ማህበር ስላሴ ቤተ-ክርስያን ኦርተዶክስ ተዋህዶ ኤረትራውያን አብ በልጁ

Saturday, January 18, 2014

ናይ ኣቡነ እንድርያስ ገድሊ

orthodoxawit
 

ናይ ኣቡነ እንድርያስ ዕፉን ገድሊ እዩ በረከቶምን ረዴቶምን ምስ ኩልና ይኩን፡



አቡነ እንድርያስ ( ዕፉን)

እንቋዕ ብዕለት ፳፱ ጥሪ ናብ ዝኽበረ፡ ክብረ በዓል ገዳም አቡነ እንድርያስ (ዕፉን) ብሰላም ኣብጸሓና። እዞም ጻድቕ እዚኦም ምስ ቅዱስ
ኣቦና አቡነ መርቆሬዎስ ዘደብረ ድማኅ ካብ ዝነበሩ ተምሃሮን ኣርድእትን ሓደ ኮይኖም፤ ብቕዓቶም ተመስኪሩሎም ብባርኾት አቡነ መርቆሬዎስ 
ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ (ብወገን ሰሜን ሩባ ዑበል) ንዝርከብ ገዳም ወግረ ስሂን ዝመሥረቱ እዮም። ስሞም ምስ አቡነ እንድርያስ ሰፍኣ 
ዝመሳሰል ይኹን ደኣ እምበር ክልቲኦም በበይኖም ምዃኖም ምስትውዓል የድሊ። እምበኣር ኣብቲ ገዳም'ቲ ቅድሚ ገለ ዓመታት ካብ ዝተዘርገሐ 
ትምህርታዊ ጽሑፍ ንዝረኸብናዮ ናባኹም ነቕርቦ ኣሎና። በረኸትን ረድኤትን ናይዞም ጻድቕ ኣቦና ምስ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።
ልደትን ኣተዓባብያን 
አቡነ እንድርያስ ዕፉን ትውልዶም ኣብ ሃገረ ስብከት ዞባ ደቡብ አኵለ ጒዛይ፡ ንኡስ ዞባ ደቀ መሓረ ኮርባርያ እዮም። ስም ኣቡኦም ቀሺ 
መንክር፡ ስም ኣዲኦም ከኣ ጸዳለ ብርሃን ይበሃሉ። እዞም ቅዱሳን ወለዲ ሃብታማት ነበሩ። ውላድ ግና ንግዚኡ ኣይነበሮምን። ድኅሪ ነዊሕ እዋን 
እግዚአብሔር ውላድ ከምዝረኽቡን፡ ቡሩኽን ዓቢን ከምዝኸውንን ስሙ እውን እንድርያስ ከምዝበሃል ብሕልሚ ኣርኣዮም። በዚ መሠረት ከኣ