በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን
ብፁዕ ኣባ ገሪማ ሓደ ካብቶም ትሽዓት ቅዱሳን ሮማውያን ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣብ ሓሙሻይ ክፍለ ዘመን ኣብ ሃገርና ንስብከተ ወንጌል ዝመጹ ቅዱሳን ኣቦታት እዩ። ክርስትና ኣብ ሃገርና ኤርትራ ብብፁዕ ኣቡነ ሰላማ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ናይ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ከም ዝተኣታተወ ዝፍለጥ እዩ። ብድሕሪ ኣቡነ ሰላማ ድማ ኣባ ዮሓኒንን ኣባ ሊባኖስን ዝተባህሉ ኣቦታት ብቐድም ስዓብ ብናይ ሒደት ዓመታት ፍልልይ ካልኣይ እብረ ሰበኽቲ ክርስትና ወጻእተኛታት ኮይኖም ኣብ መፋርቕ ሓሙሻይ ክፍለ ዘመን ከም ዝመጹን ወንጌል ክርስቶስ ብሰፊሑ ከም ዝሰበኹን፦