ማህበር ስላሴ ቤተ-ክርስያን ኦርተዶክስ ተዋህዶ ኤረትራውያን አብ በልጁ
+ ንቤተ ክርስቲያን +
+ ንቤተ ክርስቲያን +
ንሰብ እንተ ተቃሊስካዮ እንተ ተዋጊእካዮን ትስዕሮ ኢኻ ወይ ይስዕረካ ።
ንቤተ ክርስቲያን ግና ምስዓር ኣይከኣልን እዩ ።
ቤተ ክርስቲያን ኵሉ ግዜ ትዋጋእ እያ።
ተሳዒራ ግና ኣይትፈልጥን እያ።
ዲያብሎስ ዝናሩ ኣራገፈ ኵናቱ ወድአ ንቤተ ክርስቲያን ግና ኣይጐድኣን።
( ቅ፣ዮውሃንስ ኣፈወርቅ)
ሓደ ሓደ ሰባት ቤተ ክርስቲያን ብትምህርታን ብስርዓታን ጉድለት ዘለዋ ኾይኑ ዝስምዖም ጉድለቶም ስለ ትሕብሮምን፡ ስለ ትነግሮምን፣ እዩ።
(ቅዱስ ቄርሎስ)
እዚ ሕጂ ዝብሎ ቃላት ብዙሓት ኣይክትሰማምዑሉን ኢኩም፣ ግን ክብሎ እየ። ሓደ ዘሕዝን ሕማም ናብ ቤተክርስቲያን ኣትዩ ኣሎ። ብሕብረት ንእግዚእብሔር ጐይታና ከነመስግን ምስ ተኣኸብና፣ ገሌኹም ዉልቃዊ ዕላልኩምን ወካዕካዕኩምን ሒዝኩም ትመጽኡ። ጸሎት እንዳተገብረ ክነሱ፣ ገሌኹም ኣይትግደሱን። ድቃስን ምስልቻዉን ተብዝሑ። ብናይ ቀትሪ ሕልምን፣ ናብ ኩሉ ወገን ቀባሕባሕ ብምባል ተሕልፍዎ። ገሌኹም ትሓምዩ፣ ገሌኹም ብሕሹክሹክ ሰብ ተጸልሙን ትጸርፉን። ኸምዚ ብምግባርኩም ከኣ ቤት እግዚአብሔር ተርኽሱ። ካብዚ ዝገድድ ዉን ኣሎ። ካህን ደው ኢሉ ኣንዳጸለየ፣ ገሌኹም ብዘይምክያት ትስሕቁ፣ ብሰባት ተላግጹ፣ ብፍሽክታኩም ንሰባት ተዋርዱ። ኣብ ቤተክርስቲያን ምስ ቅዱሳን መላእክቲ ደው ኢልና ክነስና፣ ገሌኹም ግን ትስሕቁ። ቅዳሴ ናይ መድረክ ድራማ ድዩ መሲሉኹም?፧ ስለዚ ኣትሪረ ክምሕጸነኩም፣ ካብ ከምዚ ርክሰት ዝመልኦ ኣካይዳ ተቆጠቡ። ናብቲ ቅዱስ ነገር ኣስተብህሉ። ንጐይታ ዘለኹም ክብሪ፣ ተወፋይነትን ፍቅርን ኣርእዩ!!!!! ሕሊናኹም ኣብ ላዕሊ ይኹን፣ ልብኹም ዉን ኣብ ሰማያት ይሃሉ። ቃል ጽድቂ ስምዑ፣ ሰናይ ዜና ዉን ጽን በሉ!!!!! ቅ. ዮሃንስ ኣፈወርቅ
No comments:
Post a Comment