ትምህርቲ ሃይማኖት
መስቀል
“ኣነ ግና በቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል እንተ ዘይኮይኑስ ብኻልእ ኣይምካሕን እየ”(ገላ6፡16)
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።
ከምቲ ነቢይ ሙሴ ኣብ መጽሓፉ ጽሒፍዎ ዘሎ ፡ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ንዘመናት ብማእሰር ሞት ተኣሲሩ ናብ ሲኦል ዝተደርበየ ፡እና ተሸቑረረ ዝነብር ዝነበረ፡ኣፍ ደገ ገነት ዝተዓጽዎ ኣዳምን ዘርኡን ፡ካብ ባርነት ዲያብሎስ ካብ ማእሰርቲ ሓጢኣት
ክፈትሖ፡ዝተዓጽወ ገነት ክኸፍተሉ ፡ርጉም ብምዃን መርገምና ጸይሩ ፡ንዓለም ብምልኣ በጃ ብምዃን ኣምላኻዊ ፍቕሩ
ኣብ መስቀል ገሊጹልና እዩ።በዚ ካኣ ሰይጣን ተሳዒሩ ፡ደቂ ኣዳም ካኣ ሰላም ረኺብና በቲ ሰላምና ዝኾነ
ኣምላኽ፡(ዘፍ2፡24,ገላ3፡13,ኤፌ2፡13-16,ቆላ1፡20,ኢሳ9፡6)