ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽን ኣሜን!!
' ቃለ ቡራኬ በዓለ ትንሣኤ '
ኣብ ቀረባ ውሽጢ ሃገርን፡ ኣብ ርሑቕ ወፃኢ ሃገራትን ዘለኹም ክቡራን ሕዝበ ክርስቲያን፣ ከምኡ’ውን ብሓፈሻ ኵልኹም ደቂ ሃገር እንቋዕ ናብ በዓለ ትንሣኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰላም ኣብጽሓና! ናብዚ ዘብጽሓና እግዚአብሔር ኣምላኽና ድማ ክብርን ምስጋና ይብጽሓዮ!
“ትንሣኤከ ለእለ አመነ ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ” ማለት “ነቶም ትንሣኤኸ እንኣምን ብርሃንካ ስደደልና” እናበልና በብዓመቱ ነዚ በዓለ ትንሣኤ እነኽብረሉ ምኽንያት ኣምላከ ኣማልክት ጐይታ ጐይቶት መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መቓብር ክፈቱለይ መግነዝ ፍትሑለይ ከይበለ ብኃይለ መለኮቱ ንሞት ስዒሩ ዝተንሥኣሉ ዕለት ስለዝኾነ እዩ።
ጐይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብስቕለቱን ሞቱን ትንሣኤኡን ፍጹም ድኅነትን ሰላምን ምሕረትን ሃበና።

