ማህበር ስላሴ ቤተ-ክርስያን ኦርተዶክስ ተዋህዶ ኤረትራውያን አብ በልጁ

Wednesday, October 30, 2013

ኣታ መንእሰይ

 ኣታ መንእሰይ ኣታ ወዲ ኣብ ገዜ ንእስነትካ ባህ ዝብለካ ግበር፣ በተን ማዓልታት ንእስነትካ ተሓጐስ እትደልዮ ግበር። ልብካ ዝበሃጎ'ውን ፈጽም ግናኸ ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ኵሉ ከም ዝፈርደካ ሕሰብ። ንእስነትካ ብጽሕነትን ቀልጢፉ ኃላፊ እዩ'ሞ ስለዚ ጓሂ ካብ ልብኻ፣ ሕሰም ካብ ሰብነትካ ኣርሕቕ። ኣታ መንእሰይ ሕይወት ሰብ ብብዝኂ ገንዘብ ኣይኮነትን እትነብር፣ ገንዘብ ድማ ሡር ኃጢኣት እዩ። ስለዚ ኣታ ብልብወለድ ዓለም እትማላለስ ዘሎኻ ትምኒት ሥጋን ፍትወት ዓለምን ኃላፍን ጸናትን ምዃኑ ኣስተብህል፣ ንእስነት ዕዳ እናበልካ ብሕይወትካ ኣይትጻወት። ንእስነትን ብጽሕነትን ከንቱ ምዃኑ ዘክር።
ጽባቐን ግርማን ዓለም ጠፋኢ እዩ። ስለዚ ካብዛ ብክፍኣት ካብ እተብለጭልጭ ወቂባ ንጥፍኣት'ውን እትጐዓዝ ዘላ ዓለም ምንባር፣ ከምቲ ዘማሪ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ "ካብ ሽሕ መዓልቲ ኣብ ዓለምሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ቤትካ ይሕሸኒ ዝበሎ" ንስኻ'ውን ኣየናይ ከም ዝሓይሽ ሕሰብ? ኣታ መንእሰይ ክሳብ ሎሚ ንዓለም ዘገልገልካያ ይኣክል፣ እወ ክሳዕ ሎሚ ንእግዚኣብሔር ዘኅዘንካዮ ጊዜ ይኣክል ሕሰብ'ሞ ክሳብ መዓስ ኢኻ ብትምኒት ሥጋን ፍትወት ሥጋን ልብኻ ትነድድ ዓለምን ፍትወታን ኃላፊ ምዃኑ ኣስተውዕል። ስለዚ ንሥጋዊ ትምኒት "ከም ምንዝርና፣ ስኽራን፣ ጓይላ፣ ትምኒት ሥጋ፣ ኣምልኾ ጣዖት፣ ዝኾነ ስስዐን ሓዲግካ ናብ ልብኻ ተመለስስ፣ ገላ 5፣19።
እንተዘይኮነስ ብሰር'ዚ ነገራት እዚ ቍጥዓ ኣምላኽ ነቶም ንእግዚኣብሔር ዘይእዘዝዎ ይወርድ ኣሎ'ሞ ንርእስኻ ሕሰብ። ንርእስኻ ድማ ካብ ቍጥዓ፣ ክፍኣት፣ ሰባት ምጽላም፣ ፍትወት ሥጋን ዓለምን ርኂቕካ ካብታ ብልብወለድ ዓለም እትመላለስ ምድራዊ ክብሪ፣ ከም ሳዕሪ ዝቕምስል ከም ዕንባባ መሮር'ውን ቀልጢፉ ዝረግፍ ምዃኑ ተረዳእ።ወደ ሰብ'ውን ብዙኅ ይጽዕርን ይደክምን ብዙኅ'ውን ይመራመር ብዙኅ ሃብትን ፍልጠትን ንኸንቱ ይእከብ ነዚ ዅሉ ሃብቱ ገዲፉ ድማ ዝኽይድ ምዃኑ ኣስተብህል።
ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የበላሽዎ እዩ'ሞ ተጠንቀቕ (1ይ ቆሮ.15፣33) ከም ኣብነት ኪኾነና እቲ ኃያል ሶምሶን ናይ እግዚኣብሔር ምሥጢር ኣውፂኡ ኣብ ኢድ ጸላእቱ ክወድቕ ዝገበሮ ምስ ደሊላ ዝመሥረቶ ሕማቕ ዕርክነት እዩ። ስለዚ ንስኻ'ውን ምስ ዓለም ዘለካ ሕማቕ ዕርክነት ናብ ጥፍኣት ከየውድቐካ ተጠንቀቕ።
ገንዘብ ሡር ኵሉ ክፍአት ኃጢአት እዩ'ሞ ወርቅን ጨርቅን'ውን መጋየጽን፣ መግለጺ ጥፍኣት እዩ'ሞ ተጠንቀቕ። ንይሁዳ ንመልከት ነቲ ዝፈጠሮ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅድስና ሐዋርያ ዝኃረዮ ወልደ እግዚኣብሔር ኣምላክ ብዘይጠቅም ገንዘብ ንሞት ኣኅሊፉ ከም ዝሃቦ ዘክር። ስለዚ ንስኻ'ውም ነዚ ተረዲእኻ ነታ ቅንዕትም ርትዕትን ዝኾነት እምነት ኣቦታትካ ብገንዘብ ከይትሸጣ ተጠንቀቕ። ገንዘብን ወርቅን፣ ሕማቕ ዕርክነትን'ውን ኅደጎ፣ ኣስተውዕል ብልዕን መስተን ዋጋ የብሉን።
ከብዲ ንብልዒ፣ ብልዒ ከኣ ንኸብዲ እዩ'ሞ ክልቲአን ኃለፍቲ ምዃነን ሕሰብ።ከምቲ ብዅርንኡ ብብልዒ ተዓሻሽዩ ኤሳው ወዲ ይስሓቅ ዝሸጣ ድኃር ኣብዘይ ወፅእ ጣዕሳ ዝኣተወ ንስኻ'ውን ብብልዒ ተዓሻሽኻ ነታ ርትዕቲ እምነት ኣቦታትካ ከይትሸይጥ ተጠንቀቕ። ብሓቂ ተጠንቀቕ፣ ነታ ኣብ ሕይወትካ ብዅርናኻ ዝኾነት ሃይማኖትካ ተዋሕዶ ብፍትወት ናይዛ ኃላፊት ዓለም ከይትልውጣ ከይትሸጣ ተጠንቀቕ።
ትዕቢት እታ ዝኸፋአት ኃጢአት እያ እሞ፣ ኣስተውዕል ነቲ ብግርማን ቁንጅናን መዳርግቲ ዘይነበሮ ሊቀ መላእክት ዝነበረ ሳጥናኤል ተመልከት። ካብ ሰማየ ሰማያት ናብ ትሕቲ ምድሪ በርባሮስ ንኺውርድ ዝገበረት ሡር ጥፍኣት ትዕቢት ምዃና ዘክር። ስለዚ ምስ ትዕቢት ዘለካ ሕማቕ ዕርክነት ኣቋርጽ። ኣታ ወዲ ሰብ ናብቲ ብኽብሪ ካብ ኵሉ ፍጥረት ኣብሊጹ ዝፈጠረካ እግዚኣብሔር ተጸጋዕ እሞ፣ ብሕይወት ክትነብር ኢኻ። ምድራዊ ሽግር ክትርኢ ከሎኻ ብዚኅ ኣይትሸገር ኵሉ ዘጋጠመካ ሽግር ምእንቲ ርእሱ ኢሉ ከምቲ መዓልቲ ንባዕላ ክትብል እትኅልፍ፣ ንሱ'ውን ንባዕሉ ክብል ኪኃልፍ እዩ። ስለዚ ንዝመጽኣካ ብዓቕሊ ተጸበ።
ብተስፋ እናተሓጐስካ ብጸበባ እናተዓገሥካ ንበር።ገድሊ ቅዱስ ኢዮብ ሕሰብ ኢዮብ ዝነበሮ ሃብትን ንበረትን ጥሪትን ብምድራዊ ሽግሩ ከም ሓሰብ ተበተነ እቶም ከርሢ ዉሉድ'ውን ከም ጨው ሓቐቁ፣ ኣካላቱ ብሕማም ማሰነ ኣብ ኣካላቱ'ውን ሓሳኹ ብሕሱም ቍስሊ ተፈጥሩ። ግና ቅዱስ ኢዮብ ብዘጋጠሞ ምድራዊ መከራ ንፈጣሪኡ ኣይከሓደን ኣየማረረን። እኳ ደኣ ብዓቢይ ትዕግሥቲ ጥርሐይ ብእግዚኣብሔር ተፈጠርኩ ጥርሐይ ከኣ ናብ እግዚኣብሔር ይምለስ ኣሎኹ። ንዅሉ ጸጋይ እግዚኣብሔር ሃበኒ እግዚኣብሔር ድማ ወሰደ ስለዚ ስም እግዚኣብሔር ይኽበር ይመስገን። ብዝብል ምስጋና ንእግዚኣብሔር ኣመስገነ ፍረ ጽንዓቱን ትዕግሥቱን እምነቱን እግዚኣብሔር ኣምላኽ ካብ ዝነበሮ ጸጋ ንላዕሊ መለሰሉ።
እምበኣርከስ ንስኻ'ውን ንዅሉ ዝመጽኣካ መከራ ኮነ ፈተና ብትዕግሥትን ምስጋናን ተቐበሎ ኮታስ ንዓለምን ንእስነትን ኣይትእመነን። ዓለምን ንእስነትን ጠላማት እየን። ስለዚ ንሕይወትካ ዘይትኃልፍ ዘይትበርስ እምባ ጌርካ ኣይትውሰዳ። ስለዚ ኣስተወዕል ዘይትንሥእ እምበር ዘይወድቕ የልቦን። ከም ዚብሃል ሽሕኳ ብፈተነ እዛ ተካል ዓለም እዚኣ እንተወደቕካ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ከመይ ተስፋ ምቝራጽ ክርስቲያናዊ ጠባይ ስለ ዘይኾነ። ኣቦና ኣዳም ምስ ወደቐ ልቢ ኣምላኽ ዳዊት ምስ ዘመወ። ሐዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ከሓደ። ብዝገበርዎ ኣበሳ ተስፋ እንተዝቘርጹ፣ ነዚ ሎሚ ረኺበሞ ዘለዉ ክብሪ ኣይምረኸቡን።
ተዕዘምዝም፣ ኣነ ኣይበቅዕን እየ ኢልካ'ውን ኣመና ኣይተማርር፣ ምኽንያቱ መረረ ንመረረ እያ ትወልድ እሞ ንምንታይ እግዚኣብሔር ዘይሰምዓኒ ኣይትበል፣ እግዚኣብሔር ዝሰምዓካ መዓልቲ ከም ዘሎ ሕሰብ። ጌዴዎን እኳ ዝበጽሖ ምድራዊ ሽግር ክደክም ከሎ እግዚኣብሔር ምሳና እንተ ዝነብርሲ ንምንታይ'ዚ ሽግር እዚ ይገጥመና፣ ኢሉ ምስ ኣማረረ እኳ ደኣ ካብ ዝነበሮ ገደደ እምበር ዝሓይሽ ኣይረኸበን እሞ፣ ንስኻ'ውን ብዝበጽሓካ ነገር ብዝከኣለካ ንእግዚኣብሔር ኣመስግኖ፣ ምኽንያቱ ምስጋና ምስጋና እያ ትወልድ።
ስለዚ ሎሚ ዝለምንካዮ ጽባሕ ከወሃበካ ዘይኮነስ ክትጽበ ንዅሉ ገጊዜኡ ኣለዎ ከም ፍቓዱ እግዚኣብሔር ኣብ ጊዜኡ ምሕረት ኪልእከልካን ኪረድኣካን ምዃኑ ኣሚንካ ብተስፋ ተጸበ። እወ ክፉእ መዓልታት ከይመጽኣ፣ ባህ ኣይበለንን እትብለሉ ዓመታት ከኣ ከይቀረበ ኮሎ፣ ብርሃን ወርኅን ፀሓይን ከዋኽብትን ከይጸልመታካ ከለዋ፣ ኣዒንትኻ'ውም ፈዚዘን ምርኣይ ከይሰኣና ከለዋ፣ ኣእዛንካ'ውን ነቲ ካብ ኣደባባይ (ቤተ ክርስቲያን) ዝመጽእ ድምፂ ምስማዕ ከይሰየበ ገና ሰብነትካ ነይነይ ከይበለ ከሎ፣ ዊንታኻን ቀልብኻን ከይጠፍአ ከሎ ሥጋኻ'ውን መሬት ስለ ዝኾነት ናብ መሬት ከይተመለሰት፣ መንፈስካ ናብ ወሃቢኡ ከይተመልሰ ኮታ ገና ኣብ ጊዜ ንእስትነካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።
ስለዚ ተስፋ ኣይትቝረጽ ነቲ ንኣቦና ኣብርሃም ካብ ኣምልኾ ጣዖት ለዊጡ ኣብ እምነት ኣቦ ኵልና ዝገበሮ ንማርያም መግዳላዊት ካብ ዝሙት ኣንጺሑ ምስተን 36 ቅድሳት ኣንስቲ ኣቝጺሩ ንኽብሪ ትንሣኤኡ ክትርኢ ዝገበረን ዘብቅዐን፣ ንቕዱስ ዳዊት ካብ ኣበሳኡ ሓጺቡ ከም ልቡ ንኪኸውን ዘሥመሮን ንሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ካብ ከንቱ ዓንዲ ኣምልኾ ጣዖት ቀይሩ ኅሩይ ብርሃን ዓለም ንኺኸውን ዝኃረዮን ዝሸሞን እግዚኣብሔር ኣምላኽ፣ ንኣኻ'ውን ብኽብሪ ቅድስና ከም ዘብቅዓካ ኣይትጠራጠር ኣጆጃ በርትዕ፣ ትጋህ፣ ንፉዕ፣ ኣብ እምነትካ ጽናዕ። ጾም፣ ጸሎት፣ ስግደት፣ ምጽዋት፣ ምስ እግዚኣብሔር ዘራኽባ መገድታት እየን እሞ ብአአን ተመላለስ። 

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላክ ኣበዊነ አሜን።     source ^- facebook  ሽሻይ ሓድሽ

No comments:

Post a Comment