ማህበር ስላሴ ቤተ-ክርስያን ኦርተዶክስ ተዋህዶ ኤረትራውያን አብ በልጁ

Sunday, December 22, 2013

ታሪኽ ቅዱስ አባ ገብረ ክርስቶስ ዘሊባን ወገሪቆ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ጽኑዕ እምነቶም፡ መንነቶም ክሳዕ ዝሥወር ዝገበረ ናይ እምነት ሓርበኛ እዮም። “ዘይፍለጥ ክኸውን እየ ዝፈቱ፥ ከምዝኾነ ታራ ሰብ ክቝጸር ከኣ እደሊ” ዝብሉ ዝነበሩ አባ ገብረ ክርስቶስ። ኣብ መወዳእታ ናይ ዓሠርተው ትሽዓተ ክፍለ ዘመን ብ ፲፰፻፺፰(1898) ዓ.ም. ኣብ ኤርትራ ኣብ ሊባን ወገሪቆ ተወልዱ። አባ ገብረ ክርስቶስ ስም ወላዲኦም ናይዝጊ ብሂል ጻድቅ፤ ስም ወላዲቶም ድማ ምልእቱ ከም ዝብሃል ካብ ብሕይወት ዘለዉ ቤተ ሰቦም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። 


  ቅዱስ አባ ገብረ ክርስቶስ

እዞም ብንእሽቶኦም ልሳኖም ብትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዝኸፈቱ ኣቦ፤ ጊዜ ቍልዕነቶም ኣብ መጓሰን ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምምሃርን እዮም ኣኅሊፎምዎ። ኣበይ ዲቁና ወሲዶም፧ መን ነይሩ መምህሮም፧ እኳ ክንፈልጦ እንተዘይከኣልና፡ ፍቕሪ እግዚአብሔር ብንእሽቶኦም ቀለም ኮይኑ ኣብ ልቦም ስለ ዝተጻሕፈ፡ ንዝያዳ መንፈሳዊ ትምህርትን መንፈሳዊ ሕይወት ንምዕባይን ምስ ሥድራን መቕርብን ስለዘይከኣል፡ ናብ ገዳም ፃዕዳ እምባ እንዳ ሥላሴ ብምኻድ መንፈሳዊ ትምህርቶም እናቐጸሉ፡ ብርድእና የገልግሉ ምንባሮም ይፍለጥ። ተወሳኺ ካልእ ምንጪ ከም ዝሕብሮ ናብ ደብረ ዳሞ (ኢትዮጵያ) ብምኻድ ዜማን ቅኔን ከም ዝተማህሩ ይሕብር። አባ ገብረ ክርስቶስ ነጋዲ (በጻሒ) ቅዱሳት መካናትን ገዳማትን ብምንባሮም። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ ኣብ ቀላይ ጣና ንዝርከባ ገዳማት ከምኡውን ኣብያተ ክርስቲያን ላሊበላ በጺሖም ምንባሮም ይንገር።