ማህበር ስላሴ ቤተ-ክርስያን ኦርተዶክስ ተዋህዶ ኤረትራውያን አብ በልጁ

Monday, May 2, 2016

' ቃለ ቡራኬ በዓለ ትንሣኤ '

          ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽን ኣሜን!! 
    
                  ' ቃለ ቡራኬ በዓለ ትንሣኤ ' 

ኣብ ቀረባ ውሽጢ ሃገርን፡ ኣብ ርሑቕ ወፃኢ ሃገራትን ዘለኹም ክቡራን ሕዝበ ክርስቲያን፣ ከምኡ’ውን ብሓፈሻ ኵልኹም ደቂ ሃገር እንቋዕ ናብ በዓለ ትንሣኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰላም ኣብጽሓና! ናብዚ ዘብጽሓና እግዚአብሔር ኣምላኽና ድማ ክብርን ምስጋና ይብጽሓዮ! 
“ትንሣኤከ ለእለ አመነ ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ” ማለት “ነቶም ትንሣኤኸ እንኣምን ብርሃንካ ስደደልና” እናበልና በብዓመቱ ነዚ በዓለ ትንሣኤ እነኽብረሉ ምኽንያት ኣምላከ ኣማልክት ጐይታ ጐይቶት መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መቓብር ክፈቱለይ መግነዝ ፍትሑለይ ከይበለ ብኃይለ መለኮቱ ንሞት ስዒሩ ዝተንሥኣሉ ዕለት ስለዝኾነ እዩ። 

ጐይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብስቕለቱን ሞቱን ትንሣኤኡን ፍጹም ድኅነትን ሰላምን ምሕረትን ሃበና።

Sunday, May 1, 2016

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ
ቃለ ቡራኬ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ተዋድሮስ 2ይ፡ ብምኽንያት በዓል ትንሥኤ-2016 ብትግርኛ
ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽን ኣሜን!! ክርስቶስ ትንሥአ እሙታን ብዐቢይ ኃይል ወሥልጣን ኣሠሮ
ለሰይጣን አግአዞ ለአዳም ሰላም እምይዜሰ ኮነ ፍስሐ ወሰላም! ፍቱዋት መንፈሳውያን ደቀይ! እንቋዕ ናብዚ ብርሃነ ትንሳኤ
ኣብጸሓኩም። ኣብዚ በዓል'ዚ ድማ ፍጹም ሓጎስ ኪኾነልኩም ይምነ።
ንምሉእ ግብጣዊት ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን፡ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ጳጳሳት፡ ካህናት፡ ድያቆናትን ሰበኻ ጉባኤን እንቋዕ ሓጎሰኩም
እብል። ከምኡ'ውን ንዂሎም ኣገልገልቲ ፡ መንእሰያት፡ ሕጻናትን ንኲሎም ክርስቲያናት ስድራቤታት ብሓፈሻ እንቋዕ
ኣብጽሓኩም እብል። ንዂሎም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ግብጣውያን ሃገረ ስብከታት እንቋዕ ኣብጽሓኩም! ርሑስ በዓል
ትንሳኤን ሎምን ኲሉ ሳዕን ብምሉእ ጥዕና ክትነብሩ ይምነ።
ብርግጽ፣ በዓለ ትንሳኤ ርእሲ ናይ ኲሎም በዓላትና፡ ኣኽሊል ናይ ኲሉ ደስታናን ንልብና ፍጹም ምልኣት ዝህብን በዓል'ዩ።
ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ መዓልታዊ እነብዕሎ በዓል እዩ። ብዛዕባ በዓለ ትንሳኤ እንተ ሓሲብና፡ ንኣብ መስቀል ዝተሰቅለ
ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝክር። ንሱ ብርግጽ ሞተ፡ ነዚ ድማ ብዙሓት ምስክራት ኣለዉ። ንሳቶም ድማ ሓለቃ
ሚእቲ፡ ሓለውቲ መቓብር፡ ንመቓብር ዝበጽሐት ሰበይቲ፡ ንሥጋ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወሰደ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያ፡ንጎይታ

Sunday, October 25, 2015

ታሪኽ ሕይወት ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ


"ሠናየ ገድለ ተጋደልኩ በድርየኒ ፈጸምኩ ወሃይማኖትየኒ ዐቀብኩ"


ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ፡ ካብ ንእግዚአብሔር ዝፈርሁ ሥድራ፡ ኣቦኦም መልኣከ ሰላም ኢያሱ ኣብርሃምን ካብ ኣደኦም ወለተሚካኤል ንጉሠን ኣብ መበቈል ዓዶም በራኽ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ብ፳፩ ሚያዝያ ፲፱፻፳፬ ዓ.ም.ግ. (29 ሚያዝያ 1932 ዓ.ም.ፈ.) ተወሊዶም።
 ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ
ዕድመኦም ንትምህርቲ ምስ በጽሐ ኣፎም ዝኸፈቱን ልሳኖም ዘጽረዩን ብቃል እግዚአብሔር እዮም። ነዚ ምሉእ ዕድመኦም ዝተመገብዎን ኣብ ልቢ ሕዝበ ክርስቲያን ዘውሓዝዎን ምሥጢር እግዚአብሔርን፡ እምነትን ሥርዓተ ኣምልኮን ቤተ ክርስቲያን ፊደል ቈጺሮም ዝተመሃርዎ ኣብ የኔታ መለስ እዮም።ግብረ ዲቁና ኣብ ዓዶም በራኽ ካብ የኔታ መለስ ምስ ኣጻፈፉ፡ ካብ መምህር ድጓ የኔታ ብርሃነ ቃል ትምህርትን ጾመ ድጓን ኣብ ሸካኢያሞ መራጉዝ ተማህሩ። ርድእናኦምን ጥብዓቶምን ተራእዩ፡ ካብ ኣቡነ ማርቆስ ሢመተ ዲቁና ብ፲፱፻፴፪ ዓ.ም.ግ. ተቐበሉ።ንዘለዓለም ዝፍልፍል ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይ ዝኃዘ ዒላ ትምህርተ ቤተ ክርስቲያን ካብኡ ካብ ምቕዳሕ ይኣክለኒ ዘይብሉ ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ ትምህርቶም ዝቐጸሉ ቅኔን መዝገብ ቅዳሴን ካብ የኔታ በርሀ ኣብ ማይለሓም መራጉዝ እዮም።
ኣቋቋም ኣብ መቓብር ጸብላ ቈሓይን ዝነበሩ የኔታ ወልዳይ ገብረትንሣኤ ክብረ በዓል ተማህሩ። ከምኡ’ውን ክብረ በዓልን መዝሙርን ካብ የኔታ ክፍለ ብተወሳኺ ከኣ ካብ የኔታ ይትባረክ ኣብ ወኪዱባ ጸዓዘጋ ብግቡእ ተማህሩ።ዝማሬን መዋሥዕትን ካብ የኔታ ተስፋማርያም ታኪታ ዝተማህሩ ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ ካብ ዝተፈላለዩ መምህራን ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜን ቦታን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሂሮም። መንፈሳዊ ትምህርቲ ካብ ዝተፈላለዩ መምህራን ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜን ቦታን ንክቐሥሙ ልዕሊ 16 ዓመት ወሲድሎም። ምስ መንፈሳዊ ትምህርቲ ውን ጥቕሚ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ብዕምቈት ብምርዳእ ክሳዕ 9ይ ክፍሊ ተማሂሮም እዮም።