"ሠናየ ገድለ ተጋደልኩ በድርየኒ ፈጸምኩ ወሃይማኖትየኒ ዐቀብኩ"
ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ፡ ካብ ንእግዚአብሔር ዝፈርሁ ሥድራ፡ ኣቦኦም መልኣከ ሰላም ኢያሱ ኣብርሃምን ካብ ኣደኦም ወለተሚካኤል ንጉሠን ኣብ መበቈል ዓዶም በራኽ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ብ፳፩ ሚያዝያ ፲፱፻፳፬ ዓ.ም.ግ. (29 ሚያዝያ 1932 ዓ.ም.ፈ.) ተወሊዶም።
![]() |
ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ |
ኣቋቋም ኣብ መቓብር ጸብላ ቈሓይን ዝነበሩ የኔታ ወልዳይ ገብረትንሣኤ ክብረ በዓል ተማህሩ። ከምኡ’ውን ክብረ በዓልን መዝሙርን ካብ የኔታ ክፍለ ብተወሳኺ ከኣ ካብ የኔታ ይትባረክ ኣብ ወኪዱባ ጸዓዘጋ ብግቡእ ተማህሩ።ዝማሬን መዋሥዕትን ካብ የኔታ ተስፋማርያም ታኪታ ዝተማህሩ ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ ካብ ዝተፈላለዩ መምህራን ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜን ቦታን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሂሮም። መንፈሳዊ ትምህርቲ ካብ ዝተፈላለዩ መምህራን ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜን ቦታን ንክቐሥሙ ልዕሊ 16 ዓመት ወሲድሎም። ምስ መንፈሳዊ ትምህርቲ ውን ጥቕሚ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ብዕምቈት ብምርዳእ ክሳዕ 9ይ ክፍሊ ተማሂሮም እዮም።