ማህበር ስላሴ ቤተ-ክርስያን ኦርተዶክስ ተዋህዶ ኤረትራውያን አብ በልጁ

Saturday, November 29, 2014

ቅድስት ድንግል ማርያም ሕዳር ጽዮን



በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ
፩ዱ አምለክ አሜን
ርሑስ አውድአመት ደቂ እዛ ቅድስት እምነት ንኹልኹምእንቋዕ ናብዚ ክቡርን ዓብን በዓል ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሕዳር ጽዮን ብሰላም ኣብጽሓናይብል ሰብእ እምነ ጽዮን ሰብ ፣ ኵሉ ኣዴና ጽዮን ክብል እዩ፡ ሰብ ካብኣ ተወለደ መዝ 87፡5


ጽዮን ማለት እንታይ ማለት እዩ
ጽዮን ዝብል ቃል ”ፀወነ” ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝወጸ ኮይኑ፡ ትርጉሙ ድማ እምባ መጸግዒ መኸወሊ ማለት እዩ። እዚ ቃል እዚ ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ ሚእትን ሓምሳን ጊዜ ተጠቒሱ ከም ዘሎ ናይ ቤተ ክርስቲያንና መምህራን ይምህሩና። ብሓፈሻ ጽዮን ዝብል ቃል ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣርባዕተ ነገራት ወኪሉ ተጻሒፉ ይርከብ።

Tuesday, November 25, 2014

“ንጽሕና ድንግል ማርያም ንምቅዋም ብዘመናውያን መናፍቓን ዝቐረቡ 10 ነጥብታትን መልስታቶምን”




“ንጽሕና ድንግል ማርያም ንምቅዋም ብዘመናውያን መናፍቓን ዝቐረቡ 10 ነጥብታትን መልስታቶምን”

በስመአብ ወወልደ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ አሜን!!!“ንጽሕና ድንግል ማርያም ንምቅዋም ብዘመናውያን መናፍቓን ዝቐረቡ 10 ነጥብታትን መልስታቶምን” (ብመጋቤ ሐዲስ ሮዳስ ታደሰ ካብ ዝተዳለወት መጽሓፍ ዝተረኽበ)

1ይ ተቓውሞ “ድንግል ማርያም ኣዳማዊ ኃጢአት የብላን ዝብል ትምህርቲ ቀዳሞት ሊቃውንቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣይመሃርዎን” ይብሉ።መልሲ፤ ነዚ ዘሕፍር ቃል እዚ ዝዛረቡ ወገናት ታሪኽ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ፈጺሞም ኣይፈልጡን እዮም ማለት እዩ፡ ወይ ድማ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን እንታይ ከም ዝመሃሩ ኣየንበቡን እምበር ቀዳሞት ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ካብ

Saturday, November 8, 2014

ትዕግስቲ

ትዕግስቲ 
ትዕግስቲ ማለት ብናይ ሎሚ ጽንኩር ኩነታት ከየማረርካ ንናይ እግዚኣብሔር ረድኤትን ብህድኣትን ብዓቕልን ምጽባይ እዩ።ከምኡ’ውን ንዝኮነ ስራሕ ከይተሃከኻን ከየማረርካን ምስራሕ ፡ንዝሓሰብካዮን ዝጀመርካዮን ከይረብረብካን ተስፋ ከይቆረጽካን ፍጹም እዩ።እግዚኣብሔር ሕጉስን ትሑትን’ዩ። ናይ እግዚኣብሔር ትዕግስቲ ካብ ምሕረቱን ርህራሄኡን ምሉእ’ዩ። ናብይ ዳዊት ኣብ (መዝ 103፡8)እግዚኣብሔር ርህርሁን መሓርን እዩ። ንኹራ ደንጓዪ ንምሕረት ድማ ምሉእ እዩ ብምባል ገሊጽዎ ንረኽቦ።

+ ንቤተ ክርስቲያን +

+ ንቤተ ክርስቲያን +

ንሰብ እንተ ተቃሊስካዮ እንተ ተዋጊእካዮን ትስዕሮ ኢኻ ወይ ይስዕረካ ።
ንቤተ ክርስቲያን ግና ምስዓር ኣይከኣልን እዩ ።
ቤተ ክርስቲያን ኵሉ ግዜ ትዋጋእ እያ።
ተሳዒራ ግና ኣይትፈልጥን እያ።
ዲያብሎስ ዝናሩ ኣራገፈ ኵናቱ ወድአ ንቤተ ክርስቲያን ግና ኣይጐድኣን።
( ቅ፣ዮውሃንስ ኣፈወርቅ)

ሓደ ሓደ ሰባት ቤተ ክርስቲያን ብትምህርታን ብስርዓታን ጉድለት ዘለዋ ኾይኑ ዝስምዖም ጉድለቶም ስለ ትሕብሮምን፡ ስለ ትነግሮምን፣ እዩ።
(ቅዱስ ቄርሎስ)

እዚ ሕጂ ዝብሎ ቃላት ብዙሓት ኣይክትሰማምዑሉን ኢኩም፣ ግን ክብሎ እየ። ሓደ ዘሕዝን ሕማም ናብ ቤተክርስቲያን ኣትዩ ኣሎ። ብሕብረት ንእግዚእብሔር ጐይታና ከነመስግን ምስ ተኣኸብና፣ ገሌኹም ዉልቃዊ ዕላልኩምን ወካዕካዕኩምን ሒዝኩም ትመጽኡ። ጸሎት እንዳተገብረ ክነሱ፣ ገሌኹም ኣይትግደሱን። ድቃስን ምስልቻዉን ተብዝሑ። ብናይ ቀትሪ ሕልምን፣ ናብ ኩሉ ወገን ቀባሕባሕ ብምባል ተሕልፍዎ። ገሌኹም ትሓምዩ፣ ገሌኹም ብሕሹክሹክ ሰብ ተጸልሙን ትጸርፉን። ኸምዚ ብምግባርኩም ከኣ ቤት እግዚአብሔር ተርኽሱ። ካብዚ ዝገድድ ዉን ኣሎ። ካህን ደው ኢሉ ኣንዳጸለየ፣ ገሌኹም ብዘይምክያት ትስሕቁ፣ ብሰባት ተላግጹ፣ ብፍሽክታኩም ንሰባት ተዋርዱ። ኣብ ቤተክርስቲያን ምስ ቅዱሳን መላእክቲ ደው ኢልና ክነስና፣ ገሌኹም ግን ትስሕቁ። ቅዳሴ ናይ መድረክ ድራማ ድዩ መሲሉኹም?፧ ስለዚ ኣትሪረ ክምሕጸነኩም፣ ካብ ከምዚ ርክሰት ዝመልኦ ኣካይዳ ተቆጠቡ። ናብቲ ቅዱስ ነገር ኣስተብህሉ። ንጐይታ ዘለኹም ክብሪ፣ ተወፋይነትን ፍቅርን ኣርእዩ!!!!! ሕሊናኹም ኣብ ላዕሊ ይኹን፣ ልብኹም ዉን ኣብ ሰማያት ይሃሉ። ቃል ጽድቂ ስምዑ፣ ሰናይ ዜና ዉን ጽን በሉ!!!!! ቅ. ዮሃንስ ኣፈወርቅ

ገድሊ ኣቡነ ኣቢብ

    በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ገድሊ ኣቡነ ኣቢብ ምስ ዲያብሎስ ካብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቅ።

እዞም ቅዱስ ኣቦ ብብሕትውና ካብ ኣቡነ ኣንጦኒ 3ይ ዝኾኑ፡ ቅዱሳት ቦታታት ክበጽሑ ንኢዮርሳሌም ኣብ ዝኸዱሉ እዋን እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንሰይጣን ኪድ ንገሮ ኢሉ ብዝኣዘዞ መሰረት፡ ሰይጣን ድማ ሓንቲ ከይሓብአ ከመይ ገይሩ ንደቂ ሰባት ከም ዘስሕቶም ሓደ ብሓደ ንኣቡነ ኣቢብ ገለጸሉ። ሰይጣን ንኣባ ቡላ ወይ ድማ ኣቡነ ኣቢብ ድላይካ ሕተተኒ ፈትየ ዘይኮንኩስ እግዚኣብሔር ኩሉ እቲ ግብርኻ ንዓለም ከመይ ጌርካ ከም ተስሕታ ንፍቑረይ ኣቢብ ንገሮ ተባሂለ ስለዝተኣዘዝኩከይሓባእኩ ክነግረካ እነኹ ተኣሲረ መጻአ ኣለኹ። ዝደለኻ ሕተተኒ። ኣብኡ ንኣቢብ ድማ ከምዚ ኪብሉ ሕቶኦም ጀሚሩ።
ሕቶ፡ ንሰብ ብዘይፍቃድ እግዚኣብሔርከመይ ጌርኩም ተስሕትዎም ዘለኹም።