ማህበር ስላሴ ቤተ-ክርስያን ኦርተዶክስ ተዋህዶ ኤረትራውያን አብ በልጁ

Tuesday, June 25, 2013

ትምህርቲ ሃይማኖት


መስቀል
“ኣነ ግና በቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል እንተ ዘይኮይኑስ ብኻልእ ኣይምካሕን እየ”(ገላ6፡16)
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።
ከምቲ ነቢይ ሙሴ ኣብ መጽሓፉ ጽሒፍዎ ዘሎ ፡ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ነቲ ንዘመናት ብማእሰር ሞት ተኣሲሩ ናብ ሲኦል ዝተደርበየ ፡እና ሸቑረረ ዝነብር ዝነበረ፡ኣፍ ደገ ገነት ዝተዓጽዎ ኣዳምን  ዘርኡን ፡ካብ ባርነት ዲያብሎስ ካብ ማእሰርቲ ሓጢኣት ክፈትሖ፡ዝተዓጽወ ገነት ክኸፍተሉ ፡ርጉም ብምዃን መርገምና ጸይሩ ፡ንዓለም ብምልኣ በጃ ብምዃን ኣምላኻዊ ፍቕሩ ኣብ መስቀል ገሊጹልና እዩ።በዚ ካኣ ሰይጣን ተሳዒሩ ፡ደቂ ኣዳም ካኣ ሰላም ረኺብና በቲ ሰላምና ዝኾነ ኣምላኽ፡(ዘፍ2፡24,ገላ3፡13,ኤፌ2፡13-16,ቆላ1፡20,ኢሳ9፡6)
67579_1194697363565_1712394628_377244_2801304_nእንተኾነ ግን ካብ ክፍኣት ዘይዓርፉ ጸረ መስቀል ዝኾኑ ኣይሁድን ሰዓብቶምን ክቡር መስቀል ናይ ኣምላኽና ተኣራት ይገብር ስለ ዝረኣዩ ብቕንኢ ተላዒሎም ፡ስሙ ከይልዓል ፈጺሙ ድማ ክጠፍእ ተላዓሉ።ካብዚ ተበጊሶም እምበኣር ንኽቡር መስቀል ምስቲ ብየማንን ጸጋምን ናይ ጎይታ ዝተሰቕልሉ ክልተ መስቀል ገይሮም ቀበርዎ’ሞ ህዝቢ ኢዮሩሳሌምን ከባቢኣን ኣብ ልዕሊኡ  ጓሓፍ ከም ዝጉሕፍሉ ገበሩ።ከምዚ ኢሉ ንልዕሊ 200ዓመታት ቀጸለ።ካብ ብዝሒ ጓሓፍን ንውሓት ግዜን ዝተላዕለ ካኣ ምብራኹ ክንዲ ጎቦ ኮነ።
ድሕሪ ብዙሕ ግዜ እምበኣር ፡ኣብ ልዕሊ መስቀል ክርስቶስ ፍቕሪ ዝነበራ ንግስቲ ኢሌኒ ንወዳ ንጉስ ቆስጦንጥኖስ ሒዛ መስቀል ንምርካብ ጉዕዞ ናብ ኢዮሩሳሌም ጀመረት።ኢዮሩሳሌም ኣትያ ካኣ ንደ ዓቢ ኣረጊት ኣይሁዳዊ(ኪርያኮስ)  ሰብኣይ ረኸበት ፡ማይ መግብን  ከልኪላ ከኣ ከምዝጠሚ ገበረቶ ንሱ ካኣ ናብቲ ክቡር መስቀል ናይ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ሪሕዋ ከደ።፡ነቲ መሎኮታዊ ደም ዝፈሰሰሉን መለኮታዊ ስጋ ናይ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ  ዝተቖርሰሉን  መቀል ንምርካብ ካኣ መስከረም17 ኩዕታ ተጀመረ መጋቢት 10 ካኣ  ተወድኤ።ኩዕታ ምስ ተወድአ ሰለስተ መስቀል ተረኸበ ።ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ መስቀል ናይ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተኣምራት ይገብር፡ምዉታን የተንስእ ስለ ዝነበረ፡ነቲ ዝተረኽበ ሰለስተ መስቀል ምዉት ኣምጺኦም ፈተንዎ እሞ ገባሬ ተኣምር ዝኾነ መስቀል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ፡ነቲ ምዉት ኣተንስኦ።ክርስቲያናት ኩላቶም ተሓጎሱ።ንኽቡር መስቀል ብግንባሮም ተደፊኦም ሰገድሉ ፡ቅዳሴ ሰሪዕም ካኣ ንኣምላኽ ኣመስገኑ ።
ሓደ ይስሓቕ ዝተባህለ ሳምራዊ ግና ምስ ካልኦት ሳምራውያን ኮይኑ “ንምንታይ ንኾንቱ ትደኽሙ ፡ንምንታይከ ንዕንጸይቲ መስቀል ትሰግዱ “እና በለ ንክርስቲን ኣባጨወሎም።ቀጺሉ እቲ ሳምራዊ ፡ኣብቲ ቦታ ሕማቕ፡መሪር ማይ ነበረ እሞ ፡”ሃይማኖትኩም ቅንዕትን  ርትዕትን እንተኾይና ፡ነዚ መሪር ማይ ናብ ጥዑም ማይ ክትቅይሮ እያ።ናይ መስቀል ሓይሊ ካኣ እንተ ኣርኢኹምኒ ብኢየሱስ ክርስቶስ ክኣምን እየ ” እና በለ ናይ ላግጺ ቃላት ኣስምዔ።እዚ ክብል ከሎ ኣውዶኪስ ዝስሙ ጻድቕ ካህን ሰምዖ እሞ፡መንፈሳዊ ቅንኢ ተሰምዖ፡ቀሪቡ ካኣ ተወከሶ ።ብድሕርዚ እቲ ካህን መስቀል ሒዙ ነቲ ማይ እና ባረኸ ናብ ኣምላኽ ጸለየ፡እቲ መሪርን ዘይጥዕሙን ማይ ካኣ ኣዝዩ ጥዑም ዝስተ ማይ ኮነ።እቶም ሕዝቢ ድማ ንሳቶምን እንስስኦም  ሓቢሮም ሰተዩ።ኣብቲ ቦታ ካኣ ቤተክርስቲያን ሃነጹ።እታ ማይ ንክርስቲያን ጥዕምቲ ንዘይኣምኑ ግና መራር ነበረት እሞ ይስሓቕ ሳምራዊ ክሰቲ ኢሉ ነቲ ማይ ምስ ጠዓሞ ብጣዕሚ መሪር ዘይጥዑም  ረኸቦ እሞ ብጣዕሚ  ብልቡ እና  ጓሃየ ብክርስቶስ ኣመነ።ኣብ ኢዮሩሳሌም ብዝነበረ ኤጲስ ቆጶስ ከይዱ  ተጠሚቑ ካኣ ክርስቲያን ኮነ ።በረኸት መስቀል ምስ ኩላትና ይኹን! ኣሜን።
ብድሕሪ ንግስቲ ኢሌኒ ንኽቡር መስቀል ምርካባ፡ሰይጣን ካልኣይ ግዜ  መስቀል ክጠፍኣሉ ይኽእል እዩ ኢሉ ዝሓሰቦ ካልእ መገዲ ደለየ።ሓደ ግዜ ካብ መኳንንቲ ንጉስ ፋርስ ናብ ኢዮሩሳሌም መጺኡ ናብ ውሽጢ ኢየሩሳሌም ኣተወ እሞ ፡ኣብ ቅድሚ እቲ ክቡር መስቀል  ዓቢ ብርሃን ደሚቑ ክበርረኣየ፡ኢዱ ዘርጊሑ ካኣ ነቲ መስቀል ክሕዞ ደለየ።እንተኾነ ሓዊ(እሳት) ካብቲ መስቀል ወጺኡ  ኢዱ ኣሕረሮ ፡እቶም ክርስቲያን ካኣ “ስራሕ መስቀል ዓቢ እዩ ፡ክርስቲያን ዘይኮነ ሰብ ካኣ ክሕዞ ኣይግባእን እዩ “በልዎ።ንሱ ካኣ ክልተ ዲያቆናት ኣሰኪሙ ናብ ዓዱ ናብ ፋርስ ወስዶ።ኣብ ቅድሚ መንበሪ ገዝኡ ዓሚቕ ጉድጓድ ኣዂዒቶም ብድሕሪዚ ነቲ ክቡር መስቀል ናይ ጎይታ ኣብቲ ጉድጓድ ቀበርዎ። እቶም ክልተ ዲያቆናት መስቀል ኣበይ ከም ዝተቐብረ ምእንቲ ከይሕብሩ ካኣ ቀተሎም።እዚ ክገብር ከሎ ሓንቲ ካብ ኣዋልድ ካህናት ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ  ኣብ ቤት እቲ መኮነን ኮይና  ብመስኮት ትዕዘብ ነበት።
እዚ ኩሉ ምስ ተፈጸመ ናይ ሮም ንጉስ ሕርቃል እዚ ሰምዔ እሞ ፡መስቀል ካብ ኢድ ርሳውያን ንምምላስ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ  መጸ።እታ ኣቐዲማ መስቀል ኣበይ ከምዝተቐብረ እትዕዘብ ዝነበረት እስራኤላዊት ጓል ኣንስተይቲ ንንጉስ ሕርቃል ሓበረቶ፡ናብቲ ቦታ ኻኣ መሪሓቶ ከደት።ንጉስ ሕርቃል ንኽቡር መስቀል ካብቲ ተቐቢርዎ ዝነበረ ቦታ  ኲዒቱ ኣውጽኦ፡ብጣዕሚ ድማ ደስ በሎ፡ክርስቲያን  ብምልኡ ድማ ጠፊኡ ዝነበረ መስቀል ብምርካቡ ተሓጎሰ።ንጉስ ሕርቃል ካኣ ነቲ ዝተረኽበ ክቡር መስቀል ብልብሲ መንግስቲ ጠቕለሎ።ዕለቱ  10መጋቢት 614 እዩ።በረኸት መስቀል ምስ ኩላትና ይኹን!ኣሜን።
እምበኣር ዝኸበርኩም ህዝቢ እግዚኣብሄር መስቀል ኣብ ሂወትና ዓቢ ቦታ እዩ ዘለዎ።ከመይ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፡ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝወሰዶ  ስጋን ነፍስን  ብተዋህዶ ኣብ መስቀል ውዒሉ ንጹህ ደሙን ክቡር ስጋኡን  ኣብ መስቀል ኣፍሲሱን ቆሪሱን ናቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን  ሰብን ተፈጢሩ  ዝነበረ ጽልኢ  ከም ዝድምሰስን ክሳድና ኣቕኒዕና  ከም እንኸይድን ገይሩና እዩ።ነዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ “,,,,,,,,,,,ንሱ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ናይ ጽልኢ ከልካሊ  መንደቕ  ብስጋኡ ብምፍራስ  ነቶምክልተ ሓደ ዝገበረ ሰላምና እዩ,,,,,,,,,, ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብምማት ነቲ ጽልኢ ደምሰሶ ፡ነቶም ክልተ ሓደ ብምግባር ካኣ ብመስቀሉ ምስ ኣምላኽ  ኣተዓረቖም።(ኤፌ2፡13-17)።ስለዚ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ብንጹህ ደሙን  ቅዱስ ስጋኡን  ዘኽበሮን ዝቐደሶን መስቀል  ንሕና”ውንዝግብኦ ክብሪ ክንህቦ ይግባእ።ኩሉ ግዜ ካኣ ብዛዕባ  መስቀል ክንሓስብ፡ውዕለት ጎይታና ኣብ መስቀል እና ዘከርና ካብ ሓጢኣት ርሒቕና  ክነብር ይግባእ።
መስቀል ክባሃል ከሎ ከም ተራ ዘረባ ዝዝረበሉ ፡በዓሉ ድማ ከም ተራ ባዓል ኣይኮነን።ሽሕ እኳ ከምቲ ቅዱስ  ጳውሎስ ዝገለጾ ፡ንዘይ ኣምኑ ዕሽነት ኮይኑ እንተ ተራእዮም፡ንዓና ንኣመንቲ ግና ሓይልና ፡ጽንዓትና፡በጃና፡መድሓኒት ንፍስና ስለ ዝኾነ ፡ድሕነትና  ዝተፈጸመሉ፡ናጽነትና ዝተኣወጀሉ ኣብ መስቀል ስለ ዝኾነ ዝግብኦ ክብርን ኣበዓዕላ  ስርዓትን ክንፍጽም ይግባእ።ብኣንጻሩ ናይ መስቀል በዓል ብጓይላን ዳንኬራን ፡ብባእስን ቅርሕንትን ፡ብስስዔን ስርቅን  ፡ብስኽራንን ዝሙትን ፡ብሓፈሻ ብፍትወት ስጋ እንተ ኣሕሊፍናዮ ፡ኣብ መስቀል ዝተገብረ ናይ ድሕነት ስራሕ ፡ኣምላኽና  ኢየሱስ ክርስቶስ ዘፍሰሶ ደምን ዝቖረሶ ስጋን ብግብርና ኮንቱ ንገብሮ።ስለዚ በዓልና ንኣምላኽ ዘሐጉስ ክኸውን ይግባእ።ኣብ ክንዲ ስጋዊ ስራሕ(ሓጢኣት)፡መንፈሳዊ ስራሕ እና ሰራሕና እቲ ዓቢ ናይ መስቀልስራሕ እና ዘከርና ንንበር።ነቶም ተጠራጠርቲ እውን ብዛዕባ መስቀል ከመይ “ከምቲ ብዙሕ ግዜ ዝነገርክኹም ሕጂ ካኣ እና ነባዕኹ  ዝነግረኩም ዘለኹ  ብዙሓት ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ።መወዳእትኦም  ጥፍኣት  እዩ”(ፈሊ3፡18-19) ከም ዝበለ ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ፡ብዙሓት  ጸላእቲ መስቀል ኣለዉ።ንሕና እውን ብቓልን ብግብርን መንመስቀል ክንፈልጥን ብተግባር ክነርእን ይግባእ።
ብሓፈሻ እምበኣር መስቀል ኣርማና፡ዋልታና፡ንሰይጣን እንስዕረሉ  ብደም ጎይታና  ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሓዝጽበ እዩ እሞ  ፍቕሪ መስቀል ካብ ልብና ፡ካብ ሂወትና ከይርሕቕ ፡ቅዱስ እግዚኣብሄር ጸጋኡ የብዝሓልና!!! ርሑስ በዓል መስቀል ይግበረልና።በረኸት መስቀል ሎሚ፡ጽባሕ ፡ንዘልኣለም ኣይፈለየና ።ኣሜን!!!(ዘጽ17፡10-13,ገላ3፡13, 1ቆሮ1፡18, ኤፌ 2፡13-17, ቆላ 1፡24, ገላ6፡14, ፊላጵ3፡18-19)
ወስብሃት ለእግዚኣብሄር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!

No comments:

Post a Comment