደይ ይስሓቅ ዝነግረካ ምስጢር ስለ ዘሎ ነዞም ሰባት ካብዚ ኣልግሶም” በሎ። ኣባ ይስሓቅ ከኣ “ሕራይ ክቡር ኣቦይ ኣሽንኳይ ሰብሲ እዞም ኣግራብን ኣእማንን’ውን የልግሱ” በለ።
ሽዑ ቅድስና ኣባ ይስሓቅ ምእንቲ ክግለጽን፣ ክፍኣት ናይቶም ንኣባ ይስሓቅ ዝኸሰሱ ክፉኣት ሰባት ከኣ ምእንቲ ክቕላዕን፣ ብሓይሊ ኣምላኽ እቶም ኣግራብን ኣእማንን ንኣስታት ዓሠርተ ኪሎ ሜተር ዝኸውን ርሕቀት ካብ ቦታኦም ተነቒሎም ገዓዙ። ሽዑ ኣባ ጴንጤሌዎን በቲ ብረድኤት እግዚኣብሔር ብኣፍ ኣባ ይስሓቅ ዝተፈጸመ ተኣምራት ተገረመ እሞ፣ “ኣንታ ወደይ እዚ ተግባርካስ ገሪሙኒ” በሎ። ካብታ ሰዓት እቲኣ ጀሚሩ ድማ ስም ኣባ ይስሓቅ ብኣባ ገሪማ ተተክአ።
ኣባ ገሪማ ምድራዊ ናይ ኣገልግሎት ዘመኑ፣ ብሠናይ ተጋድሎ ምስ ፈጸመ፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገልጸሉ እሞ፣ ስሙ ንዝጽውዕን ዝኽሩ ንዝገብርን ንኽምሕረሉ ኪዳን ሃቦ፣ ብናይ ብርሃን መንኰርኰር ተነጢቑ ከኣ ሞት ከይረኣየ ናብ ሰማይ ከም ዝዓረገ እቲ መዝገብ ኩሎም ቅዱሳን ዝዀነ መጽሓፈ ስንክሳር ኣብ ናይ 17 ሰነ ንዝኽሪ ኣባ ገሪማ ኣብ ዝተጻሕፈ ቅዱስ ታሪኽ ሰኒድዎ ኣሎ።
እግዚኣብሔር ብጸሎቱ ይምሓረና ኣሜን!!! 

ወስብሐት ለእግዚአብሔር 
ወለወላዲቱ ድንግል 
ወለመስቀሉ ክቡር

source; www.kslasiedubai.org 

2 comments:

  1. ኣሜን ኣሜን ኣሜን በረከቶምን ጾሎቶምን ረዲኤቶምን ምስ ኩልና ህዝበ ክርስትያን ይኩን

    ReplyDelete
  2. ኣሜን ቃለ ሂወት የስመዓልና ብሓቂ ልብካ ዘተርክስ ኣዕጽምትካ ዘለምልም ትምህርቲ'ዩ እግዚኣብሔር ጸጋኡ የብዝሓልኩም!

    ReplyDelete